ድለ

ኮቪድ - 19: ቅልውላው መግባውነትን ኵለንተናዊ መሓድሮን ተግባር ቤተ ክርስቲያንን ኮቪድ - 19: ቅልውላው መግባውነትን ኵለንተናዊ መሓድሮን ተግባር ቤተ ክርስቲያንን 

ኮቪድ - 19: ቅልውላው መግባውነትን ኵለንተናዊ መሓድሮን ተግባር ቤተ ክርስቲያንን

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ኣብ ምድሓን ሕይወትን ጭቡጥ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ምእንቲ ድኻታትን ሕሙማንን ትዋሳእ

ዕለት 16 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ናይ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ፍሉይ ሽማግለ፥ ብዶሆታትን ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን መልሲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ግብረ ሰናይን ስንዮታትን ኣስተንትኖን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበን፡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ሽማግለ ዝምርሓሉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶንን ናይቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፊ ኣሎይሲዩስ ጆን ከምእተሳተፉን ብዛዕባ ዝሳለጡ ዘለዎ ውጥናት መብርሂ ከምእተወሃበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ለብዒ ኮቪድ - 19 ከም ኩሉን ተራን ሕቶ ክንክን ጥዕና ከይኑ ተቐልቂሉን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብዘስንብድን ብዘየናሕስይን ምዕሩይ ኪደት መላእ ሰብኣዊ መዳይን ህልውናን ኣናዊጹን ኤኮኖምን ኣገባባት ሕይውትን ውሕስነት መግንብ ስነ ምርምርን ፖለቲካን ሰብ ሰርሖ ስነ ምርምራዊ ተበጽሖታትን ካልእ ኵሉ ተበጽሖታት እንብሎ ኣብ ሕቶ ዘእተወ ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ መደረ ዘስምዑ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ቱርኮስን ገሊጾም፥ ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ዝቖመ ጉዳይ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝከታተልን ዝዓይን ሽማግለ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን፡ እቲ ዝርአይ ዘሎ ኩነት እቲ ናይ ፍጥረት ገዓር ዝውክል ይሴባህ ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዋዲ መልእኽቲ እዋናውነትን ኣገዳስነትን ብኹሉ ይስትውዓል ኣሎ፡ እቲ ለብዒ ናይ ፍጥረት ሰብ ገዓር እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ናይቶ ተነቀፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ በዚ ለብዒ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም እቲ ሓደ ሲሶ ዝሽፍን ክፍሊ ውሁዳን ሕብረተሰብን ድኻታትን ብሓፈሻኡ ምንም ዓይነት ውሕሰነት ዘይብሎም እያቶም፡ ምእንቲ’ዚ ናይዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ገዓር ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ቅልውላው ከም እወታዊ ዕድል

እቲ ለብዒ ክንየው ዓለም ሓቆፍ ጸገም ምዃኑ “ዝበለጸ ዓለም ንምሕላን ዝድርኽ ኣጋጣሚ” ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ብድጋፍን ይኹንታን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እነሆ ኣብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እቲ ሽማግለ ክቐውም ገይሮም እዮም፡ እዚ ሽማግለ’ዚ ምስ ኩለን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዎት ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ምስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ብምትሕብባር ዝዓዪ እዩ ከምዝበሉ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

ዕዮን ዕላማን ናይቲ ዝቖመ ሽማግለ

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ኣብ ምድሓን ሕይወትን ጭቡጥ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ምእንቲ ድኻታትን ሕሙማንን ትዋሳእ፡ ድሕሪ እቲ ለብዒ ዝህልው መጻኢ እንታይ ክመስል ከምዝኽእልን ኣብ መዳይ ኤኮኖምን ማሕበራውን ኩሉ ቅዱስነቶም የስተንትኑን ሓሳቦምን ምዕዳኖምን እውን ይልግሱ፡ ነዚ መርሕ ብምግባር እውን ብዙሕ ይስራሕ ኣሎ። ስነ ምርምራውን ምህዞኣውን ኣንፈት ዘለዎ ዓለም ሓቆፋዊ መቕርብ ከምዘድሊ ይተሓሳስቡ።

