ድለ

መቐተልቲ ብኣባላት ጉጅለ ኣሸበርቲ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊ ካህን ተወላዲ ኣርመኒያ  መቐተልቲ ብኣባላት ጉጅለ ኣሸበርቲ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊ ካህን ተወላዲ ኣርመኒያ  

ኣብ ሶሪያ ተወላዲ ኣርመኒያ ካቶሊካዊ ካህን ብኣባላት ጉጅለ ኣሸበርቲ እስላማዊ መንግስቲ ተቐቲሎም

ኣባ በዶያን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆሉን ከምዝዀኑ፡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርመን ኣብ 1742 ዓ.ም. ወግዓዊ ተፈላጥነት ዝረኸበት ውሁዳን ማሕብረ ክርስቲያን እትሓቁፍ

ኣባ ሆቭሰፕ በዶያንን ኣባ ኣብራሓምን ኣብ ሶሪያ ኣብ ምስራቓዊ ዳይር ኣዝ ዞር ናብ እትርከብ ቑሸት ቡሳይራ እናተጓዕዙ እንከለዉ እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ብዝፈጸሞ ድብያ ከምእተቐትሉን ምስኦም ሓቢሮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዲያቆን ፋዲ ሳኖ ከምዝቖሰሉ ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ናይ ሶሪያዊ ኩርዳዊ ርእሰ ምምሕዳር ዋና ከተማ ቃሚሽሊ ቦምብ ዝተጸምደን ክልተ ማካይን ተባሪዔን ሽዱሽተ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞም እንከሎ ካልኦት 22 ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ሳልሰይቲ ቦምቢ ዝተጸምዳ ማኪና እውን ኣብ ጥቓ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተባርዔት ክንገር እንከሎ፡ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ እንክብል ባዕሉ እቲ ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ከምዝገለጸ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ በዶያን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆሉን ከምዝዀኑ፡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርመን ኣብ 1742 ዓ.ም. ወግዓዊ ተፈላጥነት ዝረኸበት ውሁዳን ማሕብረ ክርስቲያን እትሓቁፍን፡ ምስ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምሉእ ውህደት ዘለዋ ፓትሪያርካዊት ሕገ ቀኖናዊ ሉኣላውነት ዘለዋ ከምዝዀነትን፡ ኣብ ሊባኖስን ኢራንን ዒራቕን ምስርን ሶሪያን ቱርክን እስራኤልን ፍልስጥኤምን እውን ከምእትርከብን ማእከላዊ መንበር ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ቤይሩት ብዝርከቡ ብናይ ቂልቀያ ፓትሪይር ቀዳማውነት እትምራሕ ከምዝዀነትን እዋናዊ ፓትሪያርክ ናይታ ቤተ ክርስቲያን 85 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ 2015 ዓ.ም. ዝተሓርዩ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪኮር በድሮስ መበል 20 ጋብሮያ ብቀዳማውነት ኣትምራሕ ከምዝዀነት ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ በቲ ኣብ ሶሪያ ዝተባርዔ መዕለቢ ዝሰኣነ ውግእ ምኽንያት ብዙሓት ካህናትን ገዳማውያንን ከምእተቐትሉን፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ተወላዲ ሆላድን ኣባ ቫን ደር ሉግት ኣብ ሖምስ ፡ ኣብ 2013 ዓ.ም. እውን ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ፍራንሶይስ ሙራድ ከምእተቐትሉን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመተ ምሕረት እውን ኢጣሊያዊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮን ካልኦት ክልተ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቡሎስ ያዚጂን ዮሃና ኢብራሂምን ኣርምናዊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህን ኣባ ሚከል ካያልን ኦርቶዶክሳዊ ካህን ኣባ ማሔር ማሕፉዝን ተጨውዮም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም እውን ከምዝይፍለጥን የዘኻኽሩ።

ኣብ ሶሪያ ተወላዲ ኣርመኒያ ካቶሊካዊ ካህን ብኣባላት ጉጅለ ኣሸበርቲ እስላማዊ መንግስቲ ተቐቲሎም
13 November 2019, 09:00