ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዘቃልሕዎ ናይ ሕይወት ክብሪ ብኣጽንዖት ዝምስክር በዓለ ልደት ኣብ ጃፓን ር.ሊ.ጳ. ዘቃልሕዎ ናይ ሕይወት ክብሪ ብኣጽንዖት ዝምስክር በዓለ ልደት ኣብ ጃፓን 

ር.ሊ.ጳ. ዘቃልሕዎ ናይ ሕይወት ክብሪ ብኣጽንዖት ዝምስክር በዓለ ልደት ኣብ ጃፓን

ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ልኡኽ ተወላዲ ኢጣሊያ ጳጳሳዊ ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ኣባል ኣባ ኣንድረያ ለምቦ እቲ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጃፓን መርሕ ዝገበሮ ቃል፡ በዓለ ልደት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክበዓል ዘተሓሳስብ እዩ

ኣብ ጃፓን ብምኽንያት በዓለ ልደት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምኽባር ሕይወት ዝብል፡ ሕይወት ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታቱን ኵነትን ክኽበር እንክብሉ ኣብ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝጸንዐ ከምዝኸውንን፡ነዚ ሓሳብ ዘቃልሕ እውን ከምዝዀውነ ኣባ ኣንድረያ ለምቦ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ 2019 ዓ.ም. በዓለ ልደት ንማሕበረ ክርስቲያን ጃፓን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፍልይ ዝበለ ከምዝኸውን ኣባ ለምቦ ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቶክዮን ናጋሳኪን ሂሮሺማን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘመሕላለፍዎ ምዕዳንን መልእኽትን ዝሰዓበ ኰይኑ ናይ ሕይወት ባህሊ ምንባርን ምኽባር ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

በዓለ ልደት ዕለት ብዕለት ሕይወት ኣብ ምእንጋድ ይበዓል

ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ልኡኽ ተወላዲ ኢጣሊያ ጳጳሳዊ ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ኣባል ኣባ ኣንድረያ ለምቦ እቲ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጃፓን መርሕ ዝገበሮ ቃል፡ በዓለ ልደት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክበዓል ዘተሓሳስብ እዩ ቢሎም፡ ሕይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታቱን ኩነትን ምኽባር ዝብል ቃል ቅዱስነቶም፡ ነቲ ናይ ለምዘበን በዓለ ልደት ኣብ ጃፓን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈልየ ክኸውን ከምዝገበሮ፡ ብጠቕላላ ናይ ሕይወት ባህሊ ዝምስክር እዩ፡ ረቡዕ መዓልቲ ዝውዕል ብምዃኑ እውን ኣብ ጃፓን ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ፡ እዚ ኩነት’ዚ ኸኣ ማሕበረ ክርስቲያን በዓለ ልደት ዕለት ብዕለት ሕይወት ኣብ ምእንጋድ ከብዕሎ ዝብል እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ትስብእቲ እግዚኣብሔር ምንባር እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ዘቃልሕዎ ናይ ሕይወት ክብሪ ብኣጽንዖት ዝምስክር በዓለ ልደት ኣብ ጃፓን
23 December 2019, 18:31