ድለ

ዛዕባ ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ዝመኸረ ናይ ማድሪድ ዋዕላ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ ዛዕባ ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ዝመኸረ ናይ ማድሪድ ዋዕላ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ 

ዛዕባ ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ዝመኸረ ናይ ማድሪድ ዋዕላ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምብዳህ መንግስታት ሃገራት ዘካይድዎ ጻዕሪታት ፎኪስን ነቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኰነ ነዚ ንምብዳህ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሔ ስምምዕ ስሉጥ ተፈጻምነት ክህልዎ ካብ ዘብቅዕ ከይዲ ኣዘዩ ዝረሓቐ እዩ ዝመስል

ኣብ ቺለ ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ብውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ዛዕባ ከባቢ ኣየር  ኣብ ቺለ ተኸሲቱ ብዘሎ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ህዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት ኣብ ርእሰ ከተማ ሳንቲያጐ ምእንጋድ ዝከኣል ከምዘይኰነ ምስ ተሓበረ  ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ንኽካይድ ድሕሪ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ከምእተኻየደ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ብዘይ መሰረታዊ ስምምዕ ከምእተዛዘመን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረድዮ ኣንድረያ ደ ኣንጀሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንፍቸስኮ ናብቲ ዓውደ ኣኼባ ናብ ናይ ቺለ ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ጉዳይ ሚኒስትር ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ብዝሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ከምእተነበ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ብሓባር ፍጥረትን ተፈጥሮን ንከላኸል ቢሎም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓብይ ብድሆ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ዝተወሃበና ዕድል ሓደራ ኣይነባኽኖ ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ኣንጀሊስ ኣስዒቦም፡ እቲ ን 12 መዓልታት ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ውጽኢት ከምዝተረፈን ቀጻሊ ኣኼባ ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ኣብ ጀርመን ከተማ ቦን ንኽካየድ ከምእተወሰነን፡ እቲ ናይ ማድሪድ ዋዕላ፡ እተን ኣዚየን ኣብ ከቢድ ስግኣት ደረጃ ብከላ ከባቢ ኣየር ዝርከባ ሃገራት ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ናይ ከባቢ ኣየር ንብረት ንምክንኻል ዘካይድኦ ጻዕርን ኣብዚ መዳይ ኣበርክቶአን ብጭቡጥ ከቕርባ ኣብ ዝብል ስምምዕ ዝምእተበጽሔን፡ እተን ኣዚየን ተኣፋፍያን ዝዀና ሃገራት ንኣብነት ከም ሃገራት ኦቻይና እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ እቲ ንናይ ዋዕይ ግዳማዊ ጽፍሒ መሬት ክብታ ዝድርኽ ዝፍጽመኦ ብከላ ከባቢ ኣየር ንምንካይ ዘካይድኦ ጻዕሪ ክሕብራ ኣብ ዝብል ሓሳብ እውን ስምምዕ ተገይሩ ይብሉ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዝተዛዘመ ብዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመኸረ ናይ ማድሪድ ዓውደ ጉባኤ ቅድሚ ምክፋቱ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ብከላ ኣየር ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ግድን እዩ፡ እነደሓሓረሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ ኢሎም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ናይ ማድሪድ መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር፡ ከምቲ ዝተሓሰቦ ኣብቲ ዘተኣመተ ውሳኔ ኣየብጽሔን፡  ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዓቢይ ዕድል እዩ ኣባኺኑ፡ ይኹን ደኣ እምበር ተስፋ ምቑራጽ ናብ ስዕረት ዘብጽሕ ስለ ዝዀነ ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ከምቲ ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ዝብልዎ፡ ኣብ ሓደ ስምምዕ ንክብጻሕ መታን ዝከኣል ኩሉ ምግባር የድሊ፡ ክሳብ 2050 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ እውን ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍነው በካሊ ጋዝ ጠሪሹ ከይህሉ ዝግበር ጻዕሪ ተበጻሒ መታን ክኸውን፡ ዘድሊ ጻዕርታት ክካየዱ ከምዝዀኑን፡ ዋዕይ ግዳማዊ ጽፍሒ መሬት ካብ 1.5 ዲግሪ ክብ ከይብል ዝድግፍ ምዃኑ ኣመላኺቶም ከምዝነበሩ ዝዘከሩ ደ ኣንጀሊስ ኣስዒቦም፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምብዳህ መንግስታት ሃገራት ዘካይድዎ ጻዕሪታት ፎኪስን ነቲ ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኰነ ነዚ ንምብዳህ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሔ ስምምዕ ስሉጥ ተፈጻምነት ክህልዎ ካብ ዘብቅዕ ከይዲ ኣዘዩ ዝረሓቐ እዩ ዝመስል።

