ድለ

ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብቲ ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብቲ ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ስፍራ  

ኒስ፡ ማክሮን፥ ዒላማ መጥቓዕቲ ኢና

እቲ ኣብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ናይ ሰለስተ ዜጋታት ሕይወት ንሞት ዝዳረገ ኣሸባሪ 21 ዓመት ዝዕድመኡ ተወላዲ ቱኒዚያ ብኢጣሊያ ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናብ ፈረንሳ ዝኣተወ ከምዝኾነ

ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር እቲ ኣብ ኒስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “እስላማዊ ግብረ ሽበራ” ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ ኣሸባሪ ብራሂም ብኢጣሊያ ላምፐዱዛ ኣቢሉ ናብ ፈረንሳ ዝኣተወን ምዃኑ ዝተወሃበ ሓበሬታ ናይ ኢጣሊያ ናይ ጸጥታን ደሕንነት ቤት ጽሕፈት ሓቅነቱ ከምዘረጋገጸን ተመሳሳሊ ግብረ ሽበራ ክፍጸም ከምዝኽእል እውን ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ምኽንያት ናይ ፈረንሳ ጸረ ግብረ ሽበራ ፍሉይ ሓይሊ ምክልኻል፥ ኣባላቱ ካብ ሰለስተ ሺሕ ናብ ሸውዓት ሺሕ ክብ ክብል ከም እተገብረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብ ኒስ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ግብረ ሽበራ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ እስላማዊ ኣናስር ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ናይ ሰለስተ ዜጋታት ሕይወት ንሞት ዝዳረገ ኣሸባሪ 21 ዓመት ዝዕድመኡ ተወላዲ ቱኒዚያ ብኢጣሊያ ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናብ ፈረንሳ ዝኣተወ ከምዝኾነን፡ ድሕሪ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብተመሳሳሊ ግብር ሽበራ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኣባ ሃመል ኣብ ፈረንሳ ካቶሊካውያን ዒላማ ኣሸበርቲ ከምዝኾኑ ንጹር እዩ፡ ምእንቲ እዚ ንመላእ ካቶሊካውያን ፈረንሳን ዓለምን ናይ ሃገሮም ቅርበት ኣረጋጊጾም፡ መላእ ሃገር ኣብ ጐድኖም እያ ከምዝበሉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥ እቲ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ፈረንሳ እዚዩ ዝላባዕ ዘሎ ኮቭድ - 19 ንምብዳህ መንግስቶም ዝሓንጸጾ ሓድሽ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ብወግዒ ኣብ ግብሪ ክውዕልዎ ተሓሲቡ ከምዝነበረን፡ በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ምኽንያት ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ውሳኔ ከመሓላለፉ ኣፍሊጠን።

ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ነቲ ግብረ ሽበራ ኮኒኖም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ምስሪ ናይ ሱናዊ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ኣል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ “ሃይማኖት ምስ ግብረ ሽበራ ምንም ዓይነት ርክብ ኮነ ተዛምዶ የብሉን - ቢሎም - ከምዚ ዓይነት ግብረ ሽበራ ምኽንያታዊ ዘብሎ ነገር ከምዘየለን፡ ምስቲ ምክብባርን ምቅብባልን ምስ ዝብል ትምህርቲ ምስልምና ዝጻረር እዩ” እንክብሉ ብናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ ፈይስ ቡክ ማሕበራዊ ድረ ገጽ ኣድራሻ ኣቢሎም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኩለን መለኮታውያን ሃይማኖታት ነዚ ከምዚ ዓይነት ዓመጽን ግብረ ሽበራን ዘይምቅብባልን ዝኾኑ ተግባራት ብሓባር ክብድህኦ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣብ ፈረንሳ ደብባዊ ዞባ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒስ ኣብ ዘሎ ኣካቴድራል ኖትረ ዳመን ውሽጢ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመን እቲ ኣሸባሪ ኣብታ ካቴድራል ውሽጢ ካብ ዝርከቡ ንሰለስተ ሰባት ብኻራ ከምዝሓረደ ምስ ዝተሰምዔ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባር ክርስቶስ እምበር ጽልእ ከይዕወት ከምእተላበዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን፥ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝረክባ ኣቢያተ ክርስቲያን ድሕሪ ቐትሪ ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ምእንቲ እቶም ዝተቐትሉ ኵሉ ናይ ሕልና ጸሎት ከዕርግ ደውል ከምእተደወለ ገሊጸን።

ዕለት 29 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ውሽጢ ካቴድራል ኖትረ ዳም “ኣላህ ዋክበር” እናበለ ብዓውታ እናጨደረ ብኻራ ንሓንቲ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ንዝርከባ ኣስዒቡ እውን ንሓደ ሰብኣይን ብኻራ ከምዝሓረዶምን ሓንቲ ሰበይቲ እውን ኣምሊጠን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ቡን ምስ ተሓብኣ ተኸታቲሉ ከምዝቐተለንን ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰድዎ ግብረ መልሲ ነቲ ኣሸባሪ ከምዘቅሰልዎን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እውን ከምዘውዓለ ፋውስታ ሓቢረን፡ እቲ ኣሸባሪ ብዓውታ ንደቀይ ከምዘፍቅሮን ንገሩለይ ይብል ከምዝነበረን፡ ናይታ ከተማ ከንቲባ ክርስቲያን ኤስትሮሲ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ግብረ ሸብራ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ መላእ እታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓይሊ ጸጥታ ተዋፊሩ ጸጥታን ደሕንነት ውሑስ ክገብሩ ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጠን ኣተሓሒዘን፥ እቲ ኣሸበሪ እናተሓከመ እንከሎ እውን ብዘይ ምቁራጽ ኣላህ ዋክበር እናበለ ይጭርሕ ከምዝነበረ የመላኽታ።

ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ኣብቲ ግብረ ሸበራ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ምብጻሕ ከምዘካየዱን መራሔ መንግስቲ ዣን ካስተክስ ብዛዕባ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ገራልድ ዳርማሪን ኣብ ዝጸውዕዎ ኣኼባ ብሔራዊ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ፈረንሳ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ብወግዒ መብርሂ ክህቡሉ ዝነበሮም መደብ ኮሊፎም፡ ኣብ ፈረንሳ ክፍጸም ዝኽእል ግብረ ሽበራ ኣዚዩ ዘሰክፍ ብምዃኑ፡ ንናይ ግብረ ሸበራ ጉዳይ ብፍሉይ ዝምልከት ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ኣብ ግብሪ ክውዕል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ሓቢረን።

30 October 2020, 16:31