ድለ

ኣብ ኢጣሊያ ዘገልግሉ ወጻእተይናታት ሓኻይን ንር.ሊ.ጳ. የመስግኑ ኣብ ኢጣሊያ ዘገልግሉ ወጻእተይናታት ሓኻይን ንር.ሊ.ጳ. የመስግኑ 

ኣብ ኢጣሊያ ዘገልግሉ ወጻእተይናታት ሓኻይን ንር.ሊ.ጳ. የመስግኑ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓኻይምን ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ጸሎቶም ቅርበቶም ብርትዔን ሓይልን ኮይኑና እዩ፡ ስለዚህ ብስም ኩሎም ወጻእተይናትት ሓኻይም ኣብ ኢጣሊያ ከመስግኖም እፈትው ቢሎም

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ወጻእተይናታት ሓኻይም ብሔራው ማሕበር ኣቦ መንበር ኢታሎ ፍልስጥኤማዊ ሓኪም ፉኣድ ኣኦዲ ኣብ መላእ ኢጣሊያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ነቲ ዝተኸስተ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምብዳህን ህሙማን ኣብ ምእላይ ንዝርከቡ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ንዅሎም ብዝተፈላለየ ሞያ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተዋፊሮም ንዘገልግሉ ንዘለዉ ዘቕረብዎ ጸሎትን መንፈሳዊ ድጋፍን ነመስግኖም ከምዝበሉን ቅዱስነቶም ነቶም ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሕይወቶም ከይበቐቑ ህሙማን ለብዒ ኮቪድ 19 ንዘገልግሉ ኩሎም ኣብ ቤተ መዘክራት ሃገራት ቫቲካንን ኣብ ከባብ ሮማ ከተማ ካስተልጋንደልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻን ንሓደ ሰሙን ብናጻ ምብጻሕ ንኸካይዱ ከምዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ንሓኻይም ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ጸልዮምን ኩሉ እውን ኣብዚ ጸሎት ክሓብር ከምዝዓደሙን ስለ እቲ ኣገልግሎቶም ድማ ኵሎም ሓኻይም ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል ኣብ ኣባይቲ መዘክር ቫቲካንን ሕንጻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካስተል ጋንዶልፎን ብናጻ ከበጽሑ ኣፍቂዶምን  ኣብዚ እዋን ለብዒ ጥራሕ ዘይኮነ ወትሩ ንሓኽይም ከምዝጽልዩ ኩሉ ዝፍጦ ከምዝኾነ ሕኪም ፉኣድ ኣኦዲ ምዚ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድው ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ግቡእን መሰልን

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ጽንኩር እዋን ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ካልኦት ኩሎም ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ኣብ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝዓዩን “ጀጋኑ” ዝብል መጸውዕ ከም እተወሃቦምን ይወሃቦም ኣውን ከምዘሎን ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኩላትና ግቡእና ኢና እንፍጽም፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከከም ሓላፍነቱን ምድብ ኣገልግሎቱን ክፍጽሞ ዘለዎ እዩ - ቢሎም - ብኮቪድ -19 ብዙሓት ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ውሑዳት ኣይኮኑን፡ ዋሕዲ ቀረብ መሳርዕ ሕክምና ኣጋጢሙ እዩ፡ ነቲ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ብብቕዓት ንምዳህ ምእንቲ’ዚ ውዳሴ ዘይኮነ እቲ ንሓኻይምን ኣባይቲ ሕክምና ዘጋጠመን ናይ መሳርዕ ጸገም መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ብቑዕ መልሲ ክህብሉ ይግባእ ኢሎም።

ቅርበትን ጸሎትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ሓኪም ፎኣድ ኣኦዲ ናይ ወጻእተይናታት ሓኻይም ኣብ ኢጣሊያ ዝጥርንፍ ማሕበር ኣቦ መንበርን ናይ ዓረብ ማሕበረሰብ ኣብ ኢጣሊያ ኣቦ መንበር እውን ከምዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓኻይምን ንሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ጸሎቶም ቅርበቶም ብርትዔን ሓይልን ኮይኑና እዩ፡ ስለዚህ ብስም ኩሎም ወጻእተይናትት ሓኻይም ኣብ ኢጣሊያ ከመስግኖም እፈትው ቢሎም፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበት ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ዝርከቡ ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ እዩ፡ ስለዚህ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ብስሞም ምስጋናይ ከቕርቡ ዝሓተቱቱ ማእለያ የብሎምን ኢሎም።

ቅዱስነቶም ብምኽንያት እቲ ተኽሲቱ ዘሎ ለብዒ ብቐጥታ ብመረብታዊ ውሕዘት ብዝመሓላለፍ ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኣብነት ዕለት 20 መጋቢት ሓኻይም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓሳብ ዝገበረ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዕለት 18 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ምእንቲ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዘዕረግዎ ጸሎትን ዕለት 12 ግንቦት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዘመሓላለፍዎ መልእኽትን፥ ሕያዎት ሳምራውያን ናይ ካልኦትን ናይ ብጻይናን ህይወትን ቁስልን ናትኩም እትገብሩ፡ ኣገልገልቲ ሕይወትን ዓቀብቲ ሕይወትን! ኣገልግሎት ሕክምና ከተቕርቡ እንከለኹም ትብዓትን ተስፋን እምነትን ተስርጹ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ሓኪም ፎኣድ ኣኦዲ ዘኪሮም፡ ኣተሓሒዞም ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ቤተ መዘክር ቫቲካንን ጳጳሳውያን ሕንጻታትን ብናጻ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2020 ዓ.ም. ምብጻሕ ከካይዱ ክቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ዕድመ ብሓቂ መንፈሳውን ሰብኣውን ቅርበቶም ንኹሎም ነቶም ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘገልግሉ ጥልቅን ልዑልን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣብ ኢጣሊያ ዘገልግሉ ወጻእተይናታት ሓኻይን ንር.ሊ.ጳ. የመስግኑ
05 June 2020, 13:02