እቲ በኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓሙሽተ ናይ ዕዮ ጉጅለ ኣቑይሙን ድሮ እውን ኣብ ዕዮ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡ ምስ ቅዱስነቶም እውን ርክብ ዘካይድ ምዃኑ ገሊጾም፡ . . . ሎሚ ነቒሕካ ምዕያይ! ጽባሕ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ እውን እንተዀነ ዘይቁሩብ ኮይንካ ንኸይትራኸቦ ይሕግዝ። ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቡ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስቲ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምርን ሕይወትን ተቕዋምን ምስ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋትን ምስ ነሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበርን ምስ ቤተ መድሃኒት ቫቲካንን ብምትሕብባር ይዓዪን ዝተፈላለዩ ርካባት እውን የካይድ። ዓማሚ ሓይል እውን ዳርጋ ቆይሙ ኣሎ ክትብል ይከኣል። ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን መልሲ ኣብ ምሃብ ህልው ኩነታት ንምብዳህ ኣብ ዝገብር ጻዕሪ ዘለዋ ብቕዓት ዝምስክር እዩ ኢሎም።

እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ድሮ ምስ ካሪታስ እንተርናዚዮናሊስ ብሓባር ይዓዪ ኣሎ፡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካንን ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘድልየን ድጋፍ ንምልላይ ይመያየጥ ኣሎ፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ኣብ ዓውዲ ስነ መሓድሮን ኤኮኖምን ስነ ጥዕናን ማሕበራዊ ደሕንነትን ኣብ ዝብል መዳይ ምስ ክኢላታትን ሊቃውንትን ብምርኻብ ስነ ምርምራውን ነቢያዊ መልሲ ኣብ ምልላይ ይረክብ፡ ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምርን ሕይወት ተቕዋምን ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ተቕዋም ብጥቡቕ ርክብ ይዓዩ ከምዘሎ ይሕብሩ። እቲ ሳልሳይ ጉጅለ፥ እቲ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንጥፍታቱን ተበጽሖታቱን ዘራኽብ እዩ፡ ብሓጺሩ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ጉጅለ ክትብሎ ይከኣል ምስ በሉ እቲ ራብዓይ ጉጅለ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ርክብን መድብለ ጎናውነት ርክባት ዘሳልጥ እዩ፡ እቲ ሓምሻይ ጉጅለ ብጠቕላል ንእዋናውን ድህረ ለብዒ ኮቪድ 19 መደባት ኣብ ምስላጥ ዝስላዕን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ኩሉ ግልጽን ንጹርን ብዘለዎ ኣገባብ ጸብጻብ ዘቕርብን ወጻኢታት ኩሉ ዝቆጻጸን ዝሕብርን እዩ ኢሎም፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝተፈላለያ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብን ንኣብነት ጆርጅታውን መንበረ ጥበብን ፖስትዳም መንበረ ጥበብን ናይ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ናይ ዓለም ጸጋታት ጉዳይ ዝምልከት ተቕዋምን ምስ ካልኦትን ዓበይቲ ተቕዋማት ርክባት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብቲ ለብዒ ዝተመልከተ ተኣፋፍነትና

እቲ ለብዒ ሰብ ከም ሰብን ከም ማሕበረሰብን ምስ ተኣፋፍነቱ ገጽ ንገጽ ዘራኽብ እዋን፡ ኣብዚ ናይ ሓባር ቤትና ብሓባር ንምንባር ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘለዎ ኣገዳስነት ክስትውዓል ይገብር፡ ምትሕብባር ኣብ ስነ ምርምርን ርኽበትን ተበጽሖታትን ስነ ምርምራትን ፡ እዚ ምትሕልላይን ምትሕብባርን ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻንን እተቕርቦ ጸጋታት ንኹልን ናይ ኵሉን ክኸውን ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ልዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብሩኖ ማሬይ ዱፈ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን እቲ ለብዒ ብኻልእ መዳይ ናይ ፍካሬና ክስራን ዘመላኸተ እዩ፡ ከም ሰብኣዊ  ስድራ ቤት ኩሉ ብሓባር፡ ሓደ’ኳ ንድሕሪ ክሕደግ ከምዘይብሉን ዘተሓሳስብ እውን እዩ፡ ብናይ ሓባር ናብራ ፍርሒ ናብ ተስፋን ናብ ሕውነትን ምልዋጥ ወሳኒ ምዃኑ ዘመላኽተናን ንድኻታት ሃገራት ቀረባ ምዃን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ እዩ፡ ፖለቲካን ዓለም ሓቆፍ ርክባትን ሰብ ዘማከለ ክኸውን ዘተሓሳስብ ዘሎ ቅልውላው እዩ ከምዝበሉ ካምፓኒለ ገሊጸን።