ቢሎም ብዘይ ሕብእብእ ብቐጥታ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከምዝበጽሔን ሃገራት ዓለም እዚ ከቢድ ኵነት’ዚ ዝጠልቦ ተመዓራራዪ ውሳኔ ካብ ምሃብ ኣዚየን ዝረሓቓ ኰይነን ከምዝርከባን፡ ድሕሪ እቲ ናይ ፓሪስ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብዙሕ ለውጢ ዘሎ ከምዘይመስልን፡ ናይ ስነ ኣየርን ከባብን ተመራመርቲ ተወኪሶምን ከምኡ እውን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ሕዝብታት ዓለም ብምስትውዓል ዘቕርቦ ጻውዒት ክንክን ምህዳር ግቡእ መልሲ ዘይረክብ ኰይኑ ናይ ፖለቲካ ዓለም ካብቲ ናይ ሕዝቢ ምስትውዓል ዝረሓቐ ከምዝመስልን ከመላኽቱ እንከለዉ፡ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላየ ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር በጺሑሉ ዘሎ ደረጃን ንምብዳሁ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ይሕብሩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ዓለም ዝኽተሎ መደብ ልምዓት ካብ ምቕያር ዝብልን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክነቓቓሕ ከምዘለዎን፡ ቃልሲ ጸረ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ቃልሲ ጸረ ድኽህነት እዩ። ብውልቅን ብማሕበርን ክፍጸም ዘለዎ ተግባር እውን ኣገዳሲ እዩ፡

ፖለቲካዊ ድላይ፡ ብቕንዕናን ብሓላፍነትን ብትብዓትን ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ምዝባዕ ኣየር ንምብዳህ ዝብልን ነዚ ጉዳይዚ መዓላ ሰብኣውን ቁጠባውን ዕደ ጥበባውን ምዕባለን ዘተባብዕን ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብን ብፍላይ ነቶም ብምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓልይን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡

ተርእዮታት ምቕያር

ፖለቲካዊ ፍቓድ ኣብ ዓለም ንናይ ሕይወት ክቡር ክብሪ ሓለፋ ናብ ዝብል ኪደት ከመስርቕ ኣለዎ፥

ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምብዳህ እነካይዶ ጻዕሪ ንናይ ሓባር ቤትና ሓልዮትን ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ክብሪ ዘማዕድው ብምዃኑ ስልጡን ጻዕሪ እዩ፡ ስለዚ እዚ ጻዕሪ እዚ ክይኹለፍ ሓደራ … ኣብ ኤኮኖምን ዕደ ጥበብን ማሕብራውን ሕንጸት ብዘሎና ሓላፍነትን ተግባራትና ንሓድ ሕዱ ተሟራዃሲ ምዃኑ ተኣሚንና እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ከም ሰነይ ኣጋጣሚ ንጠቀመሉ፡

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ኣንጀሊስ ኣስዒበን፡ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ንመንእሰያት እናሓሰቡ ህልው ወለዶ ዝፈጠሮ ጸገማት ኩሉ ናብ መጻኢ ወለዶ ክይመሓላለፍ መታን ናይ ተስፋ ምኽንያት ዘቕርብ ኰይኑ ክርከብ ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባ ሰናይን ክቡርን መጻኢ ንመጻኢ ወለዶ ንምውፋይ ብዝብል መንፈስ ክምራሕ እላበው ከምዝበሉ የዘኻሩ።

ዛዕባ ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ዝመኸረ ናይ ማድሪድ ዋዕላ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ
16 December 2019, 17:32