ድለ

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውጉዝ ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ ኡጦብያ ኣይኰነን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውጉዝ ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ ኡጦብያ ኣይኰነን 

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውጉዝ ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ ኡጦብያ ኣይኰነን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ማሕታ ኣቶማዊ ኣጽዋር ኣብ ሰብኣዊ ኩነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንዝመኸሩ ተጋባእያን ኣብ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳንን ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ ፍቕዲ 57ን 105ን

ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ኣባ ፓውሎ በናንቲ፡ ኑክለሳዊ ውግእ ብቐጻልነት ከም መፈራርሒ ምጥቃምን ንዝተፈላለዩ ውግኣት ከም ቅኑዕ መፍትሒ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ብዛዕባ ሰላም ከመይ ገርና ክንዛረብ ንኽእል? …. እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር ጥራሕ እዩ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶ ኣብ ዝተሳተፈሩላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፡ ደጊሞም ዝግለጽዎ ሓሳብ፡ ነቢያውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ዝሕድስ ስልጣናዊ ትምህርቲ እውን ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ብዝሓ ጐናውት ምምልካትን በዚ ኣገባብ እዚ መፍትሒ ምንዳይ ዝብል ከይዲ ኣብ ዝዳኸመሉን ናብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውናነ ዝግበር ቅድድምን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር’ዚ ንመላእ ዘርኢ ሰብን ፍጥረት ዝምልከት ክነሱ፡ ማሕበራዊ ርእይቶ ዘይተገዳስነት ይህበሉ ከምዘሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. መጥቃዕቲ ኣቶማዊ ቦምቢ ዝተፈጸመሉ ናጋሳኪ ኣብ ዝርከብ ንዝኽሪ እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ መዘክር ስፍራን ደሓር እውን ኣብ ሂሮሺማ ኣብ ዝርከብ መዘክር ሰላምን ተረኺቦም ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ዓለም ለኻዊ  ቓልሖት ዘለዎ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንናይ ቤተ ክርስርቲያን መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  ዝሕድስ እዩ ዝበሉ ኣባል ማሕበር ሳልሳይ ስርዓተ ፍራንቸስካውያን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ምግባርን ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር መምህር ኣባ በናንቲ ኣስዒቦም፡ ብዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንፈለማ ግዜ ኣብ ቤተ ርክስቲያን ዝተዛረቡ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዮሓንስ መበል 23 ኣብታ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቶም ከምዝዀነን፡ ስዒቡ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ሓሴትን ተስፋን ናይ ውሳኔ ሰነዱ ኣብ 1965 ዓ.ም. ደሓር እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1980 ዓ.ም. ንናይ ስነ ምርምር ሊቃወንቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረን፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣቶማዊ ኣጽዋር ውጉዝ ከምዝበሉን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ማሕታ ኣቶማዊ ኣጽዋር ኣብ ሰብኣዊ ኩነት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንዝመኸሩ ተጋባእያን ኣብ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳንን ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ ፍቕዲ 57ን 105ን ዕለት 9 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ውጉዝ ከምዝበለዎ ዘኪሮም፡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት እምነት ዝውንን ዘይከነ ናይ እምነት ሓቅታት ንምእንጋድ ዝድግፍ መጋበርያ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብቲ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሳዃዕ ጥራሕ ዘይኰነ ዝሕድስ እውን እዩ፡ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዓለም ምርግጋጽ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሕልናዊ ወይ ኡጦብያዊ ኣይኰነን፡ ዓለም ብዘይ ኑከልሳዊ ኣጽዋር ዝነበረት እያ፡ ካብዚ ኣጻር’ዚ እዚ እውን ናጻ ክትከውን ዝከኣል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውጉዝ ዝብል ቃል ር.ሊ.ጳ ኡጦብያ ኣይኰነን
02 December 2019, 17:19