ድለ

16-04-2ንመላእ ሃገራት ኤውርጳ ጳጳሳት ካብ ሰለስተ ካርዲናላት ዝቐረበ ጽዋዒት ምእንቲ ስደተይናታት ለስቦ 16-04-2ንመላእ ሃገራት ኤውርጳ ጳጳሳት ካብ ሰለስተ ካርዲናላት ዝቐረበ ጽዋዒት ምእንቲ ስደተይናታት ለስቦ 

ንመላእ ሃገራት ኤውርጳ ጳጳሳት ካብ ሰለስተ ካርዲናላት ዝቐረበ ጽዋዒት ምእንቲ ስደተይናታት ለስቦ

“ኣብ ቁምስናታትን መንፈሳዊ ማሕብራትን ገዳማትን ቅዱሳት ስፍራን መላእ ኤውሮጳ ወንጌል ብጭቡጥ ተመክሮ ዝገብር ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣባይቲ ስድራ ከአንገዱ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም መበገሲ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን፥ “ምሕረት ናይ ፍቕሪ ካልኣይ ስሙ እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽን ችዘርንይን ካራየውስኪን እቶም ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንገዳ ክረኽቡ ዝምሕጸን ናብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ደ ኣንጀሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ተስፋ መስኰት ዘርህው ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ንናይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓትት ገዓር ዝሰምዕ ዝተወሃበ መልሲ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ኤውሮጳ ክንበርን ተመክሮ ኰይኑ ክምስከር ዝምሕጸን ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽን፡ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጭንፈር ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይን፡ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪን፡ ብሓባር ዝኸተምዎ ደጋጊሙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መልእኽትታቶም ዝጠቅስ ሰታሪት ናብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ከምእተመሓላለፈ ደ ኣንጀሊስ ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣተኵሮ ንለስቦን

እታ ናይቶም ሰለስተ ካርዲናላት ሰታሪት፥ ዕለት 16 መስከረም 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፥ “ኣብ ቁምስናታትን መንፈሳዊ ማሕብራትን ገዳማትን ቅዱሳት ስፍራን መላእ ኤውሮጳ ወንጌል ብጭቡጥ ተመክሮ ዝገብር ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣባይቲ ስድራ ከአንገዱ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም መበገሲ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን፥ “ምሕረት ናይ ፍቕሪ ካልኣይ ስሙ እዩ” ዝበልዎ ጥልቂ ቃል ጠቒሶም፡ ልክዕ ነዛ ጻውዒት ኣቕሪቦም እውን ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ማለት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.  ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቦ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም 20 ሺሕ ስደተይናታትን ኣባይቲ ስድራን ተራኺቦም፥ “ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንገዳ ክረኽቡ ጻውዒት አቐርብ” ከምዝበሉን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እውን ብፁዕ ካርዲናል ክራወስኪን ካርዲናል ሆለሪኽን ኣብቲ መዕቆቢ ስደተይናታት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ ይዝከር።

መረባ ሰብኣዊ

ሓድሽ ወንጌላዊ ሓይላት ምንቕቓሕ ናይ ክርስትና ሓላፍነትን ዕድመን እዩ፡ በዚ እምንቶ’ዚ መሰረተ እቶም ሰለስተ ካርዲናላት ካብቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ተበጊሶም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ፡ “ናይ ኵለን ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ሃገራቱ መንግስታት ብምትሕብባር መተሓላልፎ ሰብኣዊ ብዝብል መደብ፡ እቶም ኣብ ለስቦ ኣብ ናይ ቀዳማይ መዓስርክ ስደተይናታት ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ንምእንጋድ ዘኽእል ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ ምኽዋን ክተግሁ ንላበው” ከምዝሉን ሆለሪኽን ችዘርነይን ክራየውስኪን ኣስዒቦም፥

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ርክብ

ዕለት 19 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ለስቦ ብመደብ መተሓላልፎ ሰብኣዊ መሰረት ንኽእንገዱ ናብ ኢጣሊያ ዝኣተዉ ተቐቢሎም፡ “ከመይ ገርና ኢና ናይቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ናይ ዝርከቡ ኣሕዋትና ኣሓትናን ገዓር ዘይሰምዑ ንኸውን? … ከመይ ገርና ኢና ስግሮም እንሓልፍ? ከምቲ ኣብ ወንጌል እነንብቦ ታሪኽ ሕያዋይ ጓሳ ዘመላኽቶ፥ ርእዩ ከምዘይረኣየ ኰይኒ ከም ዝሓለፈ ካህን፡ ናይ ሞቶም ተሓባበርቲ ንኽንከውን ንደልይ? እዚ ናይ ዕንዛዘን ትህኪትን ዘይተገዳስነትን ተግባር እዚ ሓጢኣት እዩ፡ ንሓገዝን ንምድሓንን ቅሩባትን ዝቀዳደሙን ምዃን፡ ስለምንታይ ናይ ጐረቤትናን ቀረባንን ኵሉ ሕይወት ተሓተትቲ ኢና፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ጐይታ ዝፈርደና በዛ ፍቕሪ እዚኣ እዩ፡ ዝበልዎ ቃለ ምዕዳን ጠቒሶም፡ “ስለስቴና ካርዲናላት፡ ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ኰይንና፡ ንጐይታ ስለ እቶም ንብዙሓት ነቶም ካብ ዘይተገዳስነት ተላቒቖም ነኣሕዋትናን ኣሓትናን ገዓር ቀረባ ኣብ ምዃን ብትብዓት ክብሮም ክኽበርን መጻኢ ክህልዎን ሓገዞም ንዘቕርቡ ነመስግን እንክብሉ  ከምዘጠቓለሉ ደ ኣንጀሊስ ሓቢሮም።

እቲ ናይቶም ስለሰተ ብፁዓን ካርዲናላት ጻውዒት፡ ኣብ ናይ ዱብሊን ውዕሊ ምዕራፍ ሰለስተ ፍቕዲ 604/2013 ዓ.ም.) ዓንቀጽ 17 መሰረት ዝገበረ እውን ኰይኑ፡ ብዛዕባ ምእንጋድ ነቶም ስደተይናታት ዘድሊ ኵሉ ሓበሬታ ኰነ መገዲ ንምችቻእን ሕጹጽ ሓገዝ ዘድልዮምን ኵሎም ንምልላይ፡ ንካቶሊካዊ ንምቅስቃስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምውካስ ከምዝከኣል እውን ኣብ መልእኽቶም የተሓሳስቡ።

ንመላእ ሃገራት ኤውርጳ ጳጳሳት ካብ ሰለስተ ካርዲናላት ዝቐረበ ጽዋዒት ምእንቲ ስደተይናታት ለስቦ
20 February 2020, 17:19