ድለ

ዘይምርግጋእ ምልኩት ኣብ ዝኾነሉ ኩነት ናይ ኮንጐን ናይ ሶማሊያን ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ዘይምርግጋእ ምልኩት ኣብ ዝኾነሉ ኩነት ናይ ኮንጐን ናይ ሶማሊያን ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት 

ዘይምርግጋእ ምልኩት ኣብ ዝኾነሉ ኩነት ናይ ኮንጐን ናይ ሶማሊያን ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት

ናይ በልጂም ንጉስ ፊሊፖ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናብታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፈሊጽ ትዚሰከዲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ርሑስ መዓልቲ ናጽነት መልኽቲ ዮሃና፥ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘውረደቶ ቁስልን ስቓይን ጠቒሶም፡ ንፈለማ ግዜ ይቕረታ ከምዝሓተቱ

ንፈለማ ግዜ ናይ በልጂም ንጉስ ፊሊፖ በልጅማዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጎ ዘስዓቦ መጉዳእቲ ጠቒሶም ይቕረታ ሓቲቶም ኣብ ናይ በልጂም ታሪኽ ዘሕዝን ዝኽሪ ሓዲጉ ዝሓለፈ እዩ ዝብል ቃል ዝተነብሮ ብምኽንያት ዕለት 30 ሰነ መዓልቲ ናጽነት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናብታ ናይታ ሃገር መንግስቲ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶኢን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሕዝቢ ካብ 60 ዓመት ናጽነት ንንጀው “ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝኸፍኤ ድኽነት የብል ኣሎ” ከምዝበሉን ከምኡ እውን ኣብ ሶማሊያ ዕለት 1 ሓምለ 1960 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ኢጣልያዊት ሶማሊያን ኣብ ኢድ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረ ሶማሊላንድን ሓድነት ዝተረጋገጸሉ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእን ዕግርግርን ኣብ ዘለሉ እዋን ዝተዘከረ ከምዝኾነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣኵይሊኖ ሓቢረ።

ናይ በልጂም ንጉስ ፊሊፖ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናብታ ሃገር ርእሰ ብሔር ፈሊጽ ትዚሰከዲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ርሑስ መዓልቲ ናጽነት መልኽቲ ዮሃና፥ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘውረደቶ ቁስልን ስቓይን ጠቒሶም፡ ንፈለማ ግዜ ይቕረታ ከምዝሓተቱን ዝሓበራ ኣኪይሊኖ ኣስዒበን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዕለት 30 ሰነ 1960 ዓ.ም. ካብ በልጅማዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ከምዝወጸትን እቲ መግዛእቲ ዘውረዶ ዓመጽን ጭካኔ ዝተምልኦ ማህሰይትን ንጉስ ፈሊፖ ጠቒሶም ብስሞምን ብስም ሃገሮምን ይቕረታን ከምዝተቱ ኣፍሊጠን።

መንግስቲ ኮንጐ

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት እቲ ናይ 2020 ዓ.ም. መዓልቲ ናጽነት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ከምቲ ቅድሚ ዝግበር ዝነበረ ሕዝቢ ብዘሳተፈ ኣገባብ ዝተባዕለ ከምዘይኮነን፡ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ቱምባ ንዘንዛ ነቲ ናብ ርእሰ ብሔር ፈሊጽ ትዚሰከዲ ካብ ንጉስ ፊሊፖ ዝተመሓላለፈ ብወግዒ በልጅማዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ማእለያ ዘይብሉ ዘውረዶ መጉዳእቲ ጠቒሶም ይቕረታ ዝሓተተሉ መልእኽቲ ንናይ ክልቴኣተን ሃገራት ምሕዝነታዊ ርክብ ዘበራትዕ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዕንኪላሎን ኣመለይናን ድኽነትን ዘይምርግጋእን ንምብዳህ ጻዕርታቱ ኣሐይሉ ይዓዪ ኣሎ ከምዝበሉ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ህጹጽ ሓደጋ ኣብ ሶማሊያ

ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይምርግጋእ መቓን ውሽጢ እውን ሶማሊያ ዕለት 1 ሓምለ 1960 ዓ.ም. ብባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያንን ብሪጣንያን ንኽልተ ተገሚዓ ድሕሪ ምጽናሕ ሓድነታ ዘቖሞትሉ መዓልቲ ናጽነታ ዘኪራ ከምዝወዓለትን እታ ብፈረንሳይ ባዕዳዊ መንግዛእቲ ትመሓደር ዝነበረት ፈረንሳዊት ሶማሊያ ኣብ 1977 ዓ.ም. ጂቡቲ ብዝብል መጸውዕ ስም ሉኣላዊት ሃገር ከምዝኾነት ኣኵይሊኖ ኣዘኻኺረን።

ሶማሊያ ዝፈሸለት ሃገር ዝብል መግለጺ ከምእተወሃባን ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ውግእ ሶማሊያ ናብ ዘይምርግጋእን ምግምማዕን ሕድ ሕዳዊ  ግጭትን ከምዘበለትን እቲ ካብ ርሑቕ ዓመታት ዝተበገሰ ሕድ ሕዳዊ ግጭት መዕለቢ ከምዘይረኸበን እዚ ኩነት እዚ እውን ንኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዕጡቓት ሓይሊ ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረን እቲ ብኣልሽባብ ዝጽዋዕ ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሶማሊያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝቆጻጸር ከምዝኾነን ሶማሊያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህጹጽ ሓደጋ መዓልቲ ሓድነታን ናጽነታን ትዝክር። 

ዘይምርግጋእ ምልኩት ኣብ ዝኾነሉ ኩነት ናይ ኮንጐን ናይ ሶማሊያን ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት
03 July 2020, 12:32