ድለ

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን 

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን

ሕዝቢ ፍልስጥኤም ብዛዕባ እቲ ናይ ትራም ናይ ሰላም ውጥን ምስ ሰምዔን ድሮ ከምዘይቅበሎን ኣብ ጋዛ ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕን ናይ መራሔ መንግስቲ ነታንያሁን ምስሊ እናንደደ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየደን፡ ብእስራኤል ቅቡል ክኸውን እንከሎ ፍልስእጥኤም ከምዝነጸገቶን ካልኦት ዮርዳኖስን ቱርክን ኢራንን ዝርከበኦ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እውን ዘይቅብል እንክብላ ከምዝነጸገኦን ስዑዲ ኣረብን ኤሚራት ዓረብን ግብጽን ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ይንእዳ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ዋሽንግቶን፡ ውጥን ሰላም ንማእከላይ ምብራቕ ቢሎም ዝኣምንሉ ናይ ሰላም ሰነድ ብሓባር ምስ ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ነታንያሁ ወግዓዊ ከምዝገበርዎን፡ እቲ ውጥን፥ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ክልተ ናጻን ሉኣላውያን ሃገራት ዝብልን ንፍልስጥኤም 50 ሚሊያርድ ዶላር ዝሰልዕን ኢየሩሳሌም ዘይትገማማዕ ናይ እስራኤል ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ትራምፕ ናይ ሰላም ውጥን 50 ሚሊያርድ ዶላር ንፍልስጥኤም ክስላዕን ንሓደ ሚሊዮን ፍልስጥኤማውያን ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ዝብልን እዚ ኸኣ ፍልስጥኤማውያን ከም ኵሉ ክቡር ዝዀነን ንሰብኣውነት ዝመጥን ሕይወት ክነብሩን ዝብል ክኸውን እንከሎ ፡ ኢየሩሳሌም እንኰን ዘይትምቀልን ናይ እስራኤል ከተማ እያ ዝብል ኣፍልጦ ዝህብ ምናልባት እውን እቲ እስራኤል ኣብ ከባቢ ፍልስጥኤም ዝሓነጸቶ ናይ እስራኤላውያን መንበሪ ቑሸታት እተጠቓልል ኢየሩሳሌም ዝምልከት ኰይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ፍልስጥኤማውን እስራኤላውን ገዝኡ ሓዲጉ ይውጻእ ዘይብል ሓሳብ ዝተነብሮ ውጥን ሰላም ምዃኑ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ርእሰ ብሔር ትራምፕን ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ነታንያሁ ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን
ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን

እቲ ናይ ሰላም ውጥን ፍልስጥኤማዊ ግዝኣት ካብቲ ዘለዎ ስፍሓት ክብ ዘብል እዩ

እቲ ናይ ሰላም ውጥን ሰማኒያ ገጽ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ትራም እስራኤል ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ስለ ዝተቐበለቶ አመስግን ቢሎም፡ ግዝኣት ፍልስጥኤም ካብቲ ዘለዎ ዝስፍሕን ንእስራኤል ስግኣት ዘይኰነት ጐረቤት ሃገር ፍልስጥኤም ሃገር ኰይና ክትቐውም ዝብልን ጭቡጥ መፍትሒ ዘመላኽት ታሪኻዊ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ሰላም ሕድገታት ዝጠልብ እዩ ይኹን ደኣ እምበር እስራኤል ውሕስነት ጸጥታን ደሕንነትን ህዝባን መሬታን ተዋግይ ዝብል ሕቶ ኣይነቕርብን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣተሓሒዞም፡

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን
ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን

ኣቡ ማዘን ናይ ሓማስ ግብረ ሽበራ ኣብ ምውጋዱ ክተግሁ

ትራፕም ነቶም ድሮ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ንዝነጸጉ ናይ ፍልስጥኤም መዘናኦም ኣቡ ማዘን፡ ነዚ ታሪኻውን ጭቡጥን ዝዀነ ፍልስጥኤም ከም ሃገር ንኽትቀውም ዝብል ውሳኔ ዘጠቓልል ሰነድ ክቕበልዎን ነዚ ዕድል እዚ ከየባኽኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እንተድኣ ተቐቢሎምዎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ልኡከ መንግስቲ ኣብ ፍልስጥኤም ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም መቕመጢኡ ከምዝገብር እውን ኣፍሊጦም፡ እቲ ናይ ሰላም ውጥን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ብዝካየዱ ናይ ሰላም ዘተ ገቢራዊ ክኸውንን ኣቡ ማዘን ናይ ሓማስ ግብረ ሽበራ ክገትኡን ዝሓትት እዩ ቢሎም፡ ማንም ፍልስኤማዊ ኣብ ዘለሉ ከነብር ዝብል እውን እዩ፡ እዚ ዕድል’ዚ ናይ መጠረሽታ እውን እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን
ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን

እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ቅዱስ ስፍራ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ክፉት ክኸውን ብዛዕባ ዝብል ውሳኔ ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ስምምዕ ንኽገብሩሉን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ እውን ምስኦም ዝመኽሩሉ ከምዝኸውን ትራም ከምዝገለጹ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕዝቢ ፍልስጥኤም ብዛዕባ እቲ ናይ ትራም ናይ ሰላም ውጥን ምስ ሰምዔን ድሮ ከምዘይቅበሎን ኣብ ጋዛ ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕን ናይ መራሔ መንግስቲ ነታንያሁን ምስሊ እናንደደ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘካየደን፡ ድሮ ናይቲ ናይ ትራም ናይ ሰላም ውጥን ብእስራኤል ቅቡል ክኸውን እንከሎ ፍልስእጥኤም ከምዝነጸገቶን ካልኦት ዮርዳኖስን ቱርክን ኢራንን ዝርከበኦ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እውን ዘይቅብል እንክብላ ከምዝነጸገኦን ስዑዲ ኣረብን ኤሚራት ዓረብን ግብጽን ነቲ ናይ ሰላም ውጥን ይንእዳ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብናይ ወጻኢ ጉዳዳ ድርገት ሓላፊ ጆሰፕ ቦረል ኣቢሉ፡ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሽግር ዝፍታሕ ብዘተ እዩ፡ ነቲ ናይ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ውጥረት እንኰ መፍትሒ ክልተ ሉኣላዋን ጐረባብቲ ሃገራት ዝብል ውሳኔ እዩ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ዋሽንግተን ናይ ሰላም ውጥን ሕብረት ኤውሮጳ ብጥልቂ ክትምልከቶ ከምዝዀነትን፡ ናይ ፍልስጥኤማውያንን ናይ እስራኤላውያንን ኣስተንፍሶ መሰረት ዝገበረን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ውሳኔ ዛዕባ እቲ ውጥረት ዝምልከትን ዓለም ሓቆፍ መምርሕታትን መሰረት ዝገበረ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ናይ ሰላም ውጥን ኣገዳሲ እዩ እንክብል መግለጺ ከምዝሃበ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን

Photogallery

ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም፥ ቅዋመ ሃገረ ፍልስጥኤምን ኢየሩሳሌም ንእስራኤልን
29 January 2020, 17:31