ድለ

ዝውውርን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ናብ ማእከላይ ምብራቕን ይሰፍሕ ዝውውርን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ናብ ማእከላይ ምብራቕን ይሰፍሕ 

ዝውውርን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ናብ ማእከላይ ምብራቕን ይሰፍሕ

እቲ ዝተፈላለየ ምስሕሓባትን ውግእን ዝበራረየኡ ከባቢማእከላይ ምብራቕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዘይምርግጋእ ዘብል ኰይኑ ካብ ጠቕላላ ዓለም ዝውውርን ንግድን ኣጽዋር እቲ ሓደ ሲሶ ናብቲ ከባቢ ዘበለ እዩ፡ እዚ እውን እቲ ኣብ ሶሪያን የመንን ዒራቕን ሊቢያን ዝርአይ ዘሎ ውሽጣዊ ውግእ መዕለቢ ከይረክብ ዝግበር ዘሎ እዩ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሰላም ተማራማሪ ማእከል ካብ 2015 ክሳብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ዝውውርን ንግድ ኣጽዋር ውግእ ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብ 5.5 ሚእታዊ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብ 61 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንግድን ቀረብን ኣጽዋር ውግእ ኣብ ማኣከላይ ምብራቕ ኣዚዩ ብዝለዓለ ደረጃ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉን፡ ቀንዲ ተሓተቲ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩሲያን ፈረንሳን ጀርመንን ቻይናን እያተን፡ ነዚ ዝበሉ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ስላም ተማራማሪ ማእከል ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣሞርኵይዞም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ተቕዋም ዓለም ሓቆፍ ምርጋፍ ኣጽዋር ቤት መዝገብ ምኽትል ኣቦ መንበር ማውሪዚዮ ሲሞነቸሊ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካብ ተስዓታት ንነጀው ዝርአይ ዘሎ ንግድን ዝውውርን ኣጽዋር ውግእ ንወተሃደራዊ ጉዳይ ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብን ኣዚዩ ክብ እናበለ ከምዝኸደን፡ ብፍላይ ካብ 2000 ዓ.ም. ንነጀው ዘሎ ዝምልከ ከይኑ፡ ዓለም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኤኮኖሚ እውን ይሃሉ፡ ንውግእ ኣጽዋር ሃብቲ ገንዘብ ኣይስኣንን፡ እቲ ዝሕዝን ከኣ ንሱ እዩ፡ እቲ ንውግእ ኣጽዋር ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ንምፍታሕ ዝውዕል ነይሩ እንተዝኸውን እንነብረሉ ዓለም ካብ ኣብ ውግእ ኣብ ሰላም ክብ እናበለ ምኸደ ነይሩ።

ውግእ ኣብ ሶርያን የመንን ዒራቕን ሊቢያን

እቲ ዝተፈላለየ ምስሕሓባትን ውግእን ዝበራረየኡ ከባቢማእከላይ ምብራቕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዘይምርግጋእ ዘብል ኰይኑ ካብ ጠቕላላ ዓለም ዝውውርን ንግድን ኣጽዋር እቲ ሓደ ሲሶ ናብቲ ከባቢ ዘበለ እዩ፡ እዚ እውን እቲ ኣብ ሶሪያን የመንን ዒራቕን ሊቢያን ዝርአይ ዘሎ ውሽጣዊ ውግእ መዕለቢ ከይረክብ ዝግበር ዘሎ እዩ፡ ብዙሕ ዝንገረሉ እውን እንተዘይኰነ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ሊቢያን ግብጽን ንግድን ዝውውርን ኣጽዋር ብሰፊሕ ዝረአይሉን ቀንዲ ምኽንያት ዘይምርግጋእ እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

