ድለ

ጆቫኞሊ፡ መንግስታት ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጐደና ከብሉ ንር.ሊ.ጳ. ይስምዑ ጆቫኞሊ፡ መንግስታት ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጐደና ከብሉ ንር.ሊ.ጳ. ይስምዑ 

ጆቫኞሊ፡ መንግስታት ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጐደና ከብሉ ንር.ሊ.ጳ. ይስምዑ

ኣብ ታሪኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋጥር ከጋጥም ኣይተራእየን ክበሃል ይክኣል፡ ብዛዕባ ለብዒ ክንሓስብ እንኮለና፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እዚ መንቀራቕሮ’ዚ መዋዕላዊ እንክብሉ ንመንግስታት ኮነ ንህዝቢ ኣተሓሳስቦም ኩሉ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክዋፈር ይሓቱ

እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣዚዩ ኣናተኣሳሰረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብዚ መዋጥራዊ ኣብ ዝኾነ መዋዕል ምእንቲ ናይ ኵሉ ረብሓ ንምርግጋጽ መርሓ ጐደናን ሎምን ጽባሕን ዘጣመረ ጽቡቕ ድላይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ኣጐስቲኖ ጆቫኞሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብቲ ዕለት 20 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ጸሎት ሓስብ ዝገበርዎ ናይ ፖለቲካ ዓለም ዘማእከለ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ጳውሎስ ሻድሻይ “ፖሊቲካ ዝለዓለ ኣገባብ ግብረ ሰናይ እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ኣቃሊሖም ንናይ ሃገራት ናይ ፖለቲካ ውድባት፥ “ኣብዚ እዋን ለብዒ ብሓባር ናይ ሃገራቶምን ህዝቦምን ረብሓ እምበር ንናይ ፖለቲካ ጉጅለታቶም ረብሓ ዘናድዩ ከይኮኑ” ዝበልዎ ሓሳብ ነቲ ኣመና ኣገዳስን መሰረት ዝኾነን ክብሪ እዮም ዘዘኻኽሩ ዝበሉ ናይ ታሪኽ ሊቅ ኣብ ሚላኖ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ መምህር ጆቫኞሊ፡ ኣብዚ እነሕልፎ ዘሎና ፍሉይ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትኽ ብዝበለ ኣገላልጻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓሳብ ደጋጊሞም ተዛሪቦም እዮም፡ ሕጂ ከኣ ብቐጥታ ብዛዕባ ናይ ምሕደራን ፖለቲካን ይዛረቡ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ከኣ እቲ ዝተኸስተ ለብዒ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ብፖለቲካ መዳይ ምዕሪት ኣብ ዘይብሉ እዋን ዘጓንፍ ዘሎ እዩ፡ እዚ እቲ ናይ ፖለቲካ ዓለም ምርጫ ክስዕርን ድምጺ ክረክብን ጥራሕ ኣብ ዝብል ድላይ ኣብ ዝተንበረክኸሉ እዋን እዩ፡ እዚ ሕዝብነተ’ዚ ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ጽባሕ ዘይጥምት ሓጺር መልሲ ብምቕራብ ከምቲ ኣብዚ እዋን እንርእዮ ዘሎናን ነቲ ምውሻብ እውን ኣገዳሲ ክነሱ መነቓቕሒ ተቓውሞ ንኽግበርዎ ዝፍትኑ ይመስሉ ኢሎም።

መንግስታት ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጐደና ከብሉ
መንግስታት ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጐደና ከብሉ

ኣብ ታሪኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋጥር ከጋጥም ኣይተራእየን ክበሃል ይክኣል፡ ብዛዕባ ለብዒ ክንሓስብ እንኮለና፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እዚ መንቀራቕሮ’ዚ መዋዕላዊ እንክብሉ ንመንግስታት ኮነ ንህዝቢ ኣተሓሳስቦም ኩሉ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክዋፈር ይሓቱ፡ ስገር ብሔራዊ ጥቕሚ፡ ኣብ ዓውላማዊ ዓለም እቲ ለብዒ እውን ዓውሎማዊ እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ኣክንዲ ገንዘብ ምምላኽ ድኽታት ናይ ሕብረተሰብን ናይቲ ናይ  ሓባር ረብሓ ኵለንተናዊ ኣካል ምግባር፥ ኣክንዲ ዝተገማምዔን ኢጎነትን በቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ብዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም መንግስታት ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ከይዲ ኣፋፍኖትን ጭቡጥነትን ርሑቕ ናይ ምጥማት ብቕዓት ክህልዎም ይምዕዱ።

ንኣብነት ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብሓድሽ መንፈስን ስልትን እዩ ዳግም ዝተበገሰ፡ ንኣብነት ምቛም ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤትን ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ማሕበርን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማት ዘቖመ ራእይ ተራእዩ እዩ፡ በዞም ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማት ኣቢሉ ዓለም ዝተፈላለዩ ጸገማት መታን ክብድህ። ስለዚ ራእይ እንተዘይብልካ ሕጂ እውን ናይቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሳዕቤናቱ ንምብዳህ ከቢድ እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ድቡቕ ድላይን ፍቓድን ወሳኒ እዩ ኢሎም፡ እዚ ጽቡቕ ድላይን ፍቓድን ንገዛእ ርእሱ ናይ ሓጺር እዋን ውጥን ዘነቓቕሕ ክኸውን የብሉን፡ ዝቕባበ ጽቡቕ ድላይን ፍቓድ ይረአይ ስለ ዘሎ። ስለዚ ካብቲ ጸገም ንምልቓቕን ነቲ ጸገም ንምብዳህን ዝግበር ከይዲ ዘሰናኽል ኩሉ ክእለይ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ እቲ መፍትሒ ቢልካ እተቕርቦ ሓጺር ዕድመ ከምዝህልዎ የብርሁ።

እዚ ለብዒ’ዚ ስእነት ስራሕ ክፈጥርን ብዙሓት ብዘይ ስራሕ ከትርፍን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ዝነበረ ድኽነት ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ የብጽሖን ሓድሽ ድኽነት ይፈጥር፡ ድሮ ኣባያቲ ስድራ ንቤቶም ዕለታዊ እንጌራ ክሳብ ንምቕራብ ዘይክእልሉ ደረጃ ንኽበጹ ይገብር ኣሎ፡ ብዙሓት ወለንተይናታትን ናይ ረድኤት ተቕዋማትን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ካልኦትን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ድኻታት ሃገራት ብጠቕላላ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ ዝኸውን፥ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ዘለዎ ሓሳብ ድዩ ምዕዳን ድሕሪ እቲ ለብዒ ብዝለዓለ ደረጃ ድኽነት ንናይ ብዙሓት ህልቂት ምኽንያት ከይኸውንን ናይ ድኽነት ለብዒ ከይህሉን መገዲ ዘመላኽት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ጆቫኞሊ፡ መንግስታት ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጐደና ከብሉ ንር.ሊ.ጳ. ይስምዑ
22 April 2020, 14:33