ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኡክራይን፡ ቅርበትን ጻውዒት ሰላምን ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኡክራይን፡ ቅርበትን ጻውዒት ሰላምን ር.ሊ.ጳ.  

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኡክራይን፡ ቅርበትን ጻውዒት ሰላምን ር.ሊ.ጳ.

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰሙናት ተስፋ ዝንበሮም ተበጽሖታት ክምእተዓተሩን፡ እዚ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድላይ ሰላም ዝምስርክ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ፈጺሞም፡ ኣብ ኡክራይን ሰላም ውሑስ ንኽኸውን ኣብ መንጐ ናይ ኡክራይንን ናይ ሩሲያን ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ፓሪስ ንኽካየድ ዝተወሰነ ናይ ሰላም ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ንጸልይ ቢሎም፡ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውጥረት መዕለቢ ክረክብ ደጋጊሞም ክጽልዩን ኩሉ ኣብዚ ጸሎት ክሓብር እውን ጻውዒት ዘቕርቡ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኡክራይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጀሮቲ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ሰላም ዘተ ናብ ጭቡጥ ሰላም ደላይነት ክቕየር ተስፋ ንገብር ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህልው ኩነታት ኡክራይን ሕጂ እውን ጽንኩር እዩ፡ ሕዝቢ እቲ ዘሎ ስእነት ሰላም ዘተኣታትዎ ድኽነት ምኽንያት ይሳቐይ ከምዘሎን ዝምነዮን ሃረር ዝብሎን ሰላም ጥራሕ እዩ፡ ደላይ ሰላም ናብ ጭቡጥ ሰላም ክቕየርን ናይቲ ውጥረት ዝተመልኦ ኵነት ተዋሳእቲ ብሓባር ሰላም ከናድዩን ናይ ኩሉ ዜጋ ድላይ እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ጉጀሮቲ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት ናብ ኩሉ ናይታ ሃገር ዜጋ ዝበጽሕ እዩ፡ እቲ ህዝቢ ንበይኑ ከምዘይኰነ ዘረጋግጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ እዮም። ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ሕዝቢ እውን መጸናንዒ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰሙናት ተስፋ ዝንበሮም ተበጽሖታት ክምእተዓተሩን፡ እዚ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድላይ ሰላም ዝምስርክ እዩ፡ እቲ ድላይ ሰላም ጭቡጥ ሰላም ከምጽእ ናብ ዘተ ዝመርሕ መገዲ ኩሉ ምኽፋት የድሊ፡ ብርታዔን ሓይልን ኣብ ውግእ ዘይኰነ ኣብ ደላይ ሰላምን ዘተን እዩ ምስ በሉ፡ ምእንቲ ሰላም ምጽላይ ደላይ ሰላም ምዃን ጥራሕ ዘይኰነ ሰላም ብመጋበርያ ሰላም ምድላይ እውን ይሓትት ምስ በሉ፡ ኣስዒቦም ኣብዚ ናብ በዓለ ልደት ናብ ዘሰንይ ዘመነ ምጽኣት ቅድስነቶም ንኡክራይንን ሕዝባን ክዝክሩን  ናይ ኩሉ ዜጋ ልቢ ንተስፋ ክፉት ክኸውንን እቲ ዘይከኣል ዝመስል ምስ ዘኽእል እግዚኣብሔር ዝከኣል ምዃኑ ንምዝኽኻር እዩ፡ ኵላትና ኣብ ጻዋዒት ቅዱስ ኣቦና ንሕበር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኡክራይን፡ ቅርበትን ጻውዒት ሰላምን ር.ሊ.ጳ.
09 December 2019, 17:17