ድለ

ከባብን ብረታዊ ግጭትን፡ ሎሚ እውን ናይ ሓባር ቤትና ዘድምይ መጥቃዕቲ ከባብን ብረታዊ ግጭትን፡ ሎሚ እውን ናይ ሓባር ቤትና ዘድምይ መጥቃዕቲ 

ከባብን ብረታዊ ግጭትን፡ ሎሚ እውን ናይ ሓባር ቤትና ዘድምይ መጥቃዕቲ

ውግእ ኣብ ልዕሊ መሬት ከቢድ መጉዳእቲ ዘስዕብ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ኣብ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም ይሕብሩ፡ ኣስዒቦም እውን መሬት ዝተዓደለቶ ጸጋታት ኣብ ቅድሚ ዘጓንፍ ናይ ምንጻት ሓደጋ

ዕለት 6 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ ኣብ እዋን ውግእን ብረታዊ ግጭትን ካብ ዝተፈላለዩ ዓመጻት መዓልቲ ምክልኻል መሬት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ፡ ሰላም ንምዕቃብ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ምክንኻን መሰረታዊ ሜላ ምዃኑ ይቃላሕን ኣብ እዋን ውግእ ብዓቢዩ ዝጉዳእ ሰብኣዊ ፍጥረት እውን እንተዀነ ውግእን ዓመጽን ዕርዲ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ዝፍጸም ምዝመዛ ሃብቲ ክወገድ ጻውዒት ዝቐርበሉ ዕለት እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እዋን ውግእ ግዳይ ዝዀኑ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ጥራሕ ኣይኰኑን፡ ውግእ ሕይወት ሰብ ይቕንጽል ከተማታትን ገጠራትን የዕንው ስደትን ምዝብልናን ዘስዕብ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦን ዘይስሕቶን ሓቂ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ከባቢ - ምህዳር እውን ንገዛእ ርእሱ ሓደ ካብቶም ግዳያት ምዃኑ ይዝንጋዕ፡ ብምኽንያት ውግእን ኣጽዋር ውግእን ምህዳር ተፈጥሮኣዊ መልክዑ ይቕየር፡ ይደምይ ዘይበርስ በሰላ ይወርዶ፡ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ እዋን ውግእን ብረታዊ ግርጭትን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝፍጸም ምዝመዛን ዓመጽን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብዝብል ዕላማ በቢ ዓመቱ ዕለት 6 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ ኣቐዲምካ ኣብ እዋን ውግእን ብረታዊ ግጭትን ካብ ዝተፈላለዩ ዓመጻት መሬት ምክልኻል መዓልቲ ክኸውን ከምዝወሰነ ክዝከር እንከሎ፡

ገና ዘይሓወየ ቍስሊ

ኣብ ውግእን ብረታዊ ግርጭትን ዝፍጸም ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምዝመዛን ብከላን ኣብ ነዊሕ ርሕቐት ዘስዕቦ ጸገምን ኣብ ልዕሊ ሕዝብን ተፈጥሮን ሓዲግዎ ዝሓልፍ በሰላ ከቢድ ምዃኑ ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብሓጺሩ ኣብ በልጂምን ፈረንሳን ሓዲግዎ ዝሓለፈ ብከላ ክሳብ ሎሚ ዝረአይ ዘሎ መጉዳእቲ ከባቢ ምጥቃስ ይከኣል፡ ኣብ ኣፍጋስታን ዘስዓቦ ውድመት ኣግራብን ኣብ ኮሎምቢያን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ዝተኻይዱ ውግእ ኣብ ልዕሊ ምህዳራዊ ባህርያዊ ኪደት ዘስዓቦ ብከላን ጭቡጥ እዩ።

