ድለ

ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ማሊ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘተ ይምሕጸኑ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ማሊ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘተ ይምሕጸኑ 

ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ማሊ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘተ ይምሕጸኑ

ኣብ ማሊ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሸሪፍ ኡስማነ ማዳኒ ሃይዳራን ናይ ባማኮ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ዘርቦን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉጅለታትን ወንጌላውያን ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበር ኣቦ መንበር ኑሑ ኣግ ኢንፋያታራን ብናይ ሃገሮም ኦውኣርቲኤም ብእተሰምየ ናይ ተለቪዥን መደብር ብምጥቃም ንሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ኣብ ሃገረ ማሊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት ይረአይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 11 ሰባት ንሞት ዝዳረገ ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ዝተፈላለየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ነዚ ህልው ኩነታት ግምት ብምሃብን ናይ ሃገሮም ህዝቦምን ኩነት ዘሰከፎን ኣብ ማሊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ዓመጽ ኩሉ ክግታእን ጸገም ብዘተ ክፍታሕ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ እቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ሉቻኖ ኣርደሲ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኣባልጺ ሕዝቢ ናይቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ውጽኢት ዘይቅቡል ዝበሃል ዘሎ ኣብ ስልጣን ዘንደየቦ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ብቕዓት ዘይብሉ ምዃኑ ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ እዋን እቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ጻውዒት ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ኣብ ባማኮ ዝተራእየ ስርዓት ኣልቦን ሁከትን ክውገድ ኣብ ማሊ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ንህድኣትን ዘተን ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ ኣብ ማሊ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሸሪፍ ኡስማነ ማዳኒ ሃይዳራን ናይ ባማኮ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ዘርቦን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉጅለታትን ወንጌላውያን ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበር ኣቦ መንበር ኑሑ ኣግ ኢንፋያታራን ብናይ ሃገሮም ኦውኣርቲኤም ብእተሰምየ ናይ ተለቪዥን መደብር ብምጥቃም ንሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ናዕብን ዘስዓቦ ዘሎ ሞትን ማሕሰይትን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ሰላማዊ መፍትሒ ክድለይ ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ኣስዒበን፥ ካርዲናል ዘርቦ ናዕብን ውጥረትን ተኣሊዩ ሰላማዊ መፍትሒ ክድለይ ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ናይ ማሊ እስላማዊ ሃይማኖት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር እቲ ዝረአይ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ነቲ ናይታ ሃገር ጸገም ዘብእስ ብምዃኑ ሕዝቢ ክረጋጋእ ተላብዮም፡ ዝኾነ ይኹን ጸገም ንምፍታሕ ናብ ዘተ ምባል ንገዛእ ርእሱ መፍትሒ እዩ ቢሎም መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ተኣሚኑ ንናይ ህዝቢ ረብሓ ከገልግልን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝተኣስሩ ናይ ምትእኽኻብ ሓይልታት ሓርበይናታት ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣባላት ናጻ ክልቀቑ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉጅለን ናይ ወንጌላውያን ፕሮተስታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበር ኣቦ መንበር ኣውን ብወገኖም ማሕበረ ክርስቲያን ምእንቲ ምርግጋእን ሰላምን ክጽልይ ሓደራ ቢሎም ምእንቲ እቶም ዝሞቱን ኣባይቲ ስድራኦምን ምእንቲ ቅልጡፍ ፈውስ እቶም ዝቖሰሉን ክጽልይ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ናይ ተቓውሞ ሰልፊ

ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታ ሕዝቢ ንዘቕርቦ ሕቶም፡ ኣብታ ሃገር ዝርአይ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ናይ ጸጥታን ደሕንነት ቅልውላውን ብልዕን ምግባረ ብልሽውናን ቅልውላው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ምዕጻው ኣባይቲ ትምህርትን ዝኣመሰሉን ጸገማት መፍትሒ ንኽረክቦ ኣብ ምግባር ብቕዓት የብሎምን ብዝብል ምኽንያት ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ፖለቲካ ውድብ ዝቓወም ምትእኽኻብ ሓይልታት ሓርበይናታት ፖለቲካዊ ውድብን ሕዝብን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ዘነቓቕሕዎ ጸረ ርእሰ ብሔር ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝኾነ ዝሓብራ ካምፒዚ ኣተሓሒዘን ድሕሪ እቲ ናይ 11 ሰባት ንሞትን ብዙሓት ንመቑሰልትን ዝዳረገ ሰላማዊ ሰልፊ ርእሰ ብሔር ካይታ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላ መፍትሒ ንኽረክቦ መታን ዘድሊ ስጉምቲ ክወስዱን ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኻየደ ምርጫ ተተሓሒዙ ዝተኣታተወ ጸገም መፍትሒ መታን ክርከበሉ ናይ ቅዋም ሃገር ኣኽባሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባላት ክትክኡን ብሓደሽቲ ኣባላት ክሕድስዎን ምዃኖም ከምዝገለጹን ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝሃብዎ መልሲ ነቲ ተለዓዕሊ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ዝግ ከምዘየበሎን ብንጻሩ ዕለት 17 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ካልእ መደብ ሰላማዊ ሰልፍ ኣብ መርሓ ግብሪ ከምዘሎ እዩ ዝንገር ኢለን።

ሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ማሊ፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዘተ ይምሕጸኑ
16 July 2020, 16:02