ድለ

ሶሪያ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ዓውደ ኣኼባ ሶሪያ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ዓውደ ኣኼባ 

ሶሪያ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ዓውደ ኣኼባ

"ናይ ሶርያን ናይቲ ዞባን መጻኢ ንምድጋፍ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ብራሰልስ ዝካየድ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ክሌኣዊ ዓውደ ኣኼባ

ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሸቶ እቲ ኣብ ሶሪያ ካብ ዝባራዕ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ዝብል እዩ፡ በቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ነቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ሶርያውያን ሓገዝ ናይ ምቕራብ መደብ የሰናኽል ከምዘሎን እዚ መተዓናቕፎ’ዚ ንምስጋር ዝሕግዝ መገዲ ንምሕባርን ኣብ ግብሪ ንምውዓን እቲ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ዘካይድዎ ክሌኣዊ ዓውደ ኣኼባ ብሰፊሕ ዝመያየጠሉ ሓሳብ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለን ራቪያርት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሰነ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 30 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሶርያን ናይ ዞባ ማእከላይ ምብርቕ መጻኢ ንምድጋፍ ብዝብል መርሕ ሓሳብ ዘካይድዎ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ እናሓሰቡ፥

ናይ ሕዝቢ ሶሪያ ብፍላይ ነታ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ዝረኣየላ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ኩነት ንኸተብል እትድረኽ ዘላ ሃገረ ሊባኖስን ጉረባብታን ሃገራት ህልውን መዓተይናን እዋናዉ ኩነት ክመሓየሽን መታን ምእንቲ እቲ ዝካየድ ኣገዳሲ ዓውደ ጉባኤ ንጸልይ፥ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሕጻናት ዝብላዕ ዘይብሎምን ሕስብ እሞ ነብል፡  እቶም መራሕቲ ሰላም ንምርግጋጽ ብቑዓት ይኹኑ!

እንክብሉ ከምዘዘኻኸርዎ እቲ "ናይ ሶርያን ናይቲ ዞባን መጻኢ ንምድጋፍ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ብራሰልስ ዝካየድ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ክሌኣዊ ዓውደ ኣኼባ፡ ከምቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ ፓለቲካ ጉዳያት ላዕለዋይ ሓላፊ ጆሰፕ ቦረል፥ “ብቐንዱ ኣቃልቦና ናይ ሕዝቢ ሶሪያ ሰብኣዊ ጠለብ መልሲ ምሃብ ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ዘላቒ ዝኾነ ብሔራዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክረጋገጽን ውሑስ ክኸውንን ነዚ ስዒቡ ናብ ዓለም ሓቆፋዊ ዝኾነ ኣብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ምብጻሕ ዝብል እዩ” እንክብሉ ቅድሚ እቲ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝሃብው ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመላኸቱ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፥ “እቲ ናይ ብራሰልስ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኩሎም እቶም ብቐዳምነት ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ኣብ ሶሪያ ሰላም ክወርድን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብን ናይ ሕዝቢ ሰብኣዊ  ቅልውላው ብቑዕ መልሲ ክወሃቦ ንዝካይዶ ጻዕሪ ምስ ዝድግፉ ኵሎም ብቐረባ ክመክር ዘለዎ ድላይ ዝምስክር እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ውግእን ኤኮኖሚያዊ ቅልውላውን

ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞምን ብቐረባ እውን ዕለት 28 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ድህረ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቃሎም ኣብ ሶሪያ እቲ ልዕሊ 10 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ወግእ ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብተወሳኺ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ የብል ከምዘሎን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ሶሪያን ከባቢኣን ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክዓዪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝዘከሩ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት ቃል ኪዳን ፖለቲካ ሊቕን ተንታንን ኣብ መንበረ ጥበብ ሉምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ስነ ርክባት ጉዳይ መምህር ማተዮ ብረሳን ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ጠቒሶም፥ ኣብ ሶሪያን ከባቢኣን ውግእ ጥራሕ ዘይኮነ ዝገደደ ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው እውን ኣሎ፡ ስለዚህ እቲ ውግእን ቅልውላው ኤኮኖምን መልስን መፍትሕን ክረክብ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግታት ዓለምን ዘካይድዎ ዓውደ ኣኼባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝተደንገገ ማዕቅብ ክመያየጠሉ ናይ ግድን ይኸውን ኢሎም።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ክሳብ ሕጂ ብጠቕላላ 20 ሚሊያርድ ኤውሮ ከምእተለገስ

ቅድሚ እዚ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ብራሰልስ ድሕሪ ዝተኻየዱ ዓውደ ኣኼባታት ኣብ 2019 ዓ.ም. 7.2 ሚሊያርድ ኤውሮ ኣብ 2020 ዓ.ም. 2 ሚሊያርድ ኤውሮ ብጠቕላላ እቲ ውግእ ካብ ዝተጀመረሉ ዓመት ኣትሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ ንሶሪያ ንናይ ሰብኣዊ ድጋፍን ዳግማይ ሕንጸትን መደብ ልዕሊ 20 ሚሊያርድ ኤውሮ ከምዝለገሰን ካብቲ 20 ሚሊያርድ ኤውሮ እቲ 11 ሚሊያርድ ነተን ተመዛበልቲ ሶርያ ዘእንግዳ ዘለዋ ሃገራት ንዘቕርብኦ ሰብኣዊ ሓገዝ መሳልጢ ዝውዓለ እውን ከምዝኾነ ብረሳን የዘኻኽሩ።

ስደተይናታት ሶርያ ንዘእንግዳ ድጋፍ ምቕራብ

ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ካብ ካልኦት ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበራትን ግብረ ሰናይ ውድባትን ንሶሪያ ድጋፍ ይቐርብ ኣሎ፡ እተን ስደተይናታት ሶርያ ዘአንግዳ ዘለዋ ሃገራት ቀጻሊ ድጋፍ የድልየን፡ በይነን ዘድሊ ሰብኣዊ ድጋፍ ኩሉ ከቕርባ ዘይሕሰብ እዩ፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ቱርክን ሊባኖስን ዮርዳኖስን ዝርከቡ እያቶም፡ ነዞም ተመዛበልቲ ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ምድጋፍ ኩነታት ተመዛበልትን ጉዳይ ሶርያን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ፕሮፈሰር ብረሳን ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሶሪያ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ዓውደ ኣኼባ
30 June 2020, 16:43