ድለ

2020.06.02 ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ! ሃገረ ቱርኪ 2020.06.02 ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ! ሃገረ ቱርኪ 

ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ ናብ መስግድ ትልወጥ! ሃገረ ቱርኪ

ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ብ1934 ዓም ቤተመዘክር ሥርዓተ ኣምልኾ ንክትከውን ዝተበየነት ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ ፕረሲደንት ሃገረ ቱርኪ ኤርዶጋን ካብ ዝመጽእ 24 ሓምለ 2020 ዓም ጀሚሩ መስግድ ክትከውን ኣዊጆም።

ዜና ቫቲካን!

ናብ ታሪኽ ምልስ ምስ እንብል ዘመነ ስደት ክርስትና ኣብቂዑ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትና ከጒላዕልዕን ገዳማትን ካተድራላትን ክሰፍሕ ኣብ ዝጀመረሉ ኣብታ ካልአይቲ ሮማ እትብሃል ዓበይቲ ጉባኤታት ቤተክርስትያን ዝተኻየደላ ከተማ ቊስጥንጥናይ ብ537 ውሃ ዘበለ ብቢዛንቲናዊ ቅዲ ጥበብ ዝተሃንጸትን ንመለኮታዊ ጥበብ ዝተወፈየትን ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ንጉሥ ጁስቲንያኖ ተመረቀት። ምሉእ ዘይብሉ ዓለምና ውረር ተዋረር ብምዃኑ ከኣ ግዝኣት ኦትማን ኣብ ዝሓየለሉ ግዜ ብ1453 ዓም ንቊስጥንጥናያ ወሪሮም ይሕዝዋ መንነታ ንምልዋጥ ዚኣክል ከኣ ኢስጣምቡል ኢሎም የጠምቍዋ። ነዛ ብዓቢ ጥበብ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያን ከኣ መስጊድ ይገብርዋ። ብከምዚ ነዊሕ ዓመታት ምስ ተጓዕዘት ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ ብ1934 ዓም መሥራቲ ዘመናዊት ሃገረ ቱርኪ ሙስጣፋ ከማል ኣታቱርክ ቤተመዘክር ሥርዓተ ኣምልኾ ትኹን ኢሉ ብምእዋጅ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ን86 ዓመት በዚ መንፈስ እዚ ዓለም ምሉእ ተዓዚብዋ።

እንተ ኣብዚ ዕለታት እዚ ሓደ ንኡስ ጉጅለ ኣስላም ብዝቀረቦ ሕቶ ፕረሲደንት ሃገረ ቱርኪ ረሰፕ ጣዪብ ኤርዶጋን ምስ ቤትምኽሪ መንግሥቱ ኰይኑ ነቲ 86 ዓመታት ዝጸንዔ ውሳኔ ኣታቱርክ ብምድምሳስ ነዚ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከይተረፉ ዝበጽሕዎ ዓቢ ቤተመዘክር ካብ ባህላዊ ጉዳያት ናብ ምምሕዳር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክመሓላለፍን ናብ ምስግድ ክቅየር ኣዚዙ። ነዚ ብዝምልከት ፕረሲደት ኦርዶጋን ንመላእ ሃገረ ቱርኪ ኣብ ዘቅረቦ መደረ ንዝመጽእ ዕለት 24 ሓምለ 2020 ዓም ፈላሚ ጸሎት ከምዝጅመር ሓቢሮም።

ስምዕታ ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ!

