ድለ

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ታውንሺፕ ዓቢይ  ስግኣት ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ታውንሺፕ ዓቢይ ስግኣት  ታሪኽ

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ታውንሺፕ ዓቢይ ስግኣት

እቲ ሕማም ንስእነት ስራሕ ዘቃልዖም እውን ብምዃኑ ዝብላዕን መኽፈሊ ገዛ ኽራይ ክሳብ ዝስእኑ ብዝኸፍኤ ደረጃ ንዝበኣሰ ድኽነት ይዳርጎም ስለ ዘሎ ምስቲ ኩሉ ሽግራቶም ርኢኻ ቤት ኣልቦ ምስ ዝኾኑ ገጋጥሞ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ዘሰክፍ ከምዝኸውን

ለብዒ ኮረና ተህዋስ - 19 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከፕ ታውን ብጻዕቂ እንተድኣ ተኣታትዩ ናይ ዘሕዝንን ክቢድን ሕልቂት ምኽንያት ከምዝኸውንን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብታ ከተማ ዞባ ድኻታት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋጵ ከባቢ ታውንሺፕን ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ላንጋን ካየሊትሻን ጉጉለቱን ንያንጋን ሻውላይ ከባቢ ክትገልጾ ናይ ዘይከኣል ሕልቂት ምኽንያት ከምዝኸውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘገልግሉ ዘለዉ ልኡካነ ወንጌል ኣባል ማሕበር ስካላብሪኒያኒ ኣባ ፊሊፖ ፈራሮ ሓቢሮም፡ ኦቶም ዝገለጽዎም ድኻታት ዋላ`’ኳ ብዞባዊ ኣገላልጻ ተቐማጦ ታውንሺፕ ይባሃሉ ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ኣይኮኑን ክበሃል ይከኣል፡ ኣባይቲ ስድራ ተጸቓቒጦም ኣብ ዝነብሩሉን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ ዓይነት ኣነባብራ ሕይወቶም ዝመርሑን እያቶም፡ ክንየው ስግኣት እቲ ሕማም ንስእነት ስራሕ ዘቃልዖም እውን ብምዃኑ ዝብላዕን መኽፈሊ ገዛ ኽራይ ክሳብ ዝስእኑ ብዝኸፍኤ ደረጃ ንዝበኣሰ ድኽነት ይዳርጎም ስለ ዘሎ ምስቲ ኩሉ ሽግራቶም ርኢኻ ቤት ኣልቦ ምስ ዝኾኑ ገጋጥሞ ዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ዘሰክፍ ከምዝኸውንን ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ቶውንሲ ዓቢይ  ስግኣት
ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ቶውንሲ ዓቢይ ስግኣት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እርግማን ድዩ ዕድል ሕብረተሰብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ተቐማጦ ታውንሺፕ ምስ ሕማም ምንባር ዝተለማመደ እዩ ዝመስል፡ እዚ ሓድሽ ዝርአይ ዘሎ ተህዋስ ነቲ ምስ ጸገም ምንባር ንቡር እዩ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ናይቲ ህዝቢ ከይተረፈ ንሓደጋ እዩ ዘቃልዕ፡ ዓባይ ሰዓልን ሕማም ኤይድስን ሕጂ ኸኣ ተህዋስ ኮቪድ የጋጥም ኣሎ፡ ነዚ ዝበሉ ኣባ ፊሊፖ ፈራሮ ኣስዒቦም ካብ መላእ ኣሃገራት ኣፍሪቃ ግብጽን ደቡብ ኣፍሪቃን እየን እተን ኣዚየን ብተህዋስ ኮቪድ - 19 ኣዚየን ዝተጠቕዓ፥ ሓሙሽተ ሺሕ ዝተለኽፉን 93 ከኣ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ይሕብሩ።

እዞም ኢጣሊያው ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ስካልብሪኒያኒ ናይቲ ብማሕበሮም ዝተመስረተ ተቕዋም ሰብኣዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣመሓዳሪ ኣባ ፈራሮ ኣብታ ሃገር ካብ 2014 ዓ.ም. ዘገልግሉ ዘለዉ ክኾኑ እንከለዉ ምስ ተወላዲ ፊሊፒንስን ተወላዲ ኮንጎን ብጾቶም ካህናት ኣባል ልኡካነ ወንጌል ስካላብሪኒያን ብሓባር ስደተይንታት ኣብ ምእላይ ይርከቡ፡ ቋንቋ ኢንግልዝኛን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕንጸት ዘቕርቡን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ የሳልጡን 25 ሕጻናትን መንእሰያትን ዝእለይሉ ማእከል ኣባይቲ ስድራ ዘመሓድሩ እውን ምዃን ይሕብሩ።

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ቶውንሲ ዓቢይ  ስግኣት
ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ቶውንሲ ዓቢይ ስግኣት

እቲ ለብዒ ንምድራት

መንግስቲ ርእሰ ብሔር ሲይሪል ራማፎሳ፥ ኮሮና ተህዋስ ንምብዳህ ናይ ተወሸብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉን ካብ ዕለት 1 ግንቦት ድማ ኩሉ መኸወሊ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ግድን እንክብል ከምዝወሰነን፡ እቲ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ እቲ ለብዒ ዘርእዮ ለውጢ መሰረት ከዝልቖ እውን ምዃኑ ከምዘፍለጠን፡ ነዚ ድንጋገ’ዚ ንምኽባር ቅድም ክብል 2500 ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ተዋፊሮም ከምዝነበሩን ሕጂ ግን እቲ ብዝሒ ናብ 73 ሺሕ ከብ ከምዘበለ ይገልጹ።

ካብ ኮንጎን ማላዊን ዛምቢያን ዝመጹ ስደተይናታት ብዙሓት ከምዝኾኑ፡ ክሳብ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመቱ ስደተይናታት ከምዘለዉ እዩ ዝግመት፡ ዝበዝሕ ቁጽሪ ስደተይና ኣብ ክፍለ ከተማታት ዱርባንን ኬፕታውንን እዩ ዝርከብ፡ መብዛሕቲኦም ከኣ ብነኣሽቱ ንግድን ኣገልግሎት ጽርየትን ናይ ገዛ ስራሕን ኣብ ምክንኻን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራን እያቶም ዝዓዩ፡ ሕጂ ግን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ንስእነት ስራሕ ይቃልዑ ከምዘለዉን እዚ ኸኣ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ይዳርጎም ኣሎ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ማእከል ነቶም ስደተይናታትን ብተመሳሳሊ መገዲ ንሓደጋ ንዝቃልዑ ደቂ ዓዲ ውን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ ሓቢሮም እቲ ዝቐርብ ሓገዝ ናይ ኩሉ ሽግር ዝፈትሕ ኣይኮነን ስለምታይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቁጽሪ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ምስ በሉ፡ ምስ ብጾቶም ኮይኖም ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝቐርብ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ይዓዩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኮሮና ተህዋስ ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃ፡ ንስደተይናታትን ንተቐማጦ ቶውንሲ ዓቢይ ስግኣት
30 April 2020, 18:42