ድለ

ኣብ ኣጋዱጉ ብሕማም መንሽርቶ ንዝተጠቕዑ ሕጻናትም መእለዪ ኣብ ኣጋዱጉ ብሕማም መንሽርቶ ንዝተጠቕዑ ሕጻናትም መእለዪ 

ኣብ ኣጋዱጉ ብሕማም መንሽርቶ ንዝተጠቕዑ ሕጻናትም መእለዪ

ኢቲ መእንገድን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንህሙማን መንሽሮ ሕጻናት መውሃቢ ቤት ካብቲ ዘቕርቦ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ወጻኢ ናይ ስነ ኣእምሮ ድጋፍ ነቶም ህጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዝህብ ከምዝኾነን

ሶለተረ ኣተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ ምስ ጉጅለ ፍራንኮ ኣፍሪካይን እተሰምየ ብመንሽሮ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ዝከናኸን ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብምትሕብባር ኣብ ቡርኪናፋሶ ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዑ ሕጻናት ሕክምና ዝረኽብሉን ምስ ኣባይቲ ስድራኦም ዝእንገድሉን ቤት ከምዘቖመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቡርኪናፋሶ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ኣብ ዝርከብ ክልተ ኣባይቲ ሕክምና ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዑ ህጻናት ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብናይ ኣባይቲ ስድራኦም ጸገምን ብድኽነትን ተገዲዶምን ኣብቲ ኣባይቲ ሕክምና እውን ህሙማን ሕጻናት ንምእንጋድ ዘኽእል ብቑዕ ቦታ ብዘይ ምህላዉን መብዛሕቲኦም እውን ካብ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ወጻኢ ዝመጹ ብምዃኖም እናተመላለሱ ሕክምና ንምክትታል ዓቕሚ ኮነ እኹል እቶት ስለ ዘይብሎም ብመንሽሮ ዝሓመሙ ደቃቶም ክረኽብዎ ዝግብኦም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንኸቋርጹ ከምዝገብሩን እዚ ዘሕዝን ምርጫ ከይህሉ ንምግባር ጉጅለ ማሕበር ናይ ሕጻናት ሕክምና ጸረ መንሽሮ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘሳልጥ ማሕበር ዝሳተፈሉ ሶለተረ እተሰምየ ግብረ ሰናይ ማሕበር ብመንሽሮ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ዘድልዮም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝረኽብሉን ብወለዳቶም ክስነዩን፡ ዝእንገድሉን ቤት ከምዘቖመ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ 2005 ዓ.ም. ብወግዒ ካብ ዝፍለጥ 12 ሕጻናት ብመንሽሮ ሕማም ዝተጠቕዑን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምእተወሃቦምን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓመት 200 ሕጻናት በዚ ሕማም ከምዝጥቅዑን ኣብቲ ኡጋዱጉ ኣብ ዝርከቡ ቤት ሕክምና ያልጋዶ ኡወድራጎንን ኣብ ቻርለስ ደጎውል ኣባይቲ ሕክምና እተን ክልተ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብምትሕብባር ኣገልግሎት ዘቕርባ እውን እንተኾነ ነቶም ሕጻናትንምእንጋድ ኣኹል ቦታ ብዘይ ምህላዉን ነዚ ግምት ብምሃብ ዝተነቓቕሐ መደብ ምዃኑ ናይ ሶለተረ ግብረ ሰናይ ማሕበር ጨንፈር ቡርኪናፋሶ ፓርፋይት ታይምቶረ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኢቲ መእንገድን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንህሙማን መንሽሮ ሕጻናት መውሃቢ ቤት ካብቲ ዘቕርቦ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ወጻኢ ናይ ስነ ኣእምሮ ድጋፍ ነቶም ህጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዝህብ ከምዝኾነን ብወለዳቶም ዝስነዩ ካብ 12 ክሳብ 13 ሕጻናት ብመንሽሮ ሕማም ዝተጠቕዑ ዘአንግድ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብቲ ሸሞንተ ሺሓዊ ካብ ሕዝቢ ዝረኽቦ ሓገዝ ሰሊዑ ነቶም ሕጻናት ዘድሊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዝግበር ጽዕሪ ዝድግፍ ሓገዝ እውን ከምዝለገሰን ሓቢሮም ኣስዒቦም ሶለተረ እተሰምየ ግብረ ሰናይ ማሕበር ካብ ቡርኪናፋሶ ወጻኢ ኣብ ሞሮኮን ኣይቨርይኮስትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቕርብ እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ኣብ ኣጋዱጉ ብሕማም መንሽርቶ ንዝተጠቕዑ ሕጻናትም መእለዪ
16 July 2020, 15:32