ድለ

ሶሪያ፥ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብቑሪን ኣሽእሓይታን ዝሳቀዩ ሓገዝ ክቐርብ ሶሪያ፥ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብቑሪን ኣሽእሓይታን ዝሳቀዩ ሓገዝ ክቐርብ  

ሶሪያ፥ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብቑሪን ኣሽእሓይታን ዝሳቀዩ ሓገዝ ክቐርብ

ውግእን ሳዕቤናቱን ብኽትሩ ቁሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሕቝፎ ኣቦኣ ሕይወታ ዝሓለፈ ሕጻንን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 16 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥ ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ንገዶ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ

ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶሪያ ኣስታት 800 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ብጽንኵር ሰብኣዊ ኵነት ምኽንያት ሕይወቶን ንኸድሕኑ ይመዛበሉን ይስደዱን ከምዘለዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸምጻብ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ኣለፖ ለይቲ ዘሎ መጠን ቁሪ  ሸውዓተ ቅያስ ትሕቲ ዜሮ ከምዝበጽሔን ሕዝቢ ምስቲ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ ጸገም ከቢድ ቍርን ተወሲኽዎ ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክለመንት ጂንባርት ምስ ቫቲካን ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ን500 ብከቢድ ድኽነት ዝተጠቕዑ ኣባይቲ ስድራ ድጋፍ ንምቕራብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ግሊ ማኪና ከምዝሸጡ እውን ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውግእን ሳዕቤናቱን ብኽትሩ ቁሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሕቝፎ ኣቦኣ ሕይወታ ዝሓለፈ ሕጻንን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 16 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥ ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ንገዶ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፡ ኣብ ሶሪያን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርአይ ውግእን ዓመጽን ደው ክብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፡ ብእግሮም ናብ ቤት ሕክምና ሕጻን ጓሎም ንኸብጽሑ እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ሕቅፎኦም ዝዓረፈት ጓል ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኢማን ዝስማ ሕጻን ታሪኽ ናይቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ምስታ ካብ ውግእን ዓመጽን ዘምለጠት ናብ ኤውሮጳ ንኽትሰግር ኣብ ጉዕዞ ዝነበረት ስድራ ቤቱ ብሓባር ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዝነበረ ኣብ ቱርኪ ገማግም ባሕሪ ቦድሩም ሬሳኡ ምስ ዝተረኽበ ኣላን ዝስሙ ሕጻን ታሪኽ ዝመሳሰልን እዚ ዅሉ ስቓይን መከራን ምእንቲ ምንታይ?

ኣብ ኣለፖ ናይ ግሪክ መልቂጣዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስን ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ናይ መልቂጣዊ ስርዓት ምእመናን ሓዋጼ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክለመንት ዢንባርት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት፡ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ኣብ ሶሪያ ሰላም ክወረድ ብጸሎት ኰነ እቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውጥረትን ዓመጽን ክውገድ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ጻዕርታቱ ከበራትዕን ምእንቲ ሰላም ክሽምግልን ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከብ ሕዝቢ ሰብኣዊ ድጋፍ ከቕርብ ምእንቲ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም፡ እቲ ዘሎ ጽንኵር ኵነት በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ወቕቲ ክረምቲ እዚዩ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ችግር ይረርግ ምህላዉ ሓቢሮም፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ዋና ከተማ ባሪ እምነትን ሕውነትን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ውግእን ድኽነትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝመያየጥ ጉባእያዊ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ክካየድ ምዃኑን፡ እቲ ጉባእያዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳንን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ዝዛዘም ምዃኑ እውን ዘኪሮም ብሓቂ ቅዱስነቶምን መላእ ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ህዝቢ ሶሪያ ጉዳይ ናቶም ገይሮም ምእንቲ ሶሪያ ድምጾም ከምዘስምዑ ርግጸይና እየ ቢሎም፡ ሕዝቢ ሶሪያ ዝሓትቶ ሰላም እዩ፡ እቲ ርክብ “ንናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ሕዝብታት ትጽቢታት ጽምጺ ንምዃን ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሶሪያ፥ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብቑሪን ኣሽእሓይታን ዝሳቀዩ ሓገዝ ክቐርብ

Photogallery

ሶሪያ፥ ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብቑሪን ኣሽእሓይታን ዝሳቀዩ ሓገዝ ክቐርብ
18 February 2020, 17:00