ድለ

ማሕበር መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ማሕበር መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ 

ማሕበር መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ

ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን ፍርሕን ብዝከኣለካን ኩነቱ ብዝፈቕዶ ኣገባባት ኵሉ ቀረባ ምዃን ዝድግፍ

ጳጳሳዊ ማሕበር መረብታዊ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ ካብ 60 ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 120 ዝግመቱ መንእሰያት ብማሕበራዊ መረብት ርክብ ዝካየድ ናይቲ ማሕበር ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ የካይድ ከምዘሎን ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ 19 ተኸሲቱ ኣብ ዘለሉ እዋን እቲ ኣኼባ ብምርኻብ ዘይኰነ ብመረብታዊ ርክባት ዝካየድ ኰይኑ ብዛዕባ እዚ እንነብሮ ዘሎና ዓቢይ ስግኣት ኣብ ምምይያጥን ንሓድ ሕድ ኣብ ምድግጋፍን ይርከቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼብ እቶም መንእሰያት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ሃገሮምን ኣባይቶምን ዝንበር ዘሎ ተመክሮ ብምልውዋጥ ዝስምዖን ፍርሕን ዝስማዕ ዘሎ ማሕበራዊ ውጥረትን ናቶም ገይሮም ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን ፍርሕን ብዝከኣለካን ኩነቱ ብዝፈቕዶ ኣገባባት ኵሉ ቀረባ ምዃን ዝድግፍ ሓሳብ ኣብ ምልውዋይ ይርከቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ናይቲ ሓድሽ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለ ተጠቀምቲ ክዀኑን ኣብዚ ነዚ ምዕባለ ናይ ምጥቃም ኪደት ክኢላታትን ሰብ ሙያን ክድግፍዎምን ብፍላይ ንትኽክል ኣጠቓቕማኡ ብዝመርሕ ስነ ምግባራዊ  መንጽር ክጥቀምሉ ዝድግፉ ክኸውን እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ብዙሓት ድኻታት ተመሃሮ መንእሰያት ካብቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ምጥቃም ንዝተነጸሉ ንምድጋፍ ኣሚቶም ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣቢያተ ትምህርቲ ብዝብል ስም ዘቖምዎን ክኸውን እንከል ነዚ ተመክሮ ገይሮም እቲ ማሕበር ኣብ 2013 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ኰይኑ ክቐውም ከምዝገበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ናይ ግልን ናይ መንግስትን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘራኽብን ተመክሮታት ንምልውዋጥ ዝሕግዝን ድኻታት ኣቢያተ ትምህርትን ተመሃሮን ምስ ከይዲ ምዕባለ ክስጉሙ ኵለ መደያዊ ድጋፍን ሕንጸትን ዘቕርብ እዩ። ዓለም ፈላላይ መናድቕ ዘይብሉ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ዝብል ሸቶ ዘንበረ እውን ምዃኑ ይፍለጥ።

02 April 2020, 15:04