ድለ

2020.01.07 Incontro Papa Assisi 2020.01.07 Incontro Papa Assisi 

ሓድሽ ኤኮኖሚ

ነቲ ዘሎ ጐናዪ ኤኮኖሚ ሰብኣውነት ብዝዓሰሎ ኤክኖሚ ንምትካእን ንምሕዳስን ሕይወት ዘለዎ ኤኮኖሚ ንእዋናውን መጻእን ዓለምን ንወለዶን ንምቕራብ ብዝብል ሸቶ ዝተነቓቕሔ

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድመኦም  ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን ሰብ ትካላትን መንእሰያት፥ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ብዝብል ኣርእስቲ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተጠሊቡ ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ንምስታፍ ካብ 115 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 3.300 መንእሰያት ሰብ ትካላትን ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ኣዋፈርቲ ሃብቲ ገንብን ከምእተመዝገቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጋብሬኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝቐትል ኤክኖሚ ዘይኰነ ዘሀይውት ማንም ዘይንጽል ሰብኣውነት ዝኣሰሎ ንፍጥረትን ተፈጥሮን ዝሓልይ ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ዕብየት ዝሓቀነ ኵሉ ናይ ኩሉ ዝብል ኤኮኖሚ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕትን ጉባኤን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ዘተን ናይ ስነ ሓሳብ ዓውደ ዕዮ ምስንዳው ብሓቂ ህጹጽን ኣገዳስን ምዃኑ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ክፍለ ስነ ምርምር ኣመሓዳሪ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ልዊጂኖ ብሩኒ ብዛዕባ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ነቲ ዘሎ ጐናዪ ኤኮኖሚ ሰብኣውነት ብዝዓሰሎ ኤክኖሚ ንምትካእን ንምሕዳስን ሕይወት ዘለዎ ኤኮኖሚ ንእዋናውን መጻእን ዓለምን ንወለዶን ንምቕራብ ብዝብል ሸቶ ዝተነቓቕሔ እዩ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 1 ግንቦት ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ ብዝብል ሓሳብ ዘነቓቕሕዎ ዝተሓደሰ ኤኮኖሚ ኪደት መሰረት ገይሩ ዝተዳለወን መንእሰያትን ውዕልን መጻእን ዝብል ሓሳብ ኣንቂሎም መንእሰይ ወለዶ በቢ ዘለዎን ከከም ክእለቱን ሙያኡን ከዋኒ ሕዳሴን ለውጥን ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ እዩ ምስ በሉ፡ እቲ ዝተጸውዔ መደብ ነቲ ዘንቀሎ ሓሳብን ዕላማን ዝበረኸ ንኽኸውን ናይ ኣሲዚ ሰበኻን ተቕዋም ሰራፊኮን ናይ ኣሲዚ ከተማ ቤት ምኽርን ማሕበረሰብ ሱቱፍ ኤኮኖምን ብሓባር ምስ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕበየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ድሮ ናይ መሰናደዊ ዓውደ ምይይጥን ርክባትን የካይዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እዞም ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉምሳ እተሰምየ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኤኮኖሚ መምህር ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ብሩኒ፡ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንኽሳተፉ ዝምዝገቡ ዘለዉ ብዝሒ ርኢኽ ብሓቂ እቲ ዝተጠልበ ዓውደ መጽናዕቲ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ተስተውዕል፡ ነዚ ዝተጠልበ ዓውደ መጽናዕቲ መሰናደዊ ኸኣ ክርስትናን ርእሰ ማልነትን  ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ ቅድመ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ምክያዱን፡ እቲ ክርስትናን ርእሰ ማልነትን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ዓውደ መጽናዕትን ዘተን ጉባኤን ሕመረት ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ድኽነትን ክንክን ምህዳርን ፖለቲካን ሓሴትን ኢማዕርነትን ንግድን ሰላምን ኤኮኖምን ትካላትን ሃብቲ ገንዘብን ሕይወትን ኣገባብ ሕይወትን ዝብሉ ነጥብታት ብዕምቆት ዝዝትይ እውን እዩ ምስ በሉ፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ሓሳብ፡ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃልን ሕይወትን እዩ፡ እዚ ኸኣ ፍጥረትን ተፈጥሮን ምኽባርን ሓልዮትን ሰላምን ናይ ሕይወት ባህልን ዝብል እዩ፡ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከርቅቕን ናብ ቅዱስነቶም እውን ከቕርቦ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓድሽ ኤኮኖሚ
13 January 2020, 16:27