ድለ

2019.09.21  ብዛዕባ ሕውነት ደቂ ሰባት ዝሓዘ ሰነድ ኣብ ጉባኤ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ኒውዮርክ ምቕራብ! 2019.09.21 ብዛዕባ ሕውነት ደቂ ሰባት ዝሓዘ ሰነድ ኣብ ጉባኤ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ኒውዮርክ ምቕራብ! 

ኣብ ዓመተ 2019 ምክእኣል ናብ ግሎባዊ መልክዕ ይሰጋገር!

እቲ ድሮ ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተኸተመ ሓባራዊ ናይ ምክእኣል ጉዕዞ፡ ሕጂ’ውን መራሕቲ ዓለም ኣብ ኒውዮርክ ዝገበርዎ መበል 74 ክፋል ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዳግም ከምዘሓደስዎ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብሃገራዊ ተበግሶ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ 2018 ብፕረሲደንት ሸኽ ካሊፋ ቢን ዛይድ፡ 2019 ናይ ምክእኣል ዓመት ክኸውን ከምዝኣወጁ ይዝከር። እዚ ኣብ ምርግጋእ ዓለምና ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ማእከል ናይ ምክእኣል ዞባ ዓለምና ብምዃን፡ ኣብ መንጎ ባህልታትን ስልጣነታትን ሃገራት ዝርርብን ምትሕግጋዝን ክህሉ፡ ተግባራውያንን ዝጭበጡን ውጥናት ኣብ ምስራዕ ተጸሚዳ ከምእትርከብ ይፍለጥ።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 4 ናይ ወርሒ የካቲት 2019ዓምፈ፡ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራቸስኮስ ካብ ዓቢ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ናይ ዙፋነ ነገስት ኣቡዳቢ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሰረት ናብ ኣቡዳቢ ብምኻድ፡ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ክቡር ዶር. ኣሕመድ ኣል-ጣይብን ተራኺቦም፡ ኣብ ሕውነት ዝተሰረተ ሰለማዊ ዓለምን፡ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ዝዓለመ ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስቱ ታሪኻዊ ሰነድ ከምዝተፈራረሙ ይዝከር።

ስድራቤት ኣብራሃም

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምኽታም ሓባራዊ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ብዕለት 5 የካቲት 2019ዓምፈ፡ ወራሲ ዙፋን ንግስነት ኣቡዳቢ፡ ኣብ ደሴት ሰዓዲያት ቤት፥ ናይ ስድራ ኣብራሃም ከሓንጹ ከምዝኾኑ ኣብ ግዜኡ ብኣዋጅ ምሕባሮም ይዝከር። እዚ ሕንጻ’ዚ ቤተ-ክርስትያንን፡ መስጊድን፡ ምኩራብን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ሓባራዊ ናይ ቤት ትምህርቲ ማእከል’ውን ክህልዎ ከምዝኾነ ተገሊጹ። እዚ ሓባራዊ ቤት ንዝተፈላለዩ እምነትን ባህላዊ ውርሻን ዘለዎም ሕብረተ-ሰብ ብምእንጋድ ሓቢሮም ከዝትዩን ከምልኹን ከኽእሉ ከምዝሕግዞም ኣፍሊጦም።

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ መላእ ዓለም

ሓደ ካብ ኣባላት ሽማግለ ዝኾኑ መሓመድ ካሊፋ ኣል ሙባረክ፡ እቲ ድሒሩ ዝመጸ ናይሕብረት ባህልታት ዓለምʼ ኣብቲ ጽቡቕ ድላይ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሃገራት ዝተሰርተ ምዃኑ የዘኻኽሩ፥

ʽእምነት ናብ’ቲ ንምርድኡ ቀሊል ዝነበረሉ ናይ ጥንታዊ መሰረቱ ብምምላስ፡ ንትሕዝቶ መልእኽቲ ናይ እምነታት መጻሕፍቲ ብዝቐለለ ብምቕራብ፡ ማለት ንብጻይካ ምፍቃርን ሰናይ ምግባርን ምሕጋዝን ዝብላ ንኹለን ዘካትታ ሓባራውያን ረቛሒታትን፡ ብሓባር ክስርሓለን ዘለዎ’ኳ እንተኾና፡ በንጻሩ ኣብ ግብሪ ግን ንክንፈላለን ክንመቓቐልን ከምእንጥቀመለን ዕለታዊ ኣነባብራና ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። እዞም ናይ ስድራ ቤት-ኣብራሃም ውጥናትን ተበግሶታትን’ምበኣር፡ ነዞም ብድሆታት እዚኦቶም ብምስትውዓል፡ ንዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ናብ ሓደ መኣዲ ብምምጻእ፡ ምስ ቅዱስ ሕልሚ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓቢረን፡ ናይ ምክእኣልን፡ ሓባራዊ ጽቡቕ ዕድል ናይ ምሕናጽን ዕዮ ክስርሓሉን ይላቦʼ ብምባል ሓሳቡ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ኮሚተ ኣብ ሮማ ስርሑ ጀሚሩ

ነቲ ኣብ ኣቡዳቢ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስን ዓብይ ኢማም ኣል ጣይብ ኣብ ኣቡዳቢ፡ ዝተኸተመ ታሪኻዊ ሓባራዊ ሰንድ ንምትግባር፡ ብዕለት 19 ነሓሰ 2019ዓምፈ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሽማግለ ከምዝተጣየሰ ይዝከር። እቲ ሽማግለ 7 ኣባላት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ 2 ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ 2 ካብ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ 3 ከኣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝውክሉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዚ ኮሚተ’ዚ ንመጀመርያ ግዜ ብዕለት 11 መስከረም 2019 ጉባኤ ከምዝገበሩ እንክፍለጥ፡ እቲ ዕለት ዝተመርጸሉ ከኣ፡ ንዝኽሪ መበል 18 ዓመት ናይ ኣብ ልዕሊ መናቱ ሕንጻታት ናይ ከተማ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ቅድስነቶም ነቲ መዓልቲ ኣመልኪቶም ʽእዚ ዝኽሪ`ዚ ነቲ ናይቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ናይ ሞትን ዕንወትን ሓሳብ፡ ብሕይወትን ሕውነትን ዝትክእ እዩʼ ብምባል ትርጉም