ድለ

ጸብጻብ 2020 ዓ.ም. ማሕበር ርሁዋት መዓጹ፥ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ጸብጻብ 2020 ዓ.ም. ማሕበር ርሁዋት መዓጹ፥ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም 

ጸብጻብ 2020 ዓ.ም. ማሕበር ርሁዋት መዓጹ፥ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም

ርግጽ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ ይጐድል እውን እንተሃለወ ዝሳደድ ብዝሒ ክርስቲያን ክብ ይብል ኣሎ። ምንጻል ካብ ማሕበራዊ ሕይወትን ብውልቂ ንኣሳዶ ሓደጋ ዝቃልዑን ብዝሒ ክርስቲያን ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን

ነቶም ብእምነቶም ምኽንያት ኣደዳ ኣሳዶን መከራን ንዝዀኑ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ድጋፍ ዘቕርብ ኣብ 60 ሃገራት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ርህዋት መዓጹ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፡ ዛዕባ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ዝሕብር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብጠቕላላ ኣብ 73 ሃገራት  ኣስታት 260 ሚሊዮን ክርስቲያን ንሓደጋ ኣሳዶ ከምእተቓልዔ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኮረያን ኣብ ከባቢ ሳሄል ጽንኩር ከኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን እውን ማሕበረ ክርስቲያን ከምዝሳደድ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ሓደ ስምኒት ክርስቲያን ንግብረ ኣሳዶ ዝተቓልዔ ከምዝዀነ ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ማሕብር ርሁዋት መዓጹ ኣብቲ ዕለት 15 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንንባብ ኣብ ዘብቀዖ ጸብጻብ 2020 ዓ.ም. ከምዘረጋገጾን እቲ ጸብጻብ ካብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዘሎ ኩነታት ማዕቅፍ ገይሩ ዝቐረበ እዩ፡ ኣብ ሚእቲ ሃገራት ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን የንጸላልው ምህላዉ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ናይ ዝሳደድ ማሕበረ ክርስቲያን ብዝሒ ክብ ይብል ምህላዉ የረጋግጽ።

ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ብዝሒ ክብ ክብል እንከሎ ናይ ዝቕተሉ ቍጽሪ ይጐድል

ንማሕበረ ክርስቲያን ኣዚያ ሓደገይና ተባሂሉ ዝንገረላ ሃገር ናይጀሪያ ከምዝዀነትን፡ እዚ ኸኣ ብዓሌት ፉላኒን በቲ ገዛእ ርእሱ ቦኮ ሓራም ቢሉ ዝሰመየ ዕጡቓት ሃይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጸም ከምዝዀነን፡ ኣባ ካልእይ ደረጃ ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣብታ ኣብ 2019 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ 200 ክርስቲያን ዝተቐተሉላ ሃገረ ስሪ ላንካ ከምእትስራዕ ናይ ርሁዋት መዓጹ ማሕበር ጸብጻብ ይሕብር።

ምንጻል ካብ ማሕበራዊ ሕይወትን ብግሊ ንሓደጋ ኣሳዶን

ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ኣማእኪሎም ናይቲ ርሁዋት መዓጹ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ክርስቲያን ናኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ርግጽ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ ይጐድል እውን እንተሃለወ ዝሳደድ ብዝሒ ክርስቲያን ክብ ይብል ኣሎ። ምንጻል ካብ ማሕበራዊ ሕይወትን ብውልቂ ንኣሳዶ ሓደጋ ዝቃልዑን ብዝሒ ክርስቲያን ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን፡ ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ማሕብራዊ ሕይወት ዝንጽል ከም ካልኣይ ዜጋ ክርአዩ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስርዓትን ሕግን ዝሰፍሓለን ሃገራት ብዙሓት እያተን ይብሉ።

ንማሕበረ ክርስቲያን ኣዝየን ሓደጋ ዝዀና ሃገራት፥ ሰሜን ኰርያን ኣፍጋኒስታንን

ኣብ ሰሜን ኮርያ ካብ 50 ክሳብ 70 ሺሕ ዝግመቱ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስቲያን ኣብ ቤት ማሕቡስ ናይ ጉልበት ስራሕ ከምእተዳጐኑን፡ ኣብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት፡ ኣፍጋኒታንን ሶማሊያን ሊቢያን ማሕበረ ክስቲያን ንስደትን መከራን ተቓሊዑ ከምዝርከብን፡ ኣብ ፓኪስታን እውን ከምኡ።

ከባቢ ሳሄል

ኣብ ከባቢ ሃገራት ሳሄል ብውሑዱ 27 ዝተፈላለዩ ዕጡቓት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከምዝንቀሳቐሱን፡ ካሜሩንን ቡርኪናፋሶን ማሕበረ ክርስቲያን ንዝተፈላለዩ መጥቃዕቲ ዒላማ ከይኑ ከምዘሎን።

ኣብ ዒራቕን ሶሪያ

ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ሃገሩ ንኽወጽእን ንስደት ክዳረግን መታን ንዝተፈላለዩ ጸረ ክርስቲያን ተግባራት ተቓሊዑ ከምዝርከብን፡ እስልማዊ መንግስቲ ቡሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ካብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነወ ካብ ዝስጐግ ማሕብረ ክርስቲያን ናብ ከባቢኡ ይምለስ እውን እንተሎ ውሕስነት ጸጥታን ደሕንነትን የብሉን፡ ኣብ ሶሪያ ምስቲ ዘሎ ውግእን ዘይምርግጋእን ተተሓሒዙ ዝነበረ ብዝሒ ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ክልተ ሚሊዮን ናብ 744 ሽሕን ከምዝነከየ ሓቢሮም።

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ክርስቲያን

ብውሑዱ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣቢያተ ክርስቲያን ከምእተዓጸዋን፡ ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕ ክርስቲያን ደቀንስትዮ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከምእተፈጸመን፡ እዚ እቲ ዝተረጋገጸ እዩ፡ ካልእ ዘይንገረሉን ኣብየት ዘይበሃለሉን ከይኑ ዝተርፍ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣሎ፡ በስጋዳድ ዝምርዓዋ ብዙሓት ምዃነን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ መዓልቲ 23 ክርስቲያን ደቀንስት ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከምዝዀና ኣፍሊጦም።

ላቲን ኣመሪካ

ኣብ ከባቢ ላቲን ኣመሪካ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ዘተባብዑን፡ ብዙሓት ማሕብራዊ ሕልና ዘነቓቕሑን ናይ ገበን ጉጅለታት ብምቅዋም ድምጾም ዘስምዑን ናይ ሕዝብታት ሕልና ዘነቓቕሑን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናን ሕይወቶም ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ፡ ብፍላይ ኣብ ኮሎምቢያን መክሲኮን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።  

ጸብጻብ 2020 ዓ.ም. ማሕበር ርሁዋት መዓጹ፥ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ዓለም
16 January 2020, 17:39