ድለ

ኣቦሓጐታት - ኣደሓጐታትን ደቂ ደቆምን ሰረትን ትምኒትን ኣቦሓጐታት - ኣደሓጐታትን ደቂ ደቆምን ሰረትን ትምኒትን 

ኣቦሓጐታት - ኣደሓጐታትን ደቂ ደቆምን ሰረትን ትምኒትን

ትንቢት ኢዮኤል ነቢይ 3.1 “. . . ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም”

ዕለት 2 ጥቅምቲ መዓልቲ ኣቦሓጐን ኣደሕጐን! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሮማኒያ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ሕዝቢ ክራኸቡን መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ዘዕርግሉ ኣደባባይ እናኸዱ ንሕዝቢ ሰላም እናበሉ ኣብ ዝሓልፍሉ ዝነበሩሉ እዋን ሓንቲ ብዕድመ ዝደፈኣ ኣደሓጐ ወዲ ወደን ይኹን ወዲ ጓለን፥ ኣብ ሕቝፈኤን ገይረን ቅዱስነቶም ክሓልፉ እንከለዉ ሓፍ አቢለን ከርእዮኦም እንከለዋ ዘጋጠሞም ኣብ ኣእምሮኦም ተሓቲሙ ዝተረፈ ደስ ዘብል ተመክሮ፥ እተን ኣደሓጐ “ሕጂ ኣነ ክሓልም/ክምነይ እኽእል” ዳርጋ ዝብላ ከምዝነበራ ገይሮም ነቲ ኣጋጣሚ ከምዝገለጽዎ ክዝከር እንከሎ፡ ኣቦሓጐን ኣደሓጐን ደቂ ደቃቶም ንቕድሚት እናዓበዩ ክኸዱ ይሓልሙን ደቂ ደቃቶም ካብ ኣቡሓጐታትን ኣደሓጐታትን ሰረት ብትብዓት ይቕበሉ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ወለዶታት ኣብ ስድራ ምዝታይ የድሊ፡ መንእሰያትን ሽማገለታትን ኵዋስኡ ከምቲ ቅዱሳን ሃናን ኢያቄምን፥ ብሕልፊ ኣብ መንጎ ኣደሓጐታትን ኣቦሓጐታትን ምስ ደቅደቆም ክገብርዎ ዘለዎም ርክብ ሕጻናትን ሽማግለታትን መጻኢ ህዝቢ ከምዝሃንጹ፡ እዚ ከኣ እቶም ሕጻናት ንታሪኽ ንቅድሚ ስለዘሰጒሙ፡ እቶም ሽማግለታት ከኣ ነቲ ኣብ መዋእሎም ምሉእ ዝሓዝዎ ጥበብ ስለዘውርሱ፡ ነቲ ኣብ ትንቢት ኢዮኤል ነቢይ 3.1 “. . . ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም’ ከምዝብሎ።

ኣቦሓጐታት - ኣደሓጐታትን ደቂ ደቆምን ሰረትን ትምኒትን
03 October 2020, 13:14