ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኵኑን እዩ ዝብል ቃሎም ክውን ፖለቲካ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኵኑን እዩ ዝብል ቃሎም ክውን ፖለቲካ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኵኑን እዩ ዝብል ቃሎም ክውን ፖለቲካ እዩ

ኑክለሳዊ ውግእ ብቐጻልነት ከም መፈራርሒ ምጥቃምን ንዝተፈላለዩ ውግኣት ከም ቅኑዕ መፍትሒ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ብዛዕባ ሰላም ከመይ ገርና ክንዛረብ ንኽእል? …. እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር ጥራሕ እዩ

ብዝሃ ጐናውነት ኣቀራርባ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት እናደስከለን ናብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውናነ ዝግበር ቅድድምን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋናዊ ዓለም እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር’ዚ ንመላእ ዘርኢ ሰብን ፍጥረት ዝምልከት ክነሱ፡ ማሕበራዊ ርእይቶ ዘይተገዳስነት ይህበሉ ከምዘሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ዓለም ለኻዊ ለኻዊ ቓልሖት ዘለዎ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ጸረ ሰብኣዊ ገበን ጥራሕ ዘይኰነ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባር ቤትናን እውን እዩ፡ ውጉዝ ይብልዎን፡ እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋ ጥራሕ ተኻኣሊ ይብሉ፡ ኣብ ጥልቂ ጽሞና ናይቶም ብኣቶማዊ ቦምቢ ናይ ዝተቐትሉ ገዓሮም ጽን ምባል የድሊ፡ ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ፡ እዚ ቃል ቅዱስነቶም ነቢያውን ብግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝግብኦ እውን እዩ። ክውን ፖለቲካ ዘቃልሕ ዓለም ርእሰ ዕንወት ናብ ምፍጻን ሓደጋ የብል ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።

ኣጽዋር ኵኑን እዩ ዝብል ቃሎም ብርቱዕ ክውን ፖለቲካ እዩ

ናይ መንበረ ጥበብ መምህርን ናይ ምርጋፍ ኣጽዋር ቤተ መዝገብ ምኽትል ኣቦ መንበር ማውሪዚዮ ሲሞንቸሊ፡ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘስምዕዎ መደረ፡ ግልጽን ብርቱዕን ቀጥተይናን እዩ፡ እንክብሉ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ብዛዕባ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን በዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ዘይዛረባሉ ጉዳይ ኰይኑን ርእይቶ ዜጋታት እውን ብዙሕ ተገዳስነት ዘይህበሉ ከይኑ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን፡ እንኰን ምዙዝን ድምጺ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጥራሕ ኰይኑ ይርከብ።

ብግብርና ኢና እንፍረድ

ኣብ ሂርሾማ ተረኺቦም ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ ኣቶማ ዊ ጸዓት ንመጋበርያ ውግእ ምጥቃም ኢግብረ ገባዊ እዩ፡ ምውናኑ እውን ከይተረፈ ኢግብረ ገባዊ እዩ፡ ዘፍርደና ተገባርና እዩ እክብሉ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ 2017 ዓ.ም.፥ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነ ዓለምን ኵለንተናዊ ምርጋፍ ኣጽዋርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡  ኣብ ባንግላደሽ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ምምላሶምን ብዛዕባ ኣጽዋር ውግእ ዝበልዎን ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስቱ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽትን ጳውሎስ ሻድሻይን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን እውን ተውኪሶም፡

ኑክለሳዊ ውግእ ብቐጻልነት ከም መፈራርሒ ምጥቃምን ንዝተፈላለዩ ውግኣት ከም ቅኑዕ መፍትሒ ምጥቃም ዝብል ሓሳብ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን ብዛዕባ ሰላም ከመይ ገርና ክንዛረብ ንኽእል? …. እውነተይና ሰላም ኣብ ምርጋፍ ኣጽዋር ጥራሕ እዩ፡

እንክብሉ ከምዝገለጹን እዚ ኵሉ ታሪኻውን ጭቡጥን ተመክሮ ክነሱ ቅድድም ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብዙሕ ዘይዝረበሉ እውን ይኹን ይቕጽል ኣሎ ኢሎም።

ኑክለስ ኣብ ዓለም

ኑክለሳዊ ሙከራ ሎሚ ካብ ቀደም ዝቐነሰ እውን እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኑክለሳዊ ኣጽዋር መላእ ዘርእሲ ሰብ ንምጥፋእ እኹል እዩ፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብዝለዓለ ደረጃ ዝውንና ሃገራት ሩሲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ክዀና እንከላው፡ ሩሲያ 6,400 ሉክለሳዊ ልቡው ኣጽዋር ውግእ ከምዘለዋን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኸኣ 6,185 ከምእትውንን ፈረንሳን ቻይናን እንግሊዝን ካብ 200 ክሳብ 300 ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንና ከምዝዀናን ፓኪስታንን ህንድን እስራኤልን ሰሜን ኰርያ ስዒበን ዝጥቀሳ ሃገራት ከምዝዀና ሲሞንቸሊ ይሕብሩ።

ተስፋታት ስምምዕ ንእገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር

ኣብ ቅድሚ እቲ ኑክለሳዊ ስግኣት ንዘርኢ ሰብን ፍጥረትን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 7 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ዘውጸኦ ውዕሊ እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ኔው ዮርክ ኣብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ፍርርም ዝተገብረሉን ድሕሪ እቲ ፍርርም ኣብ 90 መዓልቲ ተፈጻምነት ክህልዎ ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ብዝርከብ ሕዝባዊ ባይቶ ይኹንታ ዘድልዮ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ 50 ሃገራት ብህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ኣባይቲ ምኽርን ኣቢለን ከጽድቕኦ ይግባኣ ዝብል ቅድመ ኩነት ዘለዎ እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ሃገረ ቫቲካን ሓዊስካ 34 ሃገራት ጥራሕ ኣብ ናይ ሃገራትን ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ይኹንታ ከምዝሃባሉን ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኵኑን እዩ ዝብል ቃሎም ክውን ፖለቲካ እዩ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኵኑን እዩ ዝብል ቃሎም ክውን ፖለቲካ እዩ
30 November 2019, 17:33