ድለ

ንሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝን ተተሓሒዙ እውን ኣገዳስነት ፖለቲካዊ  መፍትሒ ነቲ ቅልውላው ንሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝን ተተሓሒዙ እውን ኣገዳስነት ፖለቲካዊ መፍትሒ ነቲ ቅልውላው 

ንሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝን ተተሓሒዙ እውን ኣገዳስነት ፖለቲካዊ መፍትሒ ነቲ ቅልውላው

ክንየው እቲ ድላይነት ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ፖለቲካ መፍትሒ ክረክብ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ እቲ ዋዕላ ኣተሓሳሲቡ

ኣብ ብራሰለስ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳን ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን እቲ ኣብ ሶሪያ ካብ ዝባራዕ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ዝብል ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሸቶ መርሕ ብምግባር፡ በቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ነቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ሶርያውያን ሓገዝ ናይ ምቕራብ መደብ የሰናኽል ከምዘሎ ግምት ብምሃብ እዚ መተዓናቕፎ’ዚ ንምስጋር ዝሕግዝ መገዲ ንምሕባርን ኣብ ግብሪ ንምውዓን እቲ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ ክሌኣዊ ዓውደ ኣኼባ ብሰፊሕ ከምእተመያየጠሉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ቅድም ቀዳድም ናይ ሕዝቢ ድማዕ ናይ ሓባር ጥቕም ክንክን ጥዕናን ትምርትን ስራሕን ውሑስ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላላሊ ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ እውን ብወገኖም ክንየው እቲ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንናይ ሶርያ ዘላቒ  ሰላም ፖለቲካዊ መፍትሒ ምርግጋጽ እዩ ቢሎም ፖለቲካ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ምትጋህ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘዘኻኸሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን፥

እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ 6.9 ሚሊያርድ ካብዚ እቲ 4,9 ሚሊያርድ ኣብ 2020 ዓ.ም. ውሽጢ  እቲ ዝተረፈ ኣብ 2021 ዓ.ም. ከምዝልገስ ሕብረት ኤውሮጳ ከረጋግጽ እንከሎ፥ ሕቡራት መንግስታት እቲ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ስነ ኣእምሮኣውን ሕጋዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከትን ኩሉ ድጋፍ የቐርብ ከምዘሎን ክንየው እቲ ድላይነት ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ፖለቲካ መፍትሒ ክረክብ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ እቲ ዋዕላ ኣተሓሳሲቡ፡ ሶሪያ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ዝነበራ ክቡር ስፍራ ዳግም ክትዓትር መታን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክተግህ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመረሉ ስፐራንዛ ገሊጸን፥ ኣብ ሶሪያ ካብ ዝባራዕ ዓሰርተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውግእ ምኽንያት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ንሞት ልዕሊ 12 ሚሊዮን ንምዝብልናን ካልኦት 9 ሚሊዮን ንኽቱር ድኽነትን ከምዝዳረገን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነቲ እቲ ውግእ ዝፈጠሮ ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ይድርኾ ከምዘሎ ሓቢረን፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይ ላዕለዋይ ሓላፊ ጆሰፍ ቦረል ሕብረት ኤውሮጳ ንሶርያ ናይ ገንዘብን ሰብኣዊ ድጋፍ ተቕርብ ብተመሳሳሊ እውን ነቶም ሶርያውያን ተመዛበልቲ ዘአንግዳ ሃገራት ዘድሊ ድጋፍ ካብ ምቕራብ ከምዘይትቦክር ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ እውን ብወገኖም ንናይ ሶሪያ ግጭት መሰረታዊ መፍትሒ ፖለቲካዊ እዩ ስለዚህ ኣብዚ መዳይ ብትግሃት ምዕያይ የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ንሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝን ተተሓሒዙ እውን ኣገዳስነት ፖለቲካዊ መፍትሒ ነቲ ቅልውላው
02 July 2020, 23:31