ድለ

ግሬታ ቱንበርግ ታይም መጽሔት፥ ናይ 2019 ዓ.ም. ምርጽቲ ሰብ እንክብል ይሰምያ ግሬታ ቱንበርግ ታይም መጽሔት፥ ናይ 2019 ዓ.ም. ምርጽቲ ሰብ እንክብል ይሰምያ 

ግሬታ ቱንበርግ ታይም መጽሔት፥ ናይ 2019 ዓ.ም. ምርጽቲ ሰብ እንክብል ይሰምያ

ዕለት 17 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ እናተዘዋወሩ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰላም ኣብ ዝበልሉ እዋን፡ ምስታ ኣብቲ ቅርዓት ዝተረኽበት መንእሰይ ግሬታ ተራኺቦምን ምእንቲ ምክንኻን ተፈጥሮን ምህዳርን ከባቢ ኣየርን እተካይዶ ጐስጓስ ኣድኒቖም በርትዒ ቢሎም ከምዘመስገንዋን

ታይም እተሰምየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰሙናዊ መጽሔት ከምቲ በቢ ዓመቱ ምሩጽ ናይ ዓመቱ ሰብ እንክብል ዝህቦ ስያሜ ለምዘበን ናይ 2019 ዓ.ም. ምርጽቲ ሰብ እንክብል ነታ ምእንቲ ምክንኻን ምህዳርን ፍጥረትን ዝተፈላለዩ ጓስጓሳት ንእተካይድ  ዘላ ተወላዲት ሽወደን ግረታ ቱንበርግ ከምዝሰመየ ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ግሬታ ዕለት 17 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸበትን ምልእኽቲ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ውሩይን ፍሉጥን ዝዀነ ኣመሪካዊ መጽሔት ታይም ካብ 1927 ዓ.ም. ኣትሒዙ በቢ ዓመቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መዛዘሚ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ብዝተፈለየ ኣብ ማሕበራዊ ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መዳያት እወታዊ ጽልዋ ዘሕደሩን ፈልዩ ምርጹ ሰብ እንክብል ዝህቦ ስያሜ ተወላዲት ሽወደን ጓል 16 ዓመት ግረታ ቱንበርግ ከምዝሃበን ኣብ ታሪኽ ናይቲ መጽሔት ግሬታ ካብቶም ካብ 1927 ዓ.ም. ኣትሒዙ እቲ መጽሔት ብሉጻት ዝብል ሳያሜ ካብ ዝሃቦም እታ ብዕድመ ኣዚያ ዝነኣሰት ምዃና እውን ቸራዞ ሓቢረን፥ ኣብቲ መጽሔት ታይም ገበር ኣርሒቓ እተማዕድው ናይ ግሬታ ስእሊ ዝተብሮ ከይኑ ኣብ ትሕቲ እቲ ስእላ ኣኻእሎ መንእሰይ ዝብል ጽሑፍ ንረክብ፡ ብልጽቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ሰብ ተባሂላ ንኽትስመይ ዘብቅዓ ምኽንያት ናይቲ መጽሔት ኣሰናዳእቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ሰብኣዊ ፍጡር ዝፍጽሞ ዓመጽ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ነቲ ግብረ ክፍኣት ብሽሙ እናጸወዓት ከይከዋወለት ትኹንን ኩሉ ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ክዓዪ ትጽውዕን ኣብዚ መዳይ ብፍላይ መንግስታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝፍጽምዎን ዘፈጽምዎን ዓመጽ ደው ከብሉ እተቕርቦ ጻውዒት ምዃኑን፡ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ኣብዚ መዳይ ምስኣ ክሓብሩ ብዘካየደቶን ብእተካይዶን ዘላ ጐስጓሳትን ምኽንያት ከምዝሓረያን መንእሰይ ሰናይ ንምግባር ምስ ዝደሊ ዘለዎ ኣኻእሎ ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ዘመስከረት እንክብል ይገልጾ።

ዕለት 17 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ግሬታ

ዕለት 17 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ እናተዘዋወሩ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰላም ኣብ ዝበልሉ እዋን፡ ምስታ ኣብቲ ቅርዓት ዝተረኽበት መንእሰይ ግሬታ ተራኺቦምን ምእንቲ ምክንኻን ተፈጥሮን ምህዳርን ከባቢ ኣየርን እተካይዶ ጐስጓስ ኣድኒቖም በርትዒ ቢሎም ከምዘመስገንዋን፡ ንሳ ነዚ ርክብ ዝሓተተት ግሬታ እውን ብወገና፡ ቅዱስነትኩም ንኽንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን እተካይዶ ዓቢይ ጻዕርን እተካይድዎ ምንቕቓሓትን ከመስግነኩም እፈቱ ከምዝበለቶም ቸራዞ የዘኻኽራ።

ግሬታ ቱንበርግ ንታይምስ መጽሔት፥ ናይ 2019 ዓ.ም. ምርጽቲ ሰብ እንክብል ይሰምያ
12 December 2019, 17:08