 ናይ ቊስጥንጥንያ ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክስ ብፁዕን ቅዱስን በርጠለሜዎስ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት እዚ ዜና እዚ ኪናፈስ ምስ ጀመረን ናብዚ ናይ ሎሚ ውሳኔ ገጹ ይጐዓዝ ከምዘሎን ምስ ኣስተብሃሉ ‘እዚ ጉዳይ እዚ ነቲ ተኣፋፊ ዝዀኑ ጉዳይ ጽልኢ ምስልምና ናብ ጥርዙ ደፊኡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ክርስትያን ክጽልው እዮም’ ኢሎም ኣጠንቂቆም ነበሩ። ቅዱስነቶም ስምዕታኦም ብምቅጻል ‘እዚ ቦታ እዚ ማለት ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ በቲ ዘሎዎ ናይ ቅድስና ምንጪ ማእከል ሕይወት ምዃኑ ንዘክር ከመይ ኣብዚ ቦታዚ ምዕራብን ምስራቅን ይተሓቋቈፍ’ እንክብሉ ነዚ ናይ ኩሉ መራኸብን መጋበሪ ሰላምን ኰይኑ ዘሎ ቦታ ናብ መስጊድ ምቅያሩ ነዘን ተሓቋቊፈን ዝጐዓዛ ዘለዋ ምብራቅን ምዕራብን ምፍልላይ ከስዕብ እዩ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘመን እዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘደንጹ ምዃኑ ንምግላጽ ‘ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ንክልተ ሕዝብታት ከምዝራኸቡን ዕብየቱ ንከስተማቅሩን ዘኽእል ሓጅያ ሶፍያ ከም ብሓዲስ መፈላለይን መጋጨውን ክትገብሮ ምጽዓር ዘደንጹ ጥራይ ዘይኮነ ሰፍ ዘይብል ሃስያ እውን ከስዕብ እዩ’ ብማለት ኣጠንቂቆም።

መጠንቀቅታ ኦርቶዶክሳውያን ግሪኽን ሩስያን!

ካልኦት መራሕቲ ምናዳ ምስዚ ማእከል ምሥራቅን ምዕራብን ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎም ግሪኽን ሩስያን እውን ነዚ ሓሳብ እዚ ብምቍዋም ርእይቶታቶም ገሊጾም። ሃገረ ግሪኽ ብሚኒስተር ባህሊ ሊና መንዶኒ ኣቢላ ‘እዚ ብኤርዶጋን ዝግለጽ ዘለዎ ጸቢብ ሃገራውነት ንሃገረ ቱርኪ ሽድሽተ ክፍለዘመን ንድሕሪት ይመልሶ’ ክትብል ምስ ገለጸት እቲ ውሳኔ ከኣ ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ተዂታዅን ሓደገኛን ኢላቶ። ከምኡ እውን ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ እዚ ጉዳይ እዚ ሰፍ ዘይብል ሳዕቤን ከምዘለዎ ብወሃብ ቃል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ሊቀ ካህን ኒኮላይ ባላሾብ ንኢንተርፋክስ ዝበሃል ኣገልግሎት ዜና መግለጺ ሂባ። ሊቀ ካህናት ኒኮላይ ባላሾብ ኣብ መግለጺኦም ‘ሻቅሎት ሚልዮናት ክርስትያን እዝኒ ኣይተዋህቦን ስለዚ ነዚ ስዒቡ ዝመጽእ ሰፍ ዘይብል ሳዕቤን ኣብ ልዕሊ መላእ ሥልጣኔ ዘመደ ኣዳም ከስዕብ እዩ’ ኢሎም።

 ሽሕ’ኳ ኤርዶጋን ነዚ ጉዳይ እዚ ንነጻነትናንል ልዑላውነትናን ተጥቅዑ ኣሎኹም እንተብለ ዩነስኮ ዝበሃል ድርጅት ሕቡራት ሃገራት ዓለምና በዚ ጉዳይ እዚ ብጣዕሚ ከምዝሓዘነን ባዚሊካ ቅድስት ሶፍያ ናይ ዘተ ማእከል ኰይኑ ክቅጽል ተማሕጺኖም። ከመይ እዚ ውሳኔ እዚ ነቲ ፍሉይ ማእከል ዓለምና ኰይኑ መስሕብ ናይ ብዙሓት ዝነበረ ቤተመዘክር ምልዋጡ ነቲ ዝነበረ ዓለምለኸ ፍሉይነትን ዓቢ ምልክት ዘተን ዋጋ የስእን። ውድብ ሕቡራት ሃገራት በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ክፍሉ ኣቢሉ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ተቀባልነትን ዋጋን ንዘለዎ ነገር ዝኾነ ለውጢ ቅድሚ ምግባር ካብቲ ናይ ዓለምና ናይ ውርሻ ኮሚቲ ከምኡ እውን ዩነስኮ ክትሕብርን ክትዋሳእን ነርዋ እንክብል እዚ ውሳኔ ሃገረ ቱርኪ ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

11 July 2020, 13:13