ተፈጥሮ ከም ኣጽዋር ምጥቃም

ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናይ ወተሃደራት ንቕድሚት ከየብሉን ንድሕሪት ክምለሱን መታን ኪደት ወሓይዝ ምኹላፍን ኣብ ቨትናም ጸላኢ ኣብቲ ሓምላይ ሃብቲ ዘለሉ ከባቢ ከይሕባእ መታን ዝተፈጸመ ኣግራብ ናይ ምጥፋእ ስርሒትን፡ ብተና ቀመማዊ ኣጽዋርን፡ ዘስዓቦ ብከላ ናይ ከባቢ ኣየር፡ ወተሃደራት ንዝስተይ ማይ ዝጥቀምሉ  ወሓይዛት ኣብ እዋን ውግእ ምብካልን ናይ ሕርሻ ምህርቲ ንመግብነት ከይጥቀመሉ እውን ልሙዕ መሬት ብዝተፈላለዩ መርዘይና ንጥረ ነገራት ምድንዛዝን፡ ናይ ሕርሻ ምህርቲ ምብራስን ኣብ እዋን ውግእ ዝረአይ ልሙድ ተፈጥሮ ከም ኣጽዋር ናይ ምጥቃም ተግባር እዩ፡ ተፈጥሮ ከም ኣጽዋር ምጥቃም ሕይወት ምጽናት እዩ የስዕብ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ውድንነት ተፈጥሮ ብሓደስቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ

ውግእ ኣብ ልዕሊ መሬት ከቢድ መጉዳእቲ ዘስዕብ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባህ ኣብ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም ይሕብሩ፡ ኣስዒቦም እውን መሬት ዝተዓደለቶ ጸጋታት ኣብ ቅድሚ ዘጓንፍ ናይ ምንጻት ሓደጋ ተወሳኺ ስቓይን ብርሰትን ናይ ዘስዕበሉ ናይ ውግእ ዓውዲ ክኸውንን እቲ ዘለዎ ሃብቲ ንምክንኻን ብዝብል ሸፈጥ ምኽንያት ኣደዳ ውግእ ኰይኑ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ።

ውግእ ወትሩ ኣብ ምህዳርን ኣብ ልዕሊ ናይ ኣሕዛብ ሃብታም ባህሊ ከቢድ ማህሰይቲ እዩ ዘስዕብ፡ ክንየው እዚ ዓቢይ ሓደጋ’ዚ ኑክለሳውን ስነ ሕይወታዊ ኣጽዋርን ምሕሳብ ዝኸፍኤ መጉዳእቲ ንምፍጣር ምልዕዓል እዩ ዝኸውን፡ ዋላ’ኳ ኑክለሳውን ስነ ሕይወታውን ኣጽዋር ንምኽልካልን ንምውጋድን ዝብል ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ውዕላት እውን ዝተፈጸመ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር ማእከላት ሓደስቲ ናይ ተፈጥሮ ውድን ዘዛብዕ ዓይነተ ኣጽዋር ውግእ ምህዞ ክካይድ ይረአይ (ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ረአ)፡

ከባብን ሰላምን

ኣዚ ሎሚ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተሓሲቡ ዝውዕል ኣብ እዋን ውግእን ብረታዊ ግጭትን ካብ ዝተፈላለዩ ዓመጻት መዓልቲ ምክልኻል መሬት ቀንዲ ሸቶ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣጽዋር ውግእ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘስዕቦ መጉዳእቲ ንኽቓወምን መንግስታት ነዚ ሓሳብ እዚ ዘተግብር መጋበርያ ከቕርቡ ንምትብብዕ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ክረጋገጽ ቢሉ ዝሓንጸጾ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ብዘይ ሰላምን ደሕንነትን ክረጋገጽ ከምዘይክእል የመላኽት፡ ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ምክልኻል ከባብን ተፈጥሮን ውግእን ግርጭትን ኣቐዲምካ ንምክልኻል ንዝግበር ጻዕሪ ደጋፊ እዩ፡ ነባሪ ሰላም ምክልኻል ተፈጥሮን ብዘይ ምዝባዕ ውድን ምህዳራዊ ስልትን እዩ ውሑስ ዝኸውን።

ዓለም ሓቆፍ ኣብ እዋን ውግእን ብረታዊ ግጭትን ካብ ዝተፈላለዩ ዓመጻት መዓልቲ ምክልኻል መሬት
06 November 2019, 17:57