ድለ

መቕተልቲ ሱላይማን ክብቀል ዝብል ዓቢይ ስግኣት የንጸላልው መቕተልቲ ሱላይማን ክብቀል ዝብል ዓቢይ ስግኣት የንጸላልው 

መቕተልቲ ሱላይማን ክብቀል ዝብል ዓቢይ ስግኣት የንጸላልው

ኣብ ባቕዳድ ክፍለ ከተማ ካዚሚያ ጸረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጭርሖታ ዘስምዕ ዝነበረ ብዙሕ ሕዝቢ ዘሳተፈ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሱለይማኒ ከምእተፈጸመ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ጸጋ ሰላም ይጽልዩን ይምሕጸኑን፡ ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ተራዳኢ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ውግእ ዕንወትን ሞትን እምበር ብባህርይኡ ዓወት ክኸውን ዘይከኣል እዩ ቢሎም ናይ ሕዝቢ ዒራቕ ስግኣትን እቲ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዒራንን ዝተባርዔ ሓድሽ ውጥረት ንማሕበርሰብ ክርስቲያን ዒራቕን ዓቢይ ሻቕሎት ከምዝፈጠረሉን ክገልጹ እንከለዉ፡ ኢራን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተቓውሞኣን ጥርዓንን ከተቕርብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትርምፕ ሃገሮም ንዝዀነ ይዅን ዓመጽ ግብረ መልሲ ንምሃብ ስንድውቲ እያ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ @Pontefix ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ሎሚ ዕለት 4 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ረፋድ እቲ ካልእ ልክዕ ከማና ሰላም ዘድልዩ ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ፡ ሰላም ብዘይ ምትስፋያ ኣይክትረኽባን ኢኻ፡ ጸጋ ሰላም ካብ ጐይታ ንለምን፡ ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነው ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማርኰ ጉወራ ኣስዒቦም፡ ድሕሪ መቕተልቲ ኢራንያዊ ጀነራል ሱለይማኒ፡ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ውጥረት መጠኑ ክብ ይብል ከምዘሎን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 4 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ናይ ኢራን ፖለቲካ ኣብ ዝኽተል መቐመጥ ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣዛዝ ነቑጣ ደብዳብ ከምዝፍጸመ ክንገር ኣንከሎ፡ እዚ ደብዳብ’ዚ ከምይዘይተፈጸመ ብሕቡራት መንግስታት ሓይሊ ምክልኻል ዝምራሕ ዓለም ሓቆፍ ጸረ እስላማዊ መንግስቲ ጥርኑፍ ሓይሊ ከምዝሓበረ ኣፍሊጦም።

ኣብ ባቕዳድ ክፍለ ከተማ ካዚሚያ ጸረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጭርሖታ ዘስምዕ ዝነበረ ብዙሕ ሕዝቢ ዘሳተፈ ስነ ስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሱለይማኒ ከምእተፈጸመ፡ ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ናይ ዒራቕ ዓበይቲ ናይ ፖለቲካ መራሕትን መራሔ መንግስቲ ኣዲል ኣብዱል ማሕዲ እውን ከምእተሳተፉ ጉወራ ሓቢሮም፡ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መንግስቲ ኢራን ተቓውሞኡ ከስምዕ እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ትራምፕ፥ ጀነራል ሱለይማኒ ኣብ ቀረባ እዋን ተፈጻምነት ክህልዎም  ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ስርሒት ሸበራዊ መጥቃዕቲ ሓንጺጾም ነይሮም እንክብሉ ገሊጾም ሃገሮም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብረ መልሲ ንምሃብ ስንድውቲ እያ ከምዝበሉ ጠቒሶም፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ኣዛዚ ኣመሪካ ክወህብ ዝኽእል ናይ በቐል ግብረ መልሲ ግምት ብምሃብ ኣብ ዒራቅን ክዋይትን ሊባኖስን ከባቢታት ዝዓርዱ 3500 ወተሃዳራት ክትልእኽ እያ ከምዝበሉን ብምኽንያት ጸጥታን ደህንንትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ጥርናፍፈ ጸረ እስላማዊ መግንስቲ ዝፍጽሞ ስርሒት ዘለዋ ተሳታፍነት ካብቲ ዝነበሮ ክንክይ ምዃኑ ከምዘፍለጠ ገሊጾም።

ናይ ዒራን ርእሰ ብሔር ሓሳን ሮሓኒ፡ ደም ሰማዕትነት ሱለይማኒ ክንብቀል ኢና ከምዝበሉን፡ ኣብ ባቕዳድ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳኢ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሰላም ካብ ወሃቢኡ እዩ፡ ሰላምይ እህበኩም ኣለዅ ካብ ዝበለ ጐይታ እምበር ካብቲ ብዝተፈላለየ ረብሓታት ተደሪዅ ካብ ዝንቀሳቐስ ዓለም ኣይኰነን ቢሎም፡ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ጐይታ ዝህቦ ሰላም ምዝራእ እዩ፡ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ረብሓ ናጻ ዝዀነ ካብ ሓድ ሕድካ ምፍቕቓርን ምቅርራብን ዘተን ካብ ናይ ምርኻብ ባህልን እዩ ሰላም ዘምጽእ ኢሎም።

መቕተልቲ ሱላይማን ክብቀል ዝብል ዓቢይ ስግኣት የንጸላልው
04 January 2020, 16:57