ድለ

ዓለም ሓቆፍ ዕለት ተቋውሞ ንግዲ ደቂሰባት! ዓለም ሓቆፍ ዕለት ተቋውሞ ንግዲ ደቂሰባት!  

ዓለም ሓቆፍ ዕለት ተቋውሞ ንግዲ ደቂሰባት! ኣብ ግዜ ውሸባ ብዝኸፍኤ ገጹ ማዕቢሉ! ብፁዕ ካርዲናል ች

ኣብዚ ኩሉ ተጻይ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝቃልለሰሉ ዘሎ ግዜ ንሕስያ ዘይብሎም ዓመጸኛታት ንግዲ ደቂ ሰባት ስብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ናይ ዓመጽ ሥራሕ ከዋፍሩን ኣደዳ ግዱድ ሥራሕን ዝሙትን ክገብሩ ከምኡ እውን ኣብ ንግዲ ኣካላት ደቂሰባት ክነጥፉ ተራእዮም። እዚ ዘስካሕክሖም ምክትል ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ምዕባለ ወዲሰብ ብፁዕ ካርዲናል ችዘርኒ ነዚ ከምዚ ዓይነት ምዝመዛ ደቂሰባት ዝቆሙሉ መንገዲ ንምንዳይ ቤተክርስትያንስ ይኹን ማሕበረሰብ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን!

ንዝውውር ዕጸ ፋርስን ዓመጽን ዝከታተል ክፍሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ንግድ ደቂሰባትን ዓመጻቱን ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ ልዕሊ 40 ሚልዮን ዝኾኑ ናይዚ ኣረመናዊ ተግባር ግድያት ከምዚኾኑ እንከመልክት 71 ሚእታዊት ናይዚኦም ደቂኣንስትዮን ሕጻናትን ምዃኖም ብዓቢ ሻቅሎት ይገልጽ።  ከምኡ እውን ዓለምሓቆፍ ውድብ ሽቅለት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ልዕሊ 21 ሚልዮን ግዳይ ግዱድ ሥራሕ ኰይኖም ወትሩ ኣብ ምዝመዛ ጉልበት ዘተኮረ ኰይኑ ብቀንዲ ግን ጾታዊ ምዝመዛ ምዃኑ ኣምሪሩ ይገልጽ። ካብዚ ዝሓሰመ ከኣ ኣሎ ይብሉ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣዳቂቆም ዘጽንዑ ሊቃውንቲ! እዚ ከኣ ነቲ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ክቡር ወዲሰብ ጐዚኻ ጐዛዚኻ እንተብሕይወቱ ኣካለ ስንኩል ጌርካ እንተቀቲልካ ኣካላቱ ናብ ዕዳጋ ዘውርዱ ኣብ ንግዲ ኣካላት ደቂሰባት ዝተዋፈሩ ካልእ ኣረመን ፍጥረት ከምዘለው እውን ብዓቢ ሓዘን ይገልጾ። እዚ ድራማ እዚ ንኩሉ ዝምልከት ብምዃኑ ማለት እተን ካብአን ዝነቅለለን ሃገራት መተሓላለፊ ዝኾና ሃገራትን ነዚ ብደም ብዝተጸየቀ ጽዩፍ ሥራሕ ዝቅበላ ሃገራትን ብዝምልከት ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዝምልከት ክፍሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ምዕባሌ ወዲሰብ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚክኤል ችዘርቪ ነዚ ብዝምልከት  ዝሃብዎ መብርሂ ነቅርበልኩም።

ንብፁዕነቶም ዝቀረበት ቀዳመይቲ ሕቶ ነዚ ግፍዒ እዚ ንምብዳህ ንግዳያት ንምሕጋዝ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተክርትያን ዝተገብረን ዝግበርን እንተሎ መብርሂ ክህቡ እትብል ነበረት።

ብፁዕነቶም እንክምልሹ ‘ጣሊታ ቊም ዝብል ብደናግልና ዝቆመ ሰፊሕ መርበብ ንግዳያት ናይዚ ዓመጽ ንምርዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገብሩ ዘለው ተቊዋማት ካቶሊካዊት ብቀዳምነት ዝስራዕ እዩ። ከምኡ እውን ናይዚ ላዕላይ ቤትጽሕፈትና ክፍሊ ዝኾነ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ዝምልከት ክፍሊ ከም ቀድማይ እጃም ሥራሑ ገሩ ሒዝዎ ዘሎ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መርበብ ሓግዝ ምድጋፍን ምድንፋዕን ምሳኡ ምትሕብባርን ኰይኑ ኣብ ኩሉ እዘን ደናግል እዚኤን ዝረከባሉ ሃገራት ዝተኻእለና ነበርክት። ነዚ ሠናይ ሥራሕ እዚ ምፍላጡን ካልኦት ከምዝፈልጥዎ ምግባርን ኣገዳሲ እዩ። ከመይ እዘን ደናግል እዚአን ከም ካልኦት ኣይዛረባን እየን ዝገብርኦ ንሰንን እግዚኣአብሔርን ብዝፈልጦ መንገዲ ብሱቊታ እናፈጸማ ብዙሓት ጽጉማት ኣብ ምርዳእ ተዋፊረን ኣለዋ። ነዚ ከኣ ብስም ቤተክርስትያንን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስን እየን ዝገብራኦ። ስለዚ ብዛዕብአን ምዝራብ የድሊ ኢሎም።

ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ኣብዚ ዘመነ ልበዳ ኮቪድ 19ን ውሸባን ዘጋጠመ ጸገምዶ ኣሎ ትብል ኰይና ብፁዕነቶም ከኣ ምንም ከይሓብኡ ‘እወ ብርግጽ ኣሎ። ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ ሥራሕን ተወፋይነትን ደናግል ክዕንቅብፎ ተረኺቡ እንተኾነ እግዚእብሔር ይመስገን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብዘን ሰለስተ ሽድሽተ ኣዋርሕ ናይ ዘመነ ውሸባ ኣገልግሎትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክቅጽላ ክኢለን። ብርግጽ ኣገባባትን መላታትን ብምፍጥርን ብምልውዋጥን ነበረ። እንተኾነ ኣብዚ ግዜ ውሸባ ኩሉ ደሓን ክኸውን እናተጸበና እቲ ዓመጽ መመሊጹ እናገደደ መጺኡ። ኣብዚ ክንርድኦ ዝኸኣልና ናይዚ ኣረመናዊ ተግባር እዚ ምንጪ ገዛ ምዃኑ እውን ክንግዘብ ክኢልና። እቲ ክፍኣት ኣብ ልቢ ደቂሰባት ኰይኑ ኣሕዋት ኣይብል ኣሓት ቤተሰብ ኣይብል ዘመድ ኣብ ከባቢኻ ብዘሎ ክትዕመጽ ጸገም እዩ። ስለዚ ክነስተንትነሉ ዘሎና ጉዳይ እቲ ንቡር ዝመስል ናብራ ሕይወት ካብቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ናይ ዓመጽን ጭቆናን ንግድ ደቂሰባት ክመዓራረን ካብኡ ክሓስምን ክትርኢ እንከሎኻ ዘየደቅስ እዩ። ዓቢ ዕንቅፋት እዩ ስለዝኾነ ካብ ጐይታ ምሕረት ክንምህለሉ ዘሎና እዩ። ነዚ ንምጒዳሉን ፈጺምካ ንምሕቃቁን ብኣኡ ኣቢልካ ከኣ ነቲ መግለጺ ናይዚ ውሳጣዊ ክፍኣት ዝኾነ ንግድ ደቂሰባት ምውጋድ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ዝቀረበቶም ሕቶ ቀንዲ ኣገባባት ናይዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ሰብ ብሰብ ዝምዝመዘሉ ግዱድ ሸቅልን ጾታዊ ምዝመዛን ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብዚ ከኣ ደቂ ኣንስትዮን ሕጽናትን ቀዳሞት ግዳያት ኰይኖም ካልኦት ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ሰባት እውን ወሲኽካ ብከመይ ክተገላግሎም ይከኣል ትብል ነበረት።  

ብፁዕነቶም ኣብዚ እውን እቲ ሓቂ ንሱ ምዃኑ እቲ ቀደም ብደገ ደገ ኣብ ወጻኢ ጥራይ ዝመስል ዝነበረ ሰውነት ናይ ምሻጥ ምንዝርናን ካልእ ዓመጽን ሎሚ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ብመስመር ኢንተርነት ኩሉ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ምዝመዛ ግዱድ ሥራሕን ንግድ ኣካላት ደቂሰብን እናገደደ ምምጻኡ ብዘይዘረባ የትርፈካ። ስለዚ በቲ ሓደ እንተተዓጽወ ብካልእ መዳይ ይክፈት እሞ ነቲ ዓመጽ የጋድዶ። ካብ 2013 ጀሚሩ እዛ ዓለምለኸ ዕለተ ተጻይ ንግድ ደቂሰባት ትኸብር ካብ 2015 ጀሚሩ ከኣ ንግድ ደቂሰባት ካብተን ዝለዓላ ገበናት ኰይና ብብዙሓት ሃገራት ተቀባልነት ረኺቡ እንከብቅዕ ገና እቲ ጉዳይ እናከፍኤ ይመጽእ ኣሎ።  እዚ ምንቅስቃሳት እዚ ኣፍልጦ ብዛዕባ እዚ ጸገም እንተኣስፈሐን ብወገን ቤተክርስትያን እውን ነዚ ቊስሊ እዚ ንምፍዋስ ብዙሕ ተገሩ። ብዙሕ ግዜ ኣብቶም ሕሱማት እንብሎም ጥራይ ብምትኳር እቶም ጥዑያት እንብሃል ንገብሮ ምርጫታት ሕይወት እውን ግደ ከምዘለዎም ምዝካር የድሊ።  እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ምጒሓፍ ባህሊ ዝተባህለ ኣብ ግዝያዊ ምቾትን ጣዕምን ብምትኳር በየን መጺኡ መን ገርዎ ፍረ ዓመጽዶ ኮን ይኸውን ኢልና ምሕሳብ የድሊ እንክብሉ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 July 2020, 13:55