ድለ

ሰሜን መቆዶኒያ፥ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዲሞክራሲያዊ ማህበርነት ውድብ ይዕወት ሰሜን መቆዶኒያ፥ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዲሞክራሲያዊ ማህበርነት ውድብ ይዕወት 

ሰሜን መቆዶኒያ፥ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዲሞክራሲያዊ ማህበርነት ውድብ ይዕወት

ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ንምርጫ ዝግበር ዝነበረ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ እቲ ኣብታ ክልተ ሚሊዮን ብዝሒ ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር ብኮረና ተህዋስ 8,500 ዝተለኽፉን 400 ንሞት ዝዳረገ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘተኮረን ነዚ ህልው ኩነት ውዑይ ኣርእስተ ዝገበረ ክትዕ ዘሰነዮ ከምዃነን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ናይታ ሃገር መጻኢ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተደመሮን

ለብዒ ኮቪድ - 10 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሃገረ ሰሜን መቆዶኒያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ስልጣን ዝነበረ መግንስቲ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ስልጣኑ ዝለቐቐ ኣብቲ ዕለት 13 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝወደረ ዶሞክራሲያዊ ማሕበርነት ንመቀዶኒያ እተሰምየ ፖለቲካዊ ውድብ ዳግም ከምእተዓወተ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ኣስዒቦም ናይታ ህብረ ዓሌት ሃገረ ሰሜን መቆዶኒያ ሸቶ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ምዃን ዝብል ክኸውን እንከሎ እዚ ኪደት እዚ ሎሚ ከም ቀደም ኣዚዩ ሸቶኡ ዝጨመተ ይመስል ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ብኣህጽሮተ ቃል ኤስዲኤሴኤም (Sdsm) ብዝብል ስም ዝፍለጥ ብዞራን ዛኤቭ ዝምራሕ ደሞክራሲያዊ ማሕበርነት ንሰሜን መቀዶኒያ ናይ ፖለቲካ ውድብ ከምዝተዓወተን ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ቪኤምኣርኦው - ዲፒኤምኤንኢ (Vmro – Dpmne) እተሰምየ ዓቃብያዊ ናይ ፖለቲካ ውድብ ብኽልተ ሚእታዊ ድምጺ ከምእተሰዓረን እቲ ዝሰዓረ ናይ ፖለቲካ ውድብ ነቲ ኣብ ሰሜን መቆዶኒያ ዝርከብ ኣልባንያዊ ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብቲ ክልተ ሚልዮን ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር ካብ 20 ክሳብ 25 ሚእታዊ ድምጺ ከምዝዓተረን እዚ ምርጫ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ክካየድ ዝነበሮ ኮይኑ በቲ ዝተኸስተ ለብዒ ምኽንያት ተሰጋጊሩ ከምዝጸነሔን ዝሓለፈ ዕለት 13 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ራቪያርት የመላኽቱ።

