ድለ

ሕ.መ. ኣመሪካ፥ ዘይጉነጻዊ - ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ ሕ.መ. ኣመሪካ፥ ዘይጉነጻዊ - ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ 

ሕ.መ. ኣመሪካ፥ ዘይጉነጻዊ - ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ

ኣስዒበን፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሓጺሩ ዝተርፍ ሕቶ ኣይኮነን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሓለዋ ጸጥታ ብዘካይዱ ኣባላት ኣብ ቀይድሊ ዝወዓለን ብሓደ ኣባል ሓይሊ ጸጥታ ዝተቐትለ ኣፍሮ - ኣመሪካዊ ጆርጆ ፍሎይድ ብምዝካር ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣድልዎ ብዘርኢ ዝቃወም ዘይጐነጻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ዕለት 7 ሰነ 2020 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ክሕበር እንከሎ ደገፍቲ ትራም ዝኾና መራኸቢ ብዙሓን ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕጋት 10 ሺሕ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ከተማታት ክምደቡ ንዝብል ሓሳብ ድጋፈን የቕርባ ከምዘለዋ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 25 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ጆርጅ ፍሎይድ ብሓይሊ ጸጥት ተታሒዞም ድሕሪ ዝወረዶም መቕተልቲ ዝፈጠሮ ዘሎ ሁከት ዝተሓላለኸን ስንክፉን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፥ ብፍላይ ብኸመይ ከም እተቐትለ ዘርእይ ብናይ ኢድ ተለፎን ዝተዘርግሐ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስሊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዓለምን ብዛዕባ መሰልን ክብረትን ፍትሕን ማዕርነትን ናጽነትን ልዑል ቆላሕታ ክግበር ይድርኽ ከምዘሎን፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ውጥረትን ሁከትን ዝተመልኦ ህዝባዊ ቁጣዔ ዘሰነዮ ናዕቢ ከምእተኻየደ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 7 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዋሽንግተንን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ዘይጐነጻዊ ሕዝባዊ ሰልፊ ከምእተኻየደ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተሓጺሩ ዝተርፍ ሕቶ ኣይኮነን፡ ኣቲ ኣብ ሰያትል ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን እውን ከምእተጸንበርዎ ኣፍሊጠን።

ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ትራፕ

ኣብ ሰሜን ካሊፎርኒያ ኣብ እትርከብ ከተማ ራኤፎርድ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ዓስኬሬን ናብታ ዝበዝሐ ናይ ህይወቱ ዓመታት ናብ ዘሕለፈላ ናብ ተክሳስ ከተማ ሁስቶን ንምስንባት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከምእተረኽቡን ሰኑይ ናይ መወዳእታ ስንብታ ተገይሩሎምን ዕለት 9 ሰነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ክፍጸም ከምዝኾነ እውን ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፥ ርእሰ ብሔር ትራምፕ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦ ኣቢሎም ኣብቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሕ ሕዝቢ ኣይተረኽበን ዝብል መልእኽቲ ከምዝዘርጉሑን 10 ሺህ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ዋሽንግተን ካልኦት ከተማታትን  ሓለዋ ጸጥታ ዘካይዱ ክልኣኹ ምዃኖም ዘቕረብዎ ሓሳብ ፐንታጎን ውድቂ ከምዝገበሮ ናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙሓን ይሕብራ።  

ሕ.መ. ኣመሪካ፥ ዘይጉነጻዊ - ሰላማዊ ሰልፊ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ
08 June 2020, 15:58