ድለ

ቦሊቪያ፥ ኣባል ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣነዝ ሓዳስ ርእሰ ብሔር ኰይነን ተሓርየን ቦሊቪያ፥ ኣባል ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣነዝ ሓዳስ ርእሰ ብሔር ኰይነን ተሓርየን 

ቦሊቪያ፥ ኣባል ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣነዝ ሓዳስ ርእሰ ብሔር ኰይነን ተሓርየን

ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ቦሊቪያ ምርድዳእን ሰላም ክዓስል ጻውዒት ነቕርብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ቦሊቪያ መጻኢ፡ ቅዋም ሃገርን እቲ ቅዋም ዘንበሮ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምኽባር እዩ

ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ምስ ለቐቑ ናይቲ ደሞክራሲያዊ ሓድነት እተሰምያ ናይ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ሰልፍን ናይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባል ኸኣኒነ ኣነዝ ግዚያዊት ርእሰ ብሔር ንኽኰና ከምእተሓረያ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመድዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም፡ ርእሰ ብሔር ኣነዝ ኣብ ዘስምዐኦ ቀዳማይ ሃገራዊ መደረ፡ ኣብ ቦሊቪያ ድሕሪ እቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ዝተፈጥረ ማሕብራዊ ግጭት ተወጊዱ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ኣበርቲዔን ክዓያ ምዃነን እውን ከምዝገለጻ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንፈለማ ግዜ ኣብ ቦልቪያ ኣባል ቀዳሞት ተወለድቲ ርእሰ ብሔር ኰይኖም ዝተሓርዩን ን13 ዓመት ኣብ ርእሰ ብሔር ስልጣን ዘገልገሉ ኤቮ ሞራለስ ምስቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተሓሒዙ ብዝተኣታተወ ማሕበራዊ ውጥረት ሁከትን ምኽንያት ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ምስ ኣረከቡ ሕዝባዊ ባይቶ ቦልቪያ ኣነዝ ግዚያዊት ርእሰ ብሔር ቢሉ ከምዝሓረየንን ነዚ ሕርየት’ዚ ሞራስለስ ከምእተቓወምዎ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡ ዕለት 3 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት ኣመሪካ ውድብ እቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቦሊቪያ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ግልጽነት ዝጐደሎን ብግልጺ ተጽእኖ ዝተራእዩ እዩ ኔሩ ቢሉ ክስረዝን ዳግማይ ሓድሽ ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቢ ከምዝነበረ እውን ዘኪሮም፡

ተቓውሞን ዓመጽን

ኣብታ ሃገር ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ናዕቢ ዘስዓቦ ዓመጽ ምኽንያት ሸውዓተ ዜጋታት ከምእተቐትሉ፡ ናይታ ሃገር ዋና ዓቃቢ ዳይና ኹዋን ላንቺፓ ፖንቸ ገሊጾም ህዝቢ፡ ሃገር ናብ ህድኣት ክትምለስ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ዓመጽን ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ደው ከብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጦም።

ብፁዓን ጳጳሳት ቦሊቪያ

ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ቦሊቪያ ምርድዳእን ሰላም ክዓስል ጻውዒት ነቕርብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ቦሊቪያ መጻኢ፡ ቅዋም ሃገርን እቲ ቅዋም ዘንበሮ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምኽባር እዩ ዝሕነጽ፡ ስለዚህ ቅዋም ሃገር ዋሕስ ሃገርን ሕዝብን እዩ እሞ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላት ብቕዋም ሃገር ተመሪሖም ንናይ መላእ ሕዝቢ ረብሓ ከገልግሉ ንዕድም ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣተሓሒዞም፥ ኣብ ሰላም ዝቖመት ሰላማዊት ቦሊቪያ ንሕነጽ፡ ናይ በርገሳውያንን ናይ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ላዕለዎት ኣካላት ሰላም ንኽረጋገጽ ክዓዩ ንላበው ከምዝበሉ የመልክቱ።

ሰላም ይንገስ

ኢየሱስ ኣብ ኩሉን ምስ ኵሉን ሰላም ንኽንገብርን ንኽንሓንጽን ይዕድመና፡ ንሓድ ሕድካ ከም ጸላኢ ከይተረኣኣኻ ቦሊቪያ ሰላም ዝነግሰላ ሃገር መታን ክትከውንን ዓመጽ ከብቅዕን ምዕባለን ናጽነትን ኵሉ ዜና ዝሳለጠላ መታን ክትከውን ኩሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ከቐድም ሃደራ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእክቶም ኣስዒቦም፡ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ፖለቲካ ውድባት ዘሎ ፍልልይ መግለጺ ስርዓት ደሞክራሲ እምበር ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ናብ ውጥረትን ግጭትን ዝመርሕ ክኸውን ኣይግባእን ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ቦሊቪያ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ህልው ኩነታት ቦሊቪያ እናሓሰቡ፡ እቲ ሰሙናት ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ቦሊቪያ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ተተሓሒዙ እቲ ምርጫ ምትላል ዝተራእዮ ነይሩ ብዝብል ሕድ ሕዳዊ ምክሳስ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብርእሰ ብሔር ሞራለስ ዝምራሕ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቃወም ፖለቲካዊ ውድብ ዝጠለቦ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ዝተኣታተወ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ንጸልይ ከምዝበሉ ክዝከር ኣንከሎ፡ ናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. መዓስ ይካየድ ብትኽክል ዕለት እውን ኣይግለጹ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ዳግም ክካየድ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ ኣመሓላሊፎምን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ላ ፓዝ ዕለት 10 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ናይቲ ብዙሕ ነቐፌታን ህየሳን ዝፍነወሉ ዘሎ ነቲ ናይ ድምጺ ቆጸራ ማንም ከይተጸበዮ ንኽቋረጽ ዝገብረ ናይ ሃገሮም ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባላት ብሓደስቲ ኣካላት ክትክኡ ዝብል ውሳኔ እውን ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ቦሊቪያ፥ ኣባል ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣነዝ ሓዳስ ርእሰ ብሔር ኰይነን ተሓርየን
14 November 2019, 17:52