ሱዕዲ ዓረብ

እቲ ናይ ስቶኮልም ጸብጻብ ካብ ዘመላኽቶ ሓደ እውን፡ ብዛዕባ ሱዕዲ ዓረብ ዝምልከት እዩ፡ ሱዕዲ ዓረብ ካብ ዓለም እቲ ዝዛየደ ውግእ ኣጽዋር ናብ ውሽጢ ሃገር እተእትው፡ እታ ዝዓበየት ዓሚል ናይ ኣጽዋር ውግእ ኢንዳስትሪታት ምዃና ዝንገረላን ብ 130 ሚእታዊ ክብ ከምዘበለት እውን ጠቒሶም፡ 73 ሚእታዊ ካብ ሕቡራ መንግስታት ኣመሪካን 13 ሚእታዊ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን፡ እዚ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ውግእን ንኸተንብቦ ዝድግፍ ሓቂ እዩ። ብሃደ ሸነኽ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ እቲ ውግእ ደው ክብልን ክውገድን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰንን ክብርን ማዕቅብ ንግድ ኣጽዋርን መሰረታዊ መልሲ ምዃኑ ይንገር፡ ካብ 2003 ዓ.ም. ክሳብ 2007 ዓ.ም. ዝውውርን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ኪደቱ ክረአ እንከሎ እቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዘቕነዔ ዕዳጋ ኣጽዋር ውግእ ካብ ክልተ ሚእታዊ ናብ 17 ሚእታዊ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዓም. ብ 35 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ ይንገር፡ ስለዚህ ማዕቅብ ንግድ ኣጽዋር ሓሳብ እምበር ክትግበር ኣይተራእየን፡ ስለምንታይ ምስ ውልቃዊ ረብሓታት ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ እዩ ኢሎም።

ኤውሮጳ

ኣብ ንግድን ኣቕርቦትን ውግእ ኣጽዋር ቀንደይና ተዋሳኢት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እያ፡ ብኤውሮጳ ደረጃ ድማ እንተርኢኻዮ  ሕቡራት ግዝኣተ ንጉስን ፈረንሳን ኢጣሊያን ጀርመንን ብተርታ ይስርዓ፡ ኣብ 2017 ዓም. ኢጣሊያ ድሕሪ ፈረንሳ እትስራዕ ሃገር እያ፡ ብዛዕባ እተካይዶ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ዝሕብር ጸባጻባት ብዙሕ እዋን ደንጒያ እተቕርብ ሃገር እውን እያ ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ ውዕላት

ኣብ 2017 ዓ.ም. ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ምርግጋጽ ውዕሊ ንእገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ  ኣብ ሂሮሺማ ተረኺቦም፡ ምውናንን ምምራትን ኑከለሳዊ ኣጽዋር ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ንግድን ዝውወርን ምህርቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝዅንን ዘስምዕዎ መልእኽቲ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም. ዛዕባ ንግድ ኣጽዋር ዝምልከት ናይ ሕቡራት መንስታት ዓለም ጠቕላሊ ጉባኤ ዘቕረቦ ናይ ውዕሊ ሰነድ፡ ዝተፈረመ እውን እንተዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሃገር ሕጊ ኰይኑ ብብሔራዊ ደረጃ ስለ ዘይጸደቐ ገና ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን፡ እተን ኣብ ንግድን ኣቕርቦትን ኣጽዋር ውግእ ዓቢይ ግደ ዘለወን ሃገራት፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቻይናን ሩሲያን ክታመን ኣየንበራሉን፡ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ቅዋም ሃገር፡ ዓንቀጽ 185/1990 ዓ.ም. ኢጣሊያ ውግእ ናብ ዝካየደለንን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናብ ዝገሃሰለን ሃገራት፡ ንግድን ኣቕርቦትን ውግእ ኣጽዋር ኣይተካይድ እንክብል ይእዝዝ፡ እዚ ትእዛዝ ግና ኢጣሊያ ኣብ ወተሃደራውን ሓይሊ ምክልኻልን ጉዳያት እተካይዶ ክሌኣዊ ስምምዕ ዝጠሓስ ይኸውን፡ ክሌኣዊ ስምምዕ እቲ ሕጊ ንምኽባሩን ዘይምኽባሩን ወሳኒ ይኸውን፡ ኢጣሊያ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ካብ ውድብ ውዕል ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ሃገራት ወጻኢ ምስ 50 ሃገራት ኣብ ጉዳይ ወተሃደራውን ሓይሊ ምክልኻል ዝተፈላለዩ ስምምዓት ዝተፈራረመት ሃገር እያ፡ ስለዚህ ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንሰላም ዝወሃብ ዕድል ትሕቲ ዜሮ ምዃኑ ተስተውዕል እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዝውወርን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ናብ ማእከላይ ምብራቕን ይሰፍሕ
10 March 2020, 16:29