ድለ

ኦክስፋም፥ መንግስቲ ኣተንስ ዘጽደቖ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ሕጊ ከምዘሰከፎ ኦክስፋም፥ መንግስቲ ኣተንስ ዘጽደቖ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ሕጊ ከምዘሰከፎ 

ኦክስፋም፥ መንግስቲ ኣተንስ ዘጽደቖ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ሕጊ ከምዘሰከፎ

ግሪክ እቲ ናይ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን እትምርሓሉ ሕጊ ምስ ናይ ሕብረት ኤወሮጳን ቱርክን መስመር ዝሰማማዕ ንኽኸውን ብዝብል ድላይ እዚ ኸኣ ናይ ዑቕባ ሓተቲ ዘቕርብዎ ሕቶ ከይውዘንፍን ቁልጡፍ መልሲ ንምሃብ ዝብል ምዃኑ ናይ ኦክስፋን ጨንፍር ኢጣሊያ ሓላፊ ሪካርዶ ሳንሶነ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ባይቲ ዘሎ ሓቂ ካብኡ ዝረሕቐ እዩ፡ ናይ ስደተይንታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ህልው ኵነታት ዝተሓላለኸን ብዙሕ ጸገም ዘለዎ ምዃኑ ኦክስፋም ደጋጊሙ ጻውዒት ከምዘቕረበ

ብኣህጽሮተ ቃል ብኦክስፋም ዝፍለጥ ድኽነት ኣብ ምውጋድ ዝዓዪ ዘይመንግስታዊ ዓለም ሓቆፍ ዘይመኽሰባዊ ውድብ ግብረ ሰናይን ግሪኻዊ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ቤት ምኽሪ ዛዕባ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝሓልይ ማሕበር ብሓባር ናይ ግሪክ መንግስቲ ስደተይናታት ኣብ መዕቆብ ቤት ማሕቡስ ክጸንሑን ምንጻግን ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ስደተይናታት መቆጻጸሪ ሕጊ ከምዘሰከፎምን እቲ ናይ ግሪክ መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ሕጊ ንሕብረት ኤውሮጳ ኣስተንፍሶ ክይኸውን እንክብሉ ስግኣቶም ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልዕሊ መጻእተይናን ስደተይናን ዑቕባ ሓታቲ ምእንጋድን ምቕባልን ዝብል ናይ ኤውሮጳ ዕሴትን ቁጽርን ብዝሕን ዓብሊሉን እቲ ናይ ኤውሮጳ ዕሴት ኣብ ግሪክ ይመውት ከምዘሎ ህልው ኩነታት ኤውሮጳ ተንተንቲ ዝብልዎ ሓቂ እዩ፡ ኦክስፋምን ኣብ ግሪክ ዘይመንግስታዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ግሪክ ኣስታት 230 ብዘይ ኣሰነይቲ ዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ካልኦት 38 ሺሕ ስደተይናታትን ኣብቲ 6 ሺህ ጥራሕ ክሕዝ ዝግብኦ ኣብ ናይ ስደተይናታት ቤት ማሕቡስ ከምዝርከቡን ብፍላይ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ብሓደ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ቤት ማሕቡስ ክጸንሑ ምግባር ክሳብ ክንደይ ስግኣት ምዃኑ ኦክስፋምን ግሪካዊ ዘይመንግስታዊ ሓልዮ ስደተይናታት ቤት ምኽሪ መግለጺ ከምዝሃቡን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. መንግስቲ ኣተንስ ዘጽደቖን ደሓር ዝሓደሶን ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ “ነቶም ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ንምምላስን ንምዝመዛ ክቓልዑ ብምግባር መሰሎምን ክብሮምን ንዝግህስ ሓደጋ ክቃልዑ ዝገብር እዩ”፡ ካብ ዓመጽን ውግእን ዝሃድም ንኣብነት ካብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን - ዝኾነ ይኹን ዓለም ሓቆፍ ሓለዋ ክረኽቡ ዝብል መስርሕ ተጠቐምቲ ናይ ምዃን መሰሎምን ክብሮምን ዝግህስ” ምዃኑ ኦክስፋንም እቲ ግሪካዊ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘመላኸቱ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

እቲ መንግስቲ ግሪኽ ዘጽደቖ ዛዕባ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ዝምልከት ሕግን ኣስጋእነቱን

ግሪክ እቲ ናይ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን እትምራሓሉ ሕጊ ምስ ናይ ሕብረት ኤወሮጳን ቱርክን መስመር ዝሰማማዕ ንኽኸውን ብዝብል ድላይ እዚ ኸኣ ናይ ዑቕባ ሓተቲ ዘቕርብዎ ሕቶ ከይውዘንፍን ቁልጡፍ መልሲ ንምሃብ ዝብል ምዃኑ ናይ ኦክስፋን ጨንፍር ኢጣሊያ ሓላፊ ሪካርዶ ሳንሶነ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ባይቲ ዘሎ ሓቂ ካብኡ ዝረሕቐ እዩ፡ ናይ ስደተይንታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ህልው ኵነታት ዝተሓላለኸን ብዙሕ ጸገም ዘለዎ ምዃኑ ኦክስፋም ደጋጊሙ ጻውዒት ከምዘቕረበ ሓቢሮም።

