ድለ

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንምውናን ዝካየድ ውግእ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንምውናን ዝካየድ ውግእ 

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንምውናን ዝካየድ ውግእ

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ንነጀው በቲ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ኣብ ሰሜንን ደቡብ ኪቩን ብጠቕላላ 500 ሺሕ ሕዝቢ ከምእተመዛበለ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም መግለጺ ክሕብር እንከሎ

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ምስርቓዊ ዞባ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዕጡቓት ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ውግእን ማዕድን ኣልማዝን ኮልታንን ሃብቲ ማይን ንምቁጽጻር ዝሃቀነ ከምዝኾነ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ፖለቲካ ተቕዋም ናይ ክፍሊ ኣፍሪቃ ጉዳይ ተንታኒ ካሚሎ ካሶላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሕዝቢ ዝፍነው መጥቃዕትን ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እውን ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳይ ላዕለዋይ ድርገት ሓላፊት ሚቸለ ባቸለት ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ እታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ግጭት ጸረ ሰብኣዊ ገበንን እቲ ውጥረት ብትኽክል ውግእ ዝብል መግለጺ ዝወሃቦ እዩ ከምዝበላን ናይቲ ውድብ መግለጺ ከምዝሕብሮ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞተ ኣዋርሕ ኣስታት 1,300 ዜጋታት በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከምእተቐትሉን እቲ ግጭት ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን ክፍለጥ እንከሎ፡ ን 11 ግዜ ዝቐላቐል ዘሎ ለብዒ ኤቦላን እቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ዝካየድ ውግእ ሳዕቤኑ ከቢድ ከምዝኸውን ይሕብር።

ምዝብልናን ሕልቂትን

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ንነጀው በቲ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ኣብ ሰሜንን ደቡብ ኪቩን ብጠቕላላ 500 ሺሕ ሕዝቢ ከምእተመዛበለ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም መግለጺ ክሕብር እንከሎ፥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ውድብ እውን ብወገኑ ኣብ ዞባ ኢቱሪ ኣብ እትርከብ ቑሸት ሙሳ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ሓሙሽተ ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 16 ሰባት ከምእተቐትሉን ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣካል ምጉዳልን ዝኣመሰሉ ዘሰቅቕ ገበናት ከምእተፈጸመን ኣብቲ ንናይ ኮንጐ ምርግጋእ ብዝብል ዕላማ ዝተላእከ ናይ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ሓለዋ ኣብ ዘካይደሎ ዘባ ኣብ ዝርከባ ኣባይቲ ትምህርትን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ማእከላትን ከይተረፈ መጥቃዕቲ ከምዝወረደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ይሕብር።

ትንተና

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ልዕሊ 100 ዝግመቱ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ከምዘለዉን መብዛሕቲኦም እውን ኣብ ዞባታት ሰሜንን ደቡብ ኪቩን ኢቱሪን ዝንቀሳቐሱ ከምዝኾኑን ናይታ ሃገር ብናይ ተፈጥሮ ጸጋ ዕዱል ዝኾነ ከባቢ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ ውግእ ምዃኑ ካሶላ ሓቢሮም፡ እቲ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝካየድ ሕድ ሕዳዊ  ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ መጉዳእቲ የስዕብ ከምዘሎን ማእለያ ዘይብሉ ዓመጽን ናይ ኣደባባይ ፍርድን ዝወሃበሉን ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ሃብቲ ማይ ንምቁጽጻር ዓሌታዊ ግጭት ተወሲኽዎን ኣብታ ሃገርን ሕዝብን ከቢድ ሕልቂት የስዕብ ከምዘሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብሪሆም፡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጉጅለ ዕጡቓት ሃይሊ ካብ ተስዓታት ኣትሒዙ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ኡጋንዳዊ መበቆል ዘለዎ ከምዝኾነን ዳዒሻዊ ኣካይዳ ዘለዎ ክሳብ ሰሜን ሞዛምቢክ ዝበጽሕ ምንቅስቓስ እውን የካይድ ከምዘሎን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ እስላማዊ መንግስቲ ንምቛን ዝሃቀነ እዩ ዝመስል፡ ነዚ ኹሉ ርኢኻ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ተስተውዕል ምስ በሉ ኣተሓሒዞም እቲ ዝፍጸም ዓመጽ ድዩ መጥቓዕቲ ተሓታት ብቐጥታ ንምልላይ የጸግም፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ናይቲ ዘይምርግጋእን ሞትን ዕንወትን ተሓተቲ እያቶም፡ ንናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ጉዳይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሕጹጽ መልሲ ክህበሉ ይግባእ፡ ሕዝቢ ይሃልቕን ይመዛበልን ኣሎ ሕጹጽ መልሲ ዘድልዮ ሰብኣዊ ጉዳይ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፥ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንምውናን ዝካየድ ውግእ
09 June 2020, 15:23