ድለ

ዞሕራ ንምዝካር ዝተቀብኤ ስእሊ ዞሕራ ንምዝካር ዝተቀብኤ ስእሊ 

ሕልፈት ሕጻን ዞሕራ፥ ግዳይ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእለያ ዘይብሎም ድኻታት ሕጻናት ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንምሕጋዝ ኣብ ስራሕ ዓለም ንኽዋፈሩ ከምዝግደዱን

ብምኽንያት እቲ ዕለት 12 ሰነ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ ጸረ መዓልቲ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት፥ ውድብ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፥ ኣብ ዓለም ልዕሊ 152 ሚሊዮን ሕጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ኣብ ስራሕ ዓለም ንኽዋፈሩ ከምእተገዱ ይሕብር፡ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ገዛ ናይ ጽሬት ስራሕ ንኽተዋፈር ዝተገደት ሕጻን ዞሕራ ብዘስርሕዋ ስድራ ቤት ብዝወረዳ መጉዳእቲ ሕይወታ ዝሓለፈ፡ ኩነታታ ሕጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም በስገዳድ ኣብ ስራሕ ምውፋር ዘስዕበሎም መዓት ከቢድ ምዃኑ የቃልዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ስራሕ እንከላ ዝሞተት ኣብ ቁሸት ፑንጃብ ካብ ድኻ ስድራ ቤት ዝተወለደት ፓኪስታናዊት ሕጻን ዞሕራ ኣብ ፓኪስታንን ኣብ መላእ ዓለምን ሕጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ንስራሕ ዓለም ክዳረጉን ዘጋጥሞም መከራን ስቓይን እንታይን ከመይን ዘመላኽት እዩ፡ ናይ ዞሕራ ሕልፈት፥ ዓለም እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝወርድ መከራ ክስቆሮን ከስተንትኖን ሕጻናት ካብዚ ዓይነት ምዝመዛ ናጻ ክወጹ መንግስታትን ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማትን ኣበርቲዖም ክዓዩ ዝጽውዕ ናይ ብዙሓት ሕጻናት ብፍላይ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ናይቶም 152 ሚሊዮን ኣብ ስራሕ ዓለም ዝተዳጐኑ ንዝተፈላለየ ምዝመዛ ዝተቓልዑን ሕጻናት ገዓር እትውክል እያ።

ዞሕራ ኣብ ሓንቲ ሃብታም ስድራ ቤት ተቐጺራ ትሰርሕ ዝነበረትን ብተደጋጋሚ በቶም ዘስርሕዋ ብዝወርዳ ዝነበረ መግረፍትን ስቓይን ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም ከምዝዓረፈትን እቲ ኣብ ልዕሌኣ ዝተፈጸመ ክሳብ ንሕልፈት ዝዳረጋ መግረፍቲ ኣብ ፓኪስታን በርገሳውያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓለቕቲ ኮኒኖም፡ ኣብ ድኻታት ስድራ ቤት ዝውለዱን ዝውለዳን ገና ብንኡስ ዕድመኦም ኣብ ስራሕ ንኽዋፈሩ ከምዝግደዱን ሕይወቶም እውን ንሓደጋ ከምዝቃላዕን ሕልፈት ዞሕራ የረጋግጾ። ልክዕ ከም ዞሕራ ብዙሓት ሕጻናት ከነምህረኩም ኢና እናተባህሉ ደገፍቲ ተመሲሎም ብዙሓት ርኹባት ስድራ ቤታት ይምዝምዝዎም፡ እዚ ከይኣክል ንኸቢድ ኢሰብኣዊ ተግባራት እውን ከምዘቃልዕዎም ብተደጋጋሚ ዝስማዕን ዝረአይን እዩ። ኣብ ፓኪስታን ሕጻናት ንስራሕ ዓለም ምውፋር ዘይሕጋውን ክልኩልን እውን እንተኾነ ልዕሊ 12 ሚሊዮን ሕጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ኣብ ዝተፈላለያ ፋብሪካታትን ኣብ ካልእ ናይ ምህርቲ ጨንፈራትን ከምዝምዝመዙ ኣብ ፓኪስታን ናይ ሕጻናት መሰል ዕሸልነት ዝጣበቕ ናይ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓላቒ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣመሓዳሪ ሳጃድ ቺማ ይሕብሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ማእለያ ዘይብሎም ድኻታት ሕጻናት ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንምሕጋዝ ኣብ ስራሕ ዓለም ንኽዋፈሩ ከምዝግደዱን ኣብ ዝዋፈሩሉ ናይ ጉልበትን ናይ ምሕርቲ ጨናፍር ትካላት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከምዝቃልዑን ብዙሓት እውን ከም ናይ ዞሕራ ፍጻሜ ዘጋጥሞም ከምዝኾነን ድኽነቶም ብቐሊሉ ኣብ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት መጻወዲያ ክወድቁን ክሽየጡን ክልወጡን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ንዘሕስር ተግባራት መገበሪያ ክሳብ ምዃን ከምዝበጽሑን ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ዝንገር ዘሕዝን ናይ ብዙሓት ሕጻናት ተመክሮ ምዃኑ ብዙሓት ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት እውን ነዞም ምሕጻናት ዘጋጥሞም ሓደጋ ዘቃልዑን ንምድሓኖም ዝዓዩን ዝሕብርዎ እዩ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት

እቲ ኣብ ልዕሊ ዞሕራ ዝወረጸ ዓመጽን ሞትን ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ስራሕ ዝከታተል ማሕበር ኣብ 2002 ዓ.ም. ዘበገሶ ዕለት 12 ሰነ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝሕሰበሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ እዚ ሕጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ኣብ ስራሕ ዓለም ንኽዋፈሩ ዘገድዶም ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማቶም ብቑዕ መፍትሒ ምሃብ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ምኽባር እዩ፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ 152 ሕጻናት ንጊልያነት ሓደጋ ዝተቓልዑ

ናይ ውዱብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም መግለጺ ከምዝሕብሮ፥ ካብ 5 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድመኦም ብጠቕላላ ኣብ ዓለም 152 ሚሊዮን ሕጻናት ሰራሕተይናታት ከምዘለዉን፡ እቶም 71 ሚእታዊ ኣብ ሕርሻ፡ 17 ሚእታዊ ድማ ኣብ ኣገልግሎት መውሃብን 12 ሚእታው ኣብ ምውጻእ ማዕድን ዘጠቓልል ኣብ ጨናፍር ኢንዳስትሪታት ዝሰርሑ ከምዝኾኑን ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርከባ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሕይወቱን ሰብኣዊ ዕብየቱን ንሓደጋ ኣብ ዘቃልዕ ዕዮ ከምዝዋፍፈር እውን የመላኽት።

ሕልፈት ሕጻን ዞሕራ፥ ግዳይ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት
11 June 2020, 15:51