ድለ

ኣይቮርይ ኮስት፥ ኡኣታራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝኻየደ ምርጫ ከምዘይሳተፉ ኣይቮርይ ኮስት፥ ኡኣታራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝኻየደ ምርጫ ከምዘይሳተፉ 

ኣይቮርይ ኮስት፥ ኡኣታራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝኻየደ ምርጫ ከምዘይሳተፉ

እቲ ዘበገስዎ ሕዳሴ ዘተኣታተዎ ተቕዋማዊ ምቅይያራት ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ዝቖመ ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ይዓዪ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ዝተኣታተወ ለውጢ ሕዝባዊ ምርጫ ዝምልከ ሕድሽ ሕጊ እዩ

ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ኡኣታራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ፡ ርእሰ ብሔር ንኽዀኑ ንሳልሳይ ግዜ ሕጹይ ኰይኖም ከምዘይቐርቡ ከምዝሓበሩን፡ እዞም ሃገሮም ንዓሰርተ ዓመታት ዝመርሑ ዘለዉ 78 ዓመት ዝዕድመኦም ኡኣታራ ሃገሮም ሕድ ሕዳዊ ውግእ ብዘስዓቦ ከቢድ ማሕበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ኣብ ከቢድ ስቓይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ስልጣን ንዝነበሩ ርእሰ ብሔር ላውረንት ግብግቦ ኣብ 2011 ዓ.ም. ተኻይዶ ኣብ ዝነበረ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒሮምን ዋላ’ኳ ግባግቦ ከም እተሰዓሩ ኣሚኖም ስልጣኖም ከረክቡ ድላይ ዘይነበሮም እውን እንተነበረ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ስልጣኖም ተረኪቦም ኣብቲ ጽንኵር እዋን ዝመርሑ ብዙሕ ለውጢ ዘምጽኡ እውን እንተዀኑ እታ ሃገር ብሔራዊ ዕርቂ ዘድልያ ምዃና ነቲ ናይ ርእሰ ብሔር ኡኣታራ ውሳኔ ኣማእኪሎም፡ ተልእዀ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኰምቦናዊ ካህን ኣባ ጁሊዮ ኣልባነሰ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ርእሰ ብሔር ኡኣታራ ዝወሰድዎ ውሳኔ ብሱልን ሰናይን እዩ፡ ንሓድሽ ወለዶ ዕድል ዝህብ፡ ኣብ ሃገራዊ ሓላፍነት ንኽዋስኡ ዝድግፍ እዩ ኢሎም።

ኣይቮርይ ኮስት ብብዙሕ ዓሌት ዝተገማምዔት እያ፡ እዚ ህብረ ዓሌት’ዚ ኣብ ማዕቅፍ ዓውሎማነት እዩ ክንበብን ክንበርን ዘለዎ፡ ኣብ ናይታ ሃገር ኤኮኖሚ ቻይና ብዙሕ ሃብቲ ገንዘብ ተዋፍር ከምዘላን፡ ናይ ፈረንሳ ነበር ግዝኣት ብምዃና ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ረብሓታ ኣለዋ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣይቮርይ ኮስት ኣብ ናይ ሕዝባን ብሔራውን ረብሓታት ከተትኵር ኣለዋ ኢሎም።

ናይ ኣይቮርይ ኮስት ሉኣላውነት ውሑስ ንኽኸውን ርእሰ ብሔር ኡኣታራ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት በመለኻኽታኦም መሰረት ብዙሕ ጽዒሮም እዮም፡ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅን ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዋሊ ሃብቲ ገንዘብ ብዙሕ ዘገልገሉን እውን እዮም፡ ስለዚህ ካብ ዘለዎም ተመክሮ እቲ ዝወሰድዎ ውሳኔ ክትጽበዮ ዝከኣል እዩ፡ ንናይ ውሽጢ ሃገር ናይ ፖለቲካ ኣባላት ኣብነት እዩ ኢሎም።

እቲ ዘበገስዎ ሕዳሴ ዘተኣታተዎ ተቕዋማዊ ምቅይያራት ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ዝቖመ ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ይዓዪ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ዝተኣታተወ ለውጢ ሕዝባዊ ምርጫ ዝምልከ ሕድሽ ሕጊ እዩ፡ እዚ ለውጢ’ዚ ክውን ክኸውን ናይ ኵሉ ድላይ ይሓትት፡ ኣብዚ መዳይ በርገሳውያን ማሕበራትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን  እውን ዓቢይ ግደ ኣለወን፡ ናይ ሓገርን ሕዝብን ረብሓ ምቕዳም ኣብ ዝብል ጻዕሪ።

ሓደ ናይ ፖለቲካ ኣካል ንመዋእል ኣብ ስልጣን ክነብር ኣይከእልን ንዅሉ ናይ ዕድመ ገደብ ኣለዎ፡ ስለዚህ እቲ ዝወሰድዎ ውሳኔ ዝነኣድን ኣብነታውን እዩ፡ ስልጣን ነገልግሎት ደኣ እምበር ንኽትግልገል ኣይኰነን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣይቮርይ ኮስት፥ ኡኣታራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝኻየደ ምርጫ ከምዘይሳተፉ
09 March 2020, 15:09