ድለ

ብራዚል፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ርእሰ ብሔር ሉላ ካብ ቤት ማሕቡስ ንኸውጹ ከምዝወሰነ ብራዚል፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ርእሰ ብሔር ሉላ ካብ ቤት ማሕቡስ ንኸውጹ ከምዝወሰነ 

ብራዚል፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ርእሰ ብሔር ሉላ ካብ ቤት ማሕቡስ ንኸውጹ ከምዝወሰነ

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ ብደገፍቶምን ሰዓብቶምን ኣቀባብላ ከምተገበረሎምን ንርእሰ ብሔር ዣይር ቦልሶናሮ ትምክሕተይና እንክብሉ ገሊጾም፡ ብዘይ ምንም ጭቡጥ መረጋገጸ ንናይ ጸጋም ዘመም ናይ ፖለቲካ ውድብ ዝኸሱን ዝወቕሱን እዮም

ኣብ ብራዚል ብምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝነበሩ ነበር ርእሰ ብሔር ሉዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ድሕሪ 19 ወርሒ እስራት ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናጻ ክልቀቑ ከምዝወሰነን፡ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ካብ ቤት ማሕቡስ ከምዝወጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነበር ርእሰ ብሔር ሉላ ዕለት 7 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብብላዕን ምግብረ ብልሽውናን ተኸሲሶም ብቐዳማይን ካልኣይን ይግባእይ ተቐባልን ቤት ፍርዲ ብዝተወሃበ ፍርዲ ከምእተኣሰሩ፡ ክዝከር እንከሎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ ብደገፍቶምን ሰዓብቶምን ኣቀባብላ ከምተገበረሎምን ንርእሰ ብሔር ዣይር ቦልሶናሮ ትምክሕተይና እንክብሉ ገሊጾም፡ ብዘይ ምንም ጭቡጥ መረጋገጸ ንናይ ጸጋም ዘመም ናይ ፖለቲካ ውድብ ዝኸሱን ዝወቕሱን እዮም እንክብሉ ከምዝገለጹ ክሕበር እነክሎ፡ ናይ ቨነዝወላ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ እውን ብወገኖም ናጻ ምልቓቕ ሉላ ምስ ሰምዑ ንመንግስቲ ቨነዝወላን ሕዝብን ዓቢይ ናይ ሓጐስ ምኽንያት እዩ ከምዝበሉን፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኤኮኖሚ ድርገት ሓላፊ ፓውሎ ጀንቲሎኒ  እውን ብወገኖም ብትዊተ መሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፡ ሉላ ዓቢይ ርእሰ ብሔር፡ ኣብ ብራዚል ድኽነት ክውገድን ምእንቲ ህዝቢ ብራዚል ከይተሓለሉ ዘገልገሉን እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ይገልጹ።

ወዲ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ዣይር ቦልሶናሮ ናይ ማሕበራውን ናጻውን ፖለቲካ ሰልፍ ኣባልን ኣባል ሕዝባዊ ባይቶን ናይ ኣኽራሪ የማን ዘመም ናይ ፖለቲካ ሰልፍ ዘነቓቕሑ፡ ናጻ ምልቓቕ ሉላ፡ ጓሓሉን ሸፋቱን ናጻ ይልቀቑ፡ ብራዚላውያን ከኣ ዝከላኸልሉ ስርዓት ንኽፈትሑ ይግደዱ፡ ምስኪናይ ብራዚላዊ ዜጋ እንክብሉ ናጻ ምልቓቕ ሉላ ዝቃወም ርእዮት ከምዝሃቡ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ብራዚል፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ርእሰ ብሔር ሉላ ካብ ቤት ማሕቡስ ንኸውጹ ከምዝወሰነ
11 November 2019, 18:01