ተኣፋፍያን ንዓመጽን ንስእነት ክንክን ጥዕናን ይቃልዑ

ኣብቲ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ዝርከብሉ ናይ መጽንሒ ቤት ማሕቡስ ተኣፋፍያንን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምn ብቕዓትን ዘይብሎ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ነፍሰ ጹራትን ግዱዓትን ከምዝርከቡን ኩነታቶም ብምጭንናቕን ብስእነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ኩነት የብል ከምዘሎን “እቲ ለብዒ ናብቲ እቶም ስደተይንታት ዝርከብሉ ቤት ማሕቡስ እንተድኣ በጺሑ ናይ ጃምላ መቓብር ክኹዕቱ እዮም” እዚ ሓንቲ ኣብቲ ኣብ ሞይራ ካብ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት ቤት ማሕቡስ ካብ ኣፍጋኒስታን ንበይነን ምስ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀን ዝተሰዳ ብዙሕ ዓመጽ ዘጋጠመንን ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ተንዳ ቤት ንጽሕና ኣብ ዘይብሉ ቦታ ምስ ብዙሓት ስደተይናታት ዝቕመጣ ዝነብራን ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒን ሳብና ኢድ መሕጸብን ሂቦምና ማይ ዘይብልካ እቲ ሳብና እንታይ ክትገብሮ ትኽእል” ዝበለኦም ዘኪሮም እዚ ናይ ብዙሓት ተመክሮ እዩ ኢሎም።

ናብ ግሪክ ዝኣትዉ ስደተይናታት ኣብ ናይ ስደተይናታት ቤት ምሕቡስ ክጸንሑ ዝብል ውሳኔ

ስደተይና ናብ ግሪክ ምስ ዝኣትው ብቐጥታ ዘቕረቦ ሕቶ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ መልሲ ክሳብ ዝወሃቦ ኣብ ናይ ስደተይናታት ቤት ማሕቡስ ክጸንሕ እቲ ናይ ግሪክ መንግስቲ ዘጽደቆ ሓድሽ ሕጊ ከምዝእዝዞን እቶም ስደተይናታት ኣብቲ እቲ ሕጊ ዝህቦ ናይ ግዜ ገደብ ውሽጢ ናይ ዑቕባ ሕቶኣም ከቕርቡ ዘይከኣል እዩ፡ እዚ ኸኣ ናብ ዝመጽሉ ንምስጓግ ዝብል ድላይ ንምትግባር ዝድግፍ ክኸውን መታን ኮነ ተባሂሊ ዝተሓንጸጸ ሕጊ ምዃኑ ትርዳእ። ንኣብነት ኣብ ለስቦ ግሪካዊት ደሴት ናይ ብዙሓት ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተሉ ሓደ ናይ ሕጊ ጠበቓ ጥራሕ እዮም ዘለዉ፡ እዚ ናይ ግሪክ ሕጊ’ዚ ሕብረት ኤውሮጳ ይኹንታ ዝሃበሉ እዩ ዝመስል፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ስደተይናታት ኣብ እዋን ተወሸበ ዝተፈላለየ ዓመጽ ከምዝወረደን እውን ይንገርን ይጠርዓን ኣለዋ።

እቲ ዘፍርሕ እቲ ግሪኽ ዘርቀቐቶ ሕጊ ንሕብረት ኤውሮጳ ኣስተንፍሶ ከይኸውን እዩ

ሳንሶነ ይብሉ - እቲ ዓቢይ ስግኣት እቲ ናይ ግሪክ መንግስቲ ናይ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን መመሓደሪ ቢሉ ዘጽደቖ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ከም መፈተኒ ዝጥቀመሉ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ጉዳይ ኣማእኪሉ ከምክር እዩ፥ ስለዚ እቲ ናይ ግብሪ ሕጊ ከም ቤተ ሙከራ ገይሩ ዝርእዮ እዩ ዝመስል፥ እቲ ግሪክ ዘጽደቐቶ ሕጊ ነቶም ዑቕባ ንኸናድዩ ንዝስደዱን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝስደዱ ሓደገይና እዩ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዝጻረር እዩ፡ እቲ ዘድሊ ግሪክ ዘጽደቐቶ ሕጊ ብናይ ዓለም ሓቆፍን ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ መሰረት ክሕደስ እምበር እቲ ናይ ግሪክ ከም ኣስተንፍሶ ምጥቓም ኣይኮነን ካብ ውግእን ካብ ዝተፈላለየ ቅልውላው ንዝስደዱ ብመንጽር ውሳኔ ዓለም ሓቆፍን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ እዩ ክረኣዩ ዘለዎም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኦክስፋም፥ መንግስቲ ኣተነስ ዘጽደቖ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ሕጊ ከምዘሰከፎ
07 July 2020, 02:01