ድለ

ካብ ሮማንያ ኣብ ጸረ ኮቪድ ተህዋስ ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣብነት ካብ ሮማንያ ኣብ ጸረ ኮቪድ ተህዋስ ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣብነት 

ካብ ሮማንያ ኣብ ጸረ ኮቪድ ተህዋስ ናይ ሓባር ጉዕዞ ኣብነት

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓገዝ መንፈሳውን ጉእዛውን እዩ፡ ነዚ መሰረት ብምግብር ኣብ ሮማኒያ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ብሓባር ንድገጋግፍ” ብዝብል መርሕ ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ ኣዋን ዘመሓላለፍዎ ቃልን ናይቲ መገሻኦም መረሕ ቃልን መሰረት ዝገበረ

ኣብ ዝኽሪ ናይ 2019 ዓ.ም. እቲ “ብሓባር ንጉዓዝ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሮማንያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እታ ኣብታ ሃገር እትርከብ ምስርቓዊን ላቲናዊትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ ተህዋስ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ጐድኒ ህሙማንን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ኣረጋውያንን ድኻታትን ኣብታ እተዳብዋ ሃገረ ሞልዳቪያ ከይተረፈ እውን ብእትነብሮ ቅርበትን ብእተቕርቦ ሓገዝን ትምስክሮ ከምዘላ ኣብ ሮማንያ ናይ ኢኣሲ ሰበኻ ወሃቢ ቃል ኣባ ኣድሪያን ብላዡታ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፋራንቸስኮ ሮማንያ ኮቭድ 19 ንምብዳህ ኣብ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ክንክን ጥዕና ንሓገዝ ዝውዕል ነታ ኣብ ሮማኒያ ኣዚዩ ብኮቭድ ተህዋስ ናብ ዝተጠቕዔ ዞባ ሱቸኣቫ ዝለገስዎ መሳርዕ ሕክምና ዘኪሮም፥ እዚ ብሓባር ምጉዓዝን ምድግጋፍን ዘተባብዕ እዩ ኢሎም። እታ ከተማ ሲቸኣቫ ኣብ ሮማንያ ጠቕላላ ብኮቪድ ተሕዋስ ካብ ዝተተቕዑ 25 ሚእታዊ እትሽፍን ከምዝኾነት እውን ኣዘኻኺሮም፥

ኮቭድ 19 ተህዋስ ኣብ ሮማኒያ

ርእሰ ብሔር ክላውስ ዮሃኒስ ዕለት 4 ግንቦት እቲ ኣብ ሮማኒያ ዝተደንገገ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ካብቲ ዝተወሰነሉ ዕለት 15 ግንቦት ናይ ግዜ ሓጺር ክንየው ዘይብል ምዃኑ ገልጾም እዮም፡ ይዅን ደኣ እምበር “ኵነት ተጠንቐቕ” ክቕጽል ግዴታ እዩ ቢሎም፡ ናብቲ ንብሩ ሕይወት ንምምላስ ዝግበር ኪደት ቀስ ብቐስ ዝብጻሕ እዩ ከምዝበሉ ኣባ ብላዡታ ሓቢሮም፥ ኣብ ሮማንያ ክሳብ ሕጂ 13 ሺሕ ዜጋታት ብኮቪድ ተህዋስ ከምእተለኽፉን 5 ሺህ ከምዝሓወዩን 250 ከኣ ኣብ ጽዑቕ ሕክምና ከምዝርከቡን ሓቢሮም ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምብዳህ ግዚያዊ ሕክምና ኣገልግሎት ጸር ኮቪድ መውሃቢ ኣባይቲ ሕክምና ይቐውም ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ለብዒ ይወርድ ኣሎ፡ እዚ ጽቡቕ ምልክታ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ትኵር ጥንቃቔ ምዝላቕ ኣየድልን ምስ በሉ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለኣዅዎ ሓገዝ ክንየው ቁሳውነቱ ዘጸግዎ መንፈሳዊ ክብሪ ኣሎ፡ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ዘበራትዕ እዩ፡ ኣብ ሮማኒያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ናይ ሩማኒያ ናይ ፖለቲካ ዓለም እውን ምስጋናኦም የቕርቡ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኩሉ ከምዝዝክሮ ዘንበሮ መርሕ ቃል፥ “ብሓባር ምጉዓዝ” ዝብል እዩ እዚ ኣብ ሮማኒያ ዝንበር ዘሎ ጭቡጥ ኩነት እዩ ኢሎም።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ህርኩት ጻዕሪ ኣብ ሮማኒያ

ናይ  ቤተ ክርስቲያን ሓገዝ መንፈሳውን ጉእዛውን እዩ፡ ነዚ መሰረት ብምግብር ኣብ ሮማኒያ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ብሓባር ንድገጋግፍ” ብዝብል መርሕ ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ ኣዋን ዘመሓላለፍዎ ቃልን ናይቲ መገሻኦም መረሕ ቃልን መሰረት ዝገበረ ካሪታስ እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ጨንፈር ኣብ ሮማኒያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዘነቓቕሖ ተበግሶታት ብዙሕ እዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ድዩ ኣብ ሓልዮ ንድኻታትን ዘኽታማትን ኣረጋውያንን ዝተፈላለዩ መደብ ግብረ ሰናይ ተሳልጥ፡ ኣብ ሮማኒያ ከይተሓጽረ ክሳብ ማልዲቨ ዝበጽሕ ግብረ ሰናይ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

 

05 May 2020, 15:13