ድለ

ሕብረት ኤውሮጳ፥ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ ሕብረት ኤውሮጳ፥ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ 

ሕብረት ኤውሮጳ፥ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ

ምእንጋድ ድዩ ነቶም ናብ ዝመጽሉ ክምለሱ ዝብል ውሳኔ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብውልቀን ክገጥመኦ ዘይከኣለን እዩ፡ ናይ ኣባላት ሃገርት ሕድ ሕድዊ ምትሕብባር ዝጠልብ ጉዳይ እውን ከምዝኾነ

ናይ ሕብረት ኤወሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቫን ደር ለየን፥ ስደተይናታት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ፋሕ ናይ ምባልን ነተን ዝኣተዉለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ጥራሕ ሓላፍነት ምሕዳግ ከምዘይግባእን እተን ስደተይናታት ዝኣትውለን ሃገራት እውን ፍሉይ ሓገዝ ክረኽባን ብፍላይ ነቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ብውዕሊ ዱብሊን ዝፍለጥ ስደተይና ኣብታ ዝኣትወላ ሃገር ክእንገድን ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣብታ ዝኣተወላ ሃገር ከቕርብን ውሳኔ ክወሃቦ ዝብል ውሳኔ ዝቕይር ሓድሽ ውጥን ዕለት 23 መስከረም 2020 ዓ.ም. ወገዓዊ ከምዝገበራ ክሕበር እንከሎ` እዚ ውጥን እዚ ኸኣ ድሕሪ እቲ ኣብ ለስቦ ግሪካዊት ደሴት ሞሪያ ዝርከብ ልዕሊ 12 ሺሕ ስደተይናታት ኣብ ዘዕቁብ መዓስከር ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘለዎ ኣገዳስነት ይመላኽት፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓላፍነትን ምትሕብባርን፥ እዚ ናይቲ ቮን ደር ለየን ዘቕረብዎ ሓድሽ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን ዓንዲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት ሃገራትን ዜጋታትን ምትእምማን ክህሉን ዘተባብዕን እዩ፡ እዚ ንስደተይናታትን ሓተትቲ ናይ ፖለቲካ ዑቕባን ኩሎም ስደተይናታትን ዝምልከት ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ስምምዕ ዱብሊን ዝዕርይ ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ እቲ ውዕሊ ዱብሊን ንህልው ኩነታት ርኢኻ ክትግበር ዘይኽእልን ምኽንያት ዘይምርድዳእን ይኸውን ኣሎ፡ ጸኣት ስደተይናታት ከምቲ ቀደም ዝነበረ ዘይኮነ ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ሓንቲ ኣባል ሃገር ንበይና ክትገጥሞ ምሕዳግ ንዘአንግድን ንተኣንጋድን ጸገም እዩ ዝፈጥር ከምዝበላ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥ ስለዚህ ምእንጋድ ድዩ ነቶም ናብ ዝመጽሉ ክምለሱ ዝብል ውሳኔ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብውልቀን ክገጥመኦ ዘይከኣለን እዩ፡ ናይ ኣባላት ሃገርት ሕድ ሕድዊ ምትሕብባር ዝጠልብ ጉዳይ እውን ከምዝኾነ ብጥልቂ ከምዘብርሃ የመላኽቱ።

ስደተይናታት ምስ ዝመጹለን ሃገራት ምትሕብባር

እቲ ውጥን ነቶም ስደተይናታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምግጣምን ክስደዱ ንዝደልዩ ብሕጋዊ መገዲ ንኽስደዱ ዘኽእል መደብን ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ሓላፍነትን ምትሕብባርን ዘተባብዕ ከምዝኾነን እቲ ናይ ስደተይናታት ጸገም ኣብተን ዝኣትውለን ሃገራት ክሕደግ የብሉን ዝብል ብምኻኑ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ውዕሊ ዱብሊን ክሕደስ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ፡ ስደተይናታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ክባጽሑ ዝድርኽ እዩ።

ምርጫ ምእንጋድን ናብ ዝመጽል ምምላስ

እቲ ቮን ደር ለየን ዘቕረብዎ ዝተሓንጸጸ ሓድሽ ውጥን ካብ ዘስፈሮም ኣዚዩ ኣካታዒ እዩ ዝበሃል ነጥቢ፥ ስደተይናታት ኣብ ኣባል ሃገራት ፋሕ ክብሉ ኣለዎም ዝብል ከምዝኾነን፡ እተን ነዚ ሓሳብ እዚ ዘይሰማማዓሉን ስደተይናታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፋሕ ንምባል ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር እጃም ክህልዎ ዝብል ውሳኔ ዘይቅበላ፥ ነቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ እወታዊ መልሲ ዘይወሃቦም ናብ ዝመጹለን ሃገራት ንምምላስ ኣብ ዝግበር ስርሒት ክሳተፋ ዝብል እዩ፡ ኦስትሪያ እዚ ሓድሽ ውሳኔ’ዚ ከምዘይትቕበሎ ከምዘፍለጠትን ፈረንሳ ብወገና ኣብ መንጐ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ምትሕብባር ክህሉ ኣለዎ ቢላ እቲ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ነተን ብቐዳምነት ንዝኣትዉለን ሃገረ ኢጣሊያ ግሪክን ምሕዳግ ዓቢይ ጌጋ እዩ፥ ኣብተን ቀዳሞት ሃገራት ጉዳዮም መልሲ ይወሃቦ ዝብል ናይ ዱብሊን ውዕሊ ዕርያ ዘድልዮ እዩ ከምዝበለት ኣፍሊጦም።

ሕብረት ኤውሮጳ፥ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ
26 September 2020, 23:24