ድለ

ብራዚል፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ይብል ከምዘሎ ይንገር ብራዚል፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ይብል ከምዘሎ ይንገር 

ብራዚል፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ይብል ከምዘሎ ይንገር

ምእንቲ ደቀባት ድምጸን ካብ ዘስምዓ ውሑዳት ተቕዋማት ቤተ ክርስቲያን እታ ብዓቢይ እትጥቀስ እያ

ናይ ደቀባት መሬት ንምምንዛዕን ናይ ከባቢኦም ጸጋታት ንምምዝማዝ ዝብል ዕላማ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ሃገረ ብራዚል ዝፍጸም ዓመጽን መቕተልትን ክብ ይብል ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣባላት ደቀባት ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዝምስክሮ ዘሕዝን ሓቂ ከምዝዀነ፡ ኣብ ብራዚል ናይ ደቀባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ናይ ተልእዀ ደቀባት ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ፡ እዚ ዘስካሕክሕ ናይ ቅትለት ተግባር ብቐጥታ ይዅን ኣይኹን ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ፖለቲካ ተሓታቲ እዩ ከምዝበለን፡ ንናይ ሕዝብታት ደቀባት መሰልን ክብርን ኣትጣበቕን ድጋፍ እተቕርብን እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ገበንን መቕተልትን እትኹንን ንዝምልከቶ ኣካል ኣቤት እትብል እንኰ ተቕዋም ቤተ ክርስቲያን ምዃና ኣብቲ ከባቢ ዘገልግሉ ኣባላት ማሕበር ኮምቦኒ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ብራዚል ደቀባት ሎሚ እውን ንቕትለትን ምዝመዛን ኣሳዶን ዒላማ ኰይኖም ይርከቡ፡ ኣብ ብራዚል ግዝኣት ማራኛው ኣብ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻ ማናውስ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ተራዳኢ ኣባል ዓሌት ደቀባት ከምእተቐትለ ናይ ከባቢ ደቀባት ተልእዀ ወንጌል ቤት ምኽሪ ከምዘፍለጠን ነቲ ዘስካሕክሕ ተግባር ኰኒኑ መሬቶምን ጸጋጋት ከባቢኦም ንምምንዛዕን ንምምዝማዝን ዝፍጸም ኢሰብኣዊ ተግባራትን መቕተልትን ግብረ ጽልእ ዓሌትን ኩሉ ዘርዚሩ ንዝምልከቶ ኣካል ክሲ ከምዘቕረበን፡ እቲ ዘሕዝን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ዣይር ቦልሶናሮ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታ ብዞባን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ይኹን ናይ ከባቢ ደቀባት ሕዝቢ መሬቱን ጸጋታቱን ዘመሓድር ናይ ከባብየይ ምምሕዳር እዩ እንክብል ዝገልጾ ሓሳብ ጌጋ እዩ፡ እቲ ህዝቢ ሰፊሕ መሬት ዝውንን እዩ ስለዚህ ምርጫታቶም ንናይ ሃገር ምዕባለ ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ዘብል ደራኺ ምኽንያት ምዃኑ ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ይሕብሩ።

ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል፡ ዓመጽ ይበራኸት ኣሎ እንክብሉ ጥርዓን የቕርቡ

ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ልኡካነ ወንጌል ኣባ ክላውዲዮ ቦምቢየሪ፡ ኣብ ብራዚል ግዝኣት ማራኛው ኣብ ዘገልግልሉ ከባቢ ዝርከቡ ደቀባት ሉኣላውነቶምን መነባብሮኦምን ዕለታዊ ሕይወቶምን ንሓደጋ ተቓሊዑን፡ ኣደዳ መቕተልትን ዓመጽን ጭውያን ኰይኖም ከምዘለዉ ሓቢሮም፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ይብል ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፈደሪኮ ፒያና ኣስዒቦም፡ ቦልሶናሮ ርእሰ ብሔር ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ንነጀው ኣብ ልዕሊ ደቀባት ሕዝቢ ብራዚል ዝወርድ መጥቃዕቲ ክብ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም በደልን ግብረ ጽልእ ዓሌትን ናይ ይዅንታ ስልጣን ዝሃቡ እዮም ዝመስሉ፡ እዚ ዓይነት ጽልእ ዓሌት ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ኢሰብኣዊ ተግባር ተቐባልነት ዘይብሉ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እዩ ከምዝበሉ ኣሊጦም።

ምኽንያት ቅትለት ደቀባት ኤኮኖሚያዊ እዩ

ደቀባት ሰፊሕ መሬቶምን ጸጋታቶምን ንዝወርዶም መጥቃዕቲ ምኽንያት ከምዝዀኖምን፡ ንደቀባት ብዘርብሕ ኣገባብ ጸጋታት መሬት ምጥቃም ኣክንዲ ዝፍተን ተፈጥሮኣዊ ሃብትታቱን መሬቱን ዝተፈላለያ ዓበይቲ ትካላት ብናይ ዞባውን ብሔራውን ፖለቲካ ተደጊፎም እናተመንዝዑን ኣደዳ ዓመጽን መቕተልትን እናዀኑ ንዝተፈላለዩ ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ተቓሊዕዕም ይርከብ ኣለዉ ዝበሉ ኣባ ቦምቢየሪ እቲ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ንሕዝቢ ደቀባት ዘየርብሕ ንውሑዳት ብሔራውን ዓለም ለኻውን ህብረ ትካላት መኽሰብ ንዝብል ከይዲ ኤኮኖሚ መሳለጢ ከምዝዀነን፡ መሬተይ ዝብል ወደባት ዓመጽን ቅትለትን እዩ ዝጽበዮ እንክብሉ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ሕዝቢ ደቀባት ድምጺ ኰይኖም ምእንቲ ደቀባት ክሳብ መስዋዕትነት እትዓዪ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ምዃና ይምስክሩ ዝበሉ ፒያና ኣተሓሒዞም፡ 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ደቀባትን ምእንቲ ደቀባት

ምእንቲ ደቀባት ድምጸን ካብ ዘስምዓ ውሑዳት ተቕዋማት ቤተ ክርስቲያን እታ ብዓቢይ እትጥቀስ እያ፡ ኣብ ጐድኒ ደቀባት ኰይናን ምስኡ ሓቢራን ኣብ ኣተካይዶ ጉዕዞን ኣተቕርቦ ዝተፈላለየ መደብ ሕንጸት ብቐጥታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም በደልን ግፍዕን መቕተልትን ናይ ዓይኒ ምስክር እያ፡ ምስቲ ሕዝቢ ሓቢራ ናይቲ ሕዝቢ ጠበቓ ብምዃን እቲ ሕዝቢ ፈሪሑን ርዒዱን ሉሙስ ከይኑ ከይተርፍ ምእንቲ ክብሩን መሰሉን ክንቀሳቐስ ምስኡ ሓቢራ እትዓዪ እያ፡ እዚ ናይ ተልእዀ ወንጌል ክፍሊ እዩ፡ ናይ ወንጌል ትእዛዝ እውን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

11 December 2019, 16:41