ድለ

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ  

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ

ወርሃ ግንቦት ወርሃ ማርያም ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሃ ማርያም ብውልቂ ድዩ ብሓባር ኣብ ኣባይቲ ስድራ ጸሎት መቝጸሪያ ሓደራ ይብሉ

ብዙሕ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዝምህጸንዋን ሕዝቢ ዓለም ነማላድነታ ዘወከፍዋን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ ተህዋስ ሓገዛን ኣማላድነታን ዝተማህጸንዋ ካብ ጥንቲ ንናይ ሕዝብታት ኣስተንፍሶን ጥበብን ኪነ ጥበብን መንፈሳውነትን መሰረት ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማእኪሎም ከያኒ ፍራንቸስኮ ኣስቲያሶ ጋርሲያ ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ
እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዘመናት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስቓይን መከራን ሕዝብታት የዕንቶም ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ከቕንዑ ተራእዩ እዩ፡ ክምቲ ቅዱስ ኣቦና ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቝል ኢየሱስ ዘቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎን ድሕነት ሮማውያን ቅዱስ ምስሊ ቅድስቲ ማርያን ናይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ፊት ተረኺቦም በማላድነታ ሓገዝ እግዚኣብሔር ክማህለሉ ዝረአይ ዘሎ እዩ። ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም መልኮታዊ ምሕረት ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ በማላድነታ እግዚኣብሔር ከናግፈና ዘዕረግዎ መስዋዕተ መስዋዕተ ቅዳሴን ቅዱስ ኣቦና ንኢጥልያን መላእ ዓለምን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ “ትእምርቲ ድሕነትን ተስፋን” ናይ ዝኾነት እመ ኣምላኽ ሓለዋይ ይምሕጸኑ።

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ
እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ

ወርሃ ግንቦት ወርሃ ማርያም ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሃ ማርያም ብውልቂ ድዩ ብሓባር ኣብ ኣባይቲ ስድራ ጸሎት መቝጸሪያ ሓደራ ይብሉ፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ንሓለዋ ማርያም ይምሕጸኑን ሃገሮምን ህዝቦምን ነዛ ኣመ ኣምላክ የወክፉ።ù

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ
እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ

ማርያም ኣብ ባህሊ ኪነ ጥበብ ኣብ ስነ ቅብኢ ሞያኦም ንማርያም ዓቢይ ስፍራ ዝህቡን ብዙሕ ኣብ ታሪኽን መንነት ማርያን ዘማእክል ኣዚዩ ብዙሕ ዝኾነ ቅብን ኣሳእልን ንዝፈጥሩ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ከያንያን ማሕበር ዋና ጸሓፊ ከያኒ ፍራንቸስኮ ኣስቲያሶ ግራሲያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ማርያም ዘማእከለ ወይ ማርያም ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ዝስራሕ ስእልን ቅብእን ናይ ሓወልቲ ስራሕን ናይ “ምስጢረ ትስብእቲ” ታሪኽ እዩ፡ ኣማንያን ይኹኑ ኢኣማንያን ስነ ጥበባውያን ብዛዕባ ቅድስቲ ማርያን ሕቶ ዘየቕረቡን ኣብ ናይ ስነ ቅብኢ ኮነ ስነ ሓወልቲ ቀረጻን ብሓፈሻዊ ኣብ ኪነ ጥበብ ሞያኦም ንማርያም ዓቢይ ቦታ ዘይህቡ ውሑዳት እያቶም፡ ስለምንታይ ግን ቢሉ ዘይሓትት ዘሎ ኣይመስለንን፡ ንኣማንያን ማርያም ናይ ጽባቔን ናይ ጓለንስተይቲ ሚሳልን እብነት እምነት እያ፡ ማርያም እቲ ቃል ስጋ ዝኾነሉ ኪደት እያ፡ ማርያም ኣብ ምስጢረ ስጋዌ ምእክልቲ እያ ኢሎም።

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ
እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ

ዓበይቲ ኣብ ናይ ስነ ጥበብ ታሪኽ ጽልዋ ዘለዎም ከያንያን ቺማቡወ ድዩ ኮቶን ዱቾን ሓዲጎምዎ ዝሓለፉ ኣብ ማርያም ዘማእከለ ስርሖምን ናይ ሩሲያ ቅዱሳት ምስልታትን ናይ ግሪክን ኣብ ላቲናውን ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ስነ ቅብእን ኣብ ስነ ባህልን ብዛዕባ ማርያም ዝትርኹ ዝተሰርሑ ኣሳእልን ጽሑፋትን መዛሙራትን ማህሌታትን ድርሳናትን ማእለያ የብሉን፡ ንማርያም ብዝተወሃባን ዝወሃባን መጸውዕ ስም ዝተሰርሑ ቅዱሳት ምስልታት ዝነበረን ዝቕጽልን ዘሎ ባህሊ እዩ፡ ንኣብነት ማርያም እኖ ድኻታትን ንግስቲ ኵሎም ቅድሳትን ኣብ ሩሲያ ተኦቶኮስ - እመ እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ቅዱስ ምስሊ ኪዳነ ምሕረትን ዝብሉ ከም ኣብነት ንምጥቓስ ይከኣል።

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ
እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ

ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዝገልጽዎ መሃዝነት ዝብል ቃል ምስ ጥበብን ውህበትን ውበትን ዝተኣሳሰረ እዩ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ምስ ስነ ጥበብ ጥብቂ ርክብ ኣለዎ፡ መሃዝነት ናብቲ እነኹልካ ዝብል ተወፋይነት ዘቕርብ እዩ፡ እዚ ኸኣ ማርያማዊ መንፈስ እዩ፡ እነዅልካ ኣብ ማርያም ኵለንተናዊ እዩ፥ ንገዛእ ርእሱ ምኽንያት ምዃና እውን እዩ፡ ስለዚህ ቅብእን ምስልን ማርያም ሰራሒኡ ኮነ ዝርእዮ ናብቲ መንነት ማርያም እዩ ዘቕርብ እመን ኣይትእመን ብዘየገድስ፡ ማርያም ትጽቢትን ተስፋን ዘለኣለማዊ ሕይወት እያ ምስ በሉ ንማርያም ዝወሃባ ዝተፈላለዩ መጸውዕ ስም መሰረት ኣብ ምዕራብ ይዅን ኣብ ምስራቕ ዓለም ዝተቐብኤን ዝተሳእለን ዝተቐረጸን ሓወልቲ ዝቕጽል እውን ዘሎ፡ ክትቆጽሮ ከቢድ እዩ።  ታሪኽ ማርያም ምስ መደብ ድሕነት ኣምላኽ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ማርያም ናይ ተወፋይነትን ተኣዝዞን ኣስተንትኖን ኣብነት እያ፡ ማርያም ናብ እምበር ኣብ ኣይኮነትን (ናብ ወዳን እግዚኣብሔርን እምበር ኣብ ገዛእ ርእሳ ተትርፍ ኣይኮነትን) ስለዚህ ኣብቲ ኣብ ማርያም ተማእኪሉ ዝስራሕ ስእልን ቅብእን ሓወልትን ኩሉ  ነዚ ዓሚዩቕ ቲዮሎጊያ’ዚ ተንብብ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

እምነትን ብስነ ጥበብን ኣዚያ ናይ ዝተፈቕረትን ጓለንስተይቲ
01 May 2020, 18:02