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ንምዃን ዝግበር ጉዕዞ ተኻኣልነቱ

ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ንምርጫ ዝግበር ዝነበረ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ እቲ ኣብታ ክልተ ሚሊዮን ብዝሒ ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር ብኮረና ተህዋስ 8,500 ዝተለኽፉን 400 ንሞት ዝዳረገ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘተኮረን ነዚ ህልው ኩነት ውዑይ ኣርእስተ ዝገበረ ክትዕ ዘሰነዮ ከምዃነን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ናይታ ሃገር መጻኢ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተደመሮን ከምዝነበረ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም ሕዝባዊ ምርጫ ካብቲ ስሩዕ ናይ ምርጫ ዕለት ቀዲሙ ክካየድ ዝሓትቱ ዝነበሩ ዛኤቭ ከምዝነበሩን ናይታ ሃገር ስም ብዝምልከት ምስ ግሪክ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ክትዕ መዕለቢ ክረክብን ሃገሮም ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት ቃል ኪዳን ኣባል ንኽትከውን ዝድርኽ ናይ ስምምዕ ውሳኔን ስዒቡ እውን  ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል እትኾነሉ ውሱን እዋን ዘመላኽት ስምምዕ ንኽብጻሕ ብዘይ ምግባሮም ብገዛእ ፍቓዶም ስልጣኖ ዝለቐቑ ዛኤቭ  ከምዝነበሩን እውን ኣዘኻኺሮም ናይ ሰበኻ ጎሪዚያ ሰሙናዊ  ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳእን ናይ ስነ ባልካን ሊቕን ማውሮ ኡንጋሮ፥ ናይ  ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ናይ ምዃን ርእሰ ጉዳይ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ሃገር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሓጺር እዋን ክፍጸም እዩ ምባል የጸግም ሰሜን መቀዶንያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ናይ ምዃን ሕቶ ኣብ 2004 ዓ.ም. እያ ብወግዒ ናይ ጽሑፍ ሕቶ ዘቕረበት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ንሰሜን መቀዶኒያ ኮነ ንኣልባንያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዃን መምዘኒ ብትኽኽል ኣመላኺቱ እዩ ካብዚ እቲ ሓደ መምዘኒ ከኣ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፈን ናይ ሕግን ፍትሕን ስልቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ስርዓተ ሕጊ ከሳኹዓ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም በዚ መሰረት’ዚ እውን ሰሜን መቀዶኒያ ብዛዕባ ገበንን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ክትብድህ ይግባኣ ዝብል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ኤውሮጳ ዝቐረበላ ኩነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንቕድሚት ነዊሕ ከምዝሰጎመት ይገልጹ።

ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ኤኮኖሚ ኣብ ዕብየት

ደሞክራሲያዊ ማሕበርነት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዳግም ስልጣኑ ከምዘረጋገጸን ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ኤኮኖሚ ኣብ ናይ ዛኤቭ መንግስቲ ምዕባለ ከምዘርኣየን ኣብዚ እዋን እቲ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቅልውላዊ ጸቕጢ ከምዝኾኖ ንጹር እዩ ቅድም ክብል ስእነት ስራሕ ካብ 20 ሚእታዊ ናብ 17 ሚእታዊ ክትሕት ከምዝገበሩን ናይ ወጻኢ ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ሃብቲ ገንዘቦን ንኸዋፍሩ ናይ ዛኤቭ ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካ ክምዘተባበዖምን እዚ ኸኣ ካብ ሃብቲ ገንዘብ ዝሕተት ናይ ቁጠባ ግብሪ ነዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብ ዘተባብዕ ብምዃኑ ኡንጋሪ ሓቢሮም፡ ዛኤቭ ሃገሮም ናብ ምዕራብ ዓለም ኣዚያ ርህውቲ ይገብሩ ክመዘለዉን እዚ ኸኣ ምስቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ናብ ሩስያ ገጹ ዘማዕደው ካብ ዝነበረ መንግስቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ናይ ፖሊቲካ መስመር ኣዚዩ ዝረሓቐ እዩ ኢሎም።

ንዝዓበየ ምሉእ ውህደት ኣብ ዞባ ባልካን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ምብጽሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ዘሎ ህብረ ባህሊ ንኢዶም እዚ ኸኣ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ባልክን ምውህሃድ ክህሉ ዝድግፍ ክኸውን ሓደራ ቢሎም ከምዝነበሩ እውን ዘኪሮም፥ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ዞባ ባልካን ኣዚያ ኣገዳሲት ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም፡ እቲ ዞባ ብውህደት እንተዘይኮይኑ በቢ ውልቅኻ ንቕድሚት ምባል ጸግም ከምዝኽው ምስትውዓል ክብል ይብል ኣሎ፡ ሰሜን መቀዶኒያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኡድ ስጓመ ፈጺማ እያ፡ እዚ ንመጻኢ ሰናይ ተስፋ እውን እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዞባ ጥራሕ ዘይኮነ ንኤውሮጳ እውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

[ Audio Embed ሰሜን መቆዶኒያ፥ ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዲሞክራሲያዊ ማህበርነት ውድብ ይዕወት]

 

17 July 2020, 16:10