ድለ

ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት 

ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኵላትና ተኣፋፍያን ምዃንና ኣዘኻኺሩና እዩ ኩላትና እውን ኣብ ሓንቲ መርከብ ከምዘሎና ኣመላኺቱናን እዩ፡ እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ሕጂ እውን ኩሉ ማዕረ ከምዘይኮነ ብዙሓት እውን ቁልሕ ዝብሎም ዘይብሎም

ካብ ዕለት 4 ሰነ ክሳብ ዕለት 5 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ገማግም ባሕሪ ትኒዝያ ካብ ከባቢ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ 25 ደቀንስትዮን ካብኣቶም ድማ ሓንቲ ነፍሰ ጹርን ሰለስተ ሕጻናትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 53 ሰባት ብመዲትራኒያን ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ንኽጓዕዙ ዝተሳፈሩላ ንእሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ከምዝጠሓሉን ናይ ኩሎም ዓስከሬን እውን ብሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ከምእተረኽበ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ደ ኣንጀሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ ውድብ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ነዚ ስዒቡ እውን ብዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖምን ኣብ ባሕሪ ንምድሕን ሕይወት ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ክንክይን ዳርጋ ንኸይህሉን እውን ይገብር ምህላዉን ሓቢሩ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ሕይወት ሰብ ምድሓን ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግንኦ ክቡር ሓላፍነትን ኣገልግሎትን እዩ ከምዝበለ ዝሓበሩ ደ ኣንጀሊስ ኣስዒቦም፥ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ማሕበር እውን ብወገኑ እቶም ኣብ ሊቢያ ኣብ ናይ ስደተይናታታ ማሕቡስ ዝርከቡ 1,500 ስደተይናታት ካብቲ ዘለውሉ ኩነት ዘምልጥሉ መገዲ ባሕሪ ጥራሕ እዩ ክብል እንከሎ ኣድሕን ሕጻናት ማሕበር እውን ብወገኑ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ንምውጋድ ዝኽእል ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዝተዋደደ ናይ ሓባር ስርሒት ከሳልጥ ጻውዒት ከምዘቕረበ ኣፍሊጦም።

ለብዒን ዘይተገዳስነትን

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኵላትና ተኣፋፍያን ምዃንና ኣዘኻኺሩና እዩ ኩላትና እውን ኣብ ሓንቲ መርከብ ከምዘሎና ኣመላኺቱናን እዩ፡ እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ሕጂ እውን ኩሉ ማዕረ ከምዘይኮነ ብዙሓት እውን ቁልሕ ዝብሎም ዘይብሎም ኣብ ቅድሚ ዘጋጥም ሓደጋን ሞትን ኣብ ባሕሪ ሞትን ኣብ ሊቢያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስደተይናታት ዝረአይ ስቓይን ዓመጽን ገጽካ ጠዊኻ ምሕላፍ ኣይተረፈን” ነዚ ዝበሉ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ ማእከል ኣስታሊ ኣቦ መንበር ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ካሚሎ ሪፓሞንቲ ምስ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋን ሞትን ኣደጊፎም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሕ እዋን ዝስደዱ እምበር ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ምርኣይ ዝተሰኣነና ንመስል፡ ዶባትካ ምዕጻው ዘይኮነ ንስደትን ምዝብልናን ዝድርኹ ህብረ - ጸገም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ መፍትሒ ክረክብ ምግባር እዩ ዘድሊ ኢሎም።

ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት
13 June 2020, 21:50