ድለ

ስደተይናታት፥ ውጥረት ኣብ ላምፐዱዛ ስደተይናታት፥ ውጥረት ኣብ ላምፐዱዛ 

ስደተይናታት፥ ውጥረት ኣብ ላምፐዱዛ

ናይ ክሮቶነ ሊቀ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ናይታ ሰበኻ ምእመናን በዚ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ሓዘን ከምእተሰመዖን ከምዚ ዝኣመሰለ ብቐጻሊ ዝርአይ ዘሎ ህልቀት ስደተይናታት ከብቅዕ ጻውዒት ከምዘቕረበ ገሊጾም

ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 26 ነሓሰ 2020 ዓ.ም. ካብ ቱኒዚያ ናብ ኢጣሊያ ጸኣት ስደተይናታት ንምምሕዳር ክከኣል ነዚ ዝረአይ ዘሎ ሓድሽ ጸኣት ስደተይናታት ካብ ቱኒዝያ ስለምንታይን እንታይን ንምርዳኡ  ኣብ መንጐ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መግንስቲ ኮንተን ናይ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ዋና ኣመሓዳርን ሙሱመቺ ርክብ ከምዝካየድን፡ ህልቀት ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ንኸይህሉ ስደተይናታት ካብ ዝርከቡለን ሃገር ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ንኽኣትዉ ዘኽእል ናይ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነቶም ስደተይናታት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዘንቀሳቕሱን ንግድ ሰብ ንዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ምዕጋትን ዓብይ መጋበርያ  ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፈደራላውያን ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ መዲትራኒያን ተስፋ እተሰምየ ማሕበርን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ናይ ሓባር ዘተ ድርገት ኣወሃሃዲ ፓውሎ ናዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ  ቫቲካን

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ቱኒዚያ ናብ ኢጣሊያ ናይ ዝኣትዉ ስደተይናታት ብዝሕ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ዝሓለፈ ሰንበት 450 ስደተይናታት ላምፐዱዛ ከምዝኣተዉን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ናይተን ስደተይናታት ዝኣትውለን ናይ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ከተማታት ኣመሓደርትን ናይ ሲቺሊያ ርእሰ ኣመሓዳሪ መሱመቺን ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ክራኸቡን ክዝትዩን ከምዝኾኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማርኮ ጉወራ ሓቢሮም፥ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ነዚ ካብ ቱኒዚያ ናብ ኢጣሊያ ዝግበር ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብቐረባ ይከታተሎን ምስ ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ እውን ብዛዕባኡ ይመክር ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ሞት ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ

ስደተይናታት ኣሳፊራ ትጓዕዝ ዝነበረ ጀልባ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ከባቢ ማያት ባሕሪ ክርቶነ ምስ በጽሔት ብዘጋጠማ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሰለስተ ስደተይናታት ከምዝሞቱን ሰለስተ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን ሓደ ገና ሃለዋቱ ከምዘይተፈልጠን ዝሓበሩ ጉወራ ኣስዒቦም፥ ናይ ክሮቶነ ሊቀ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ናይታ ሰበኻ ምእመናን በዚ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ሓዘን ከምእተሰመዖን ከምዚ ዝኣመሰለ ብቐጻሊ ዝርአይ ዘሎ ህልቀት ስደተይናታት ከብቅዕ ጻውዒት ከምዘቕረበ ገሊጾም፡ ዕለት 31 ነሓሰ ካልኦት ሕጻናት ዝርከብዎም ካብ ሶሪያን ዒራቕን ኩርድን ኣፍጋኒስታንን ዝመጹ 80 ስደተይናታት ዘሳፈረት ጀልባ ካብ ቱርኪ ዝነቐለት ክሮቶነ ከምዝኣተወት ኣፍሊጦም።

ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን

ካብ ርሑቕ ሃገራት ብማያት ባሕሪ ኢጣሊያ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተይናታት ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎን ኣብ ዝኣትውሉ ከባቢ ኢጣሊያ ዝርከብ መእለዪ ስደተይናታት ብብዝሒ ስደተይናታት የዕለቕልቕ ከምዘሎን ኣብ ላምፐዱዛ ብዝሒ ስደተይናታት ንማሕበራዊ ውጥረት ምኽንያት ከምዝኾነ ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ዘመሓድሮ ናይ መዲትራኒያን ተስፋ እተሰምየ ካብ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ላምፐዱዛ ናይ ዘከይዶ ንናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ መደብ ኣወሃሃዲ ፓውሎ ናዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ሕጋዊ መተሓላልፎ  ስደተይናታት ምኽፋት

ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ንምክልኻል ብጠቕላላ ስደተይናታት ካብቶም ንግድ ሰብ ዘካይዱን ሰባት ካብ ቦታ ቦታ ካብ ዘንቀሳቕሱን ናይ ገበን ጉጅለታት ኢድ ንምድሓን ሕጋዊ መተሓላልፎ ንስደተይናታት ምኽፋት ከምዘድልን በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሎም ኣብ ዝኣትውሉን ምስ ዝኣትውሉ ከባቢ ባህልን ሕዝብን ክላለዩን ሕይወቶ ንኽመርሕሉ ዘኽእሎም ዕድል ክረኽቡን ብምሕጋዝ ብሓባር ነቶም ንግድ ሰብ ዘካይዱ ናይ ገበን ጉጅለታት ምውጋእ የድሊ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ስደተይናታት፥ ውጥረት ኣብ ላምፐዱዛ
01 September 2020, 16:56