ናይቲ ለብዒ ጸገምን ጥምየትን

ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣውጉስቶ ዛምፒኒ ዳቪየስ እውን ብወገኖም እቲ ለብዕን ተተሓሒዚ ዝተኣታተው ዘሎ ሓድሽ ድኽነትን ነቲ ዝነበረ ዘብእስን ኩነት ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣባይቲ ትምህርቲ በቲ ልብዒ ምኽንያት ስለ ዝተዓጽዉ ልዕሊ 370 ሚሊዮን ዝግመቱ ድኻታት ሕጻናት ኣብ መዓልቲ ዝረክብዎ ዝነበሩ ናይ ምስሓ መኣዲ ከምዝሰኣኑን ንኣኣቶም ቤት ትምህርቲ ምኻድ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ዝተመጣጠነ መግቢ ዝረኽብሉ ዕድል እዩ ነይሩ ስለዚ ንእኣቶም ቤት ትምህርቲ ዘይምኻድ ንስእነት መግቢ ምቅላዕ ምዃኑ ሓቢሮም ምስ እዚ ተተሓሓሒዙ እውን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ምውሻብ ንስእነት ዕለታዊ እንጌራ ምቕላዕ እዩ፡ እቲ ጸገም ምውሻብ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ዘሎ ኢፍትሓውነት እዩ ንዝተደራረበ ጸገም ዝዳርጎም ዘሎ ከምዝበሉን ብሓጺሩ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል መሰረታዊ ፍትሒ ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፡ ምትሕብባር ናይ እዋንና ገዓር እዩ

ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዋና ጸሓፊ ኣሎይሲዩስ ጆን እውን ብወገኖም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝሃብዎ ውሳኔ መሰረት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምስ ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኮቪድ-19ን ሳዕቤናቱን ኣብ ምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ይዓዪ ከምዘሎ ሓቢሮም፥ ካሳብ እዚ እዋን እዚ 32 ውጥናትን ከምዝበጸሖን ካብኡ ን14 ውጥናት መሳለጢ ዝኸውን ወጻኢታት ከምዘጽደቐን እቲ ካልእ ይጽናዕ ከምዘሎን ዘድሊ መጽናዕቲ ምስ ተጠናቐቐ ዘድልይ መሳለጢ ዝኸውን ሃብት ከንዘብ ካብ ገበርቲ ሰናይ ንኽርከብ ክንቀሳቐስ ምዃን ከምዘመላኸቱ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ብዝብል መደብ ብዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ኣብ 14 ሃገራት እዚ ኸኣ ኣብ ኤኳዶርን ህንድ ፍልስጥኤምን ባንግላደሽን ሊባኖስን ቡርኪናፋሶን ዝርከበኦ ብጠቕላላ ንልዕሊ 7,6 ሚልዮን ሕዝቢ ድጋፍ የቕርብ ኣሎ ከምዝበሉ ኣተሓሒዞም እውን ብዙሓት ሃገራት ምስቲ ለብዒ ተተሓሒዙ ንዘጋጥመን ዘሎ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ጸገማተን ንኽብድሃ ናይ ወጻኢ ልቓሕ ዕዳኤን ካብ ወለድ ናጻ ክኸውንን ኣብ ኢራንን ሊባኖስን ሶርያን ልቢያን ቨነዝወላን ዝተደንገገን ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቀብ ክስረዝን ጻዎኢት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጠን።

ኮቪድ - 19: ቅልውላው መግባውነትን ኵለንተናዊ መሓድሮን ተግባር ቤተ ክርስቲያንን
20 May 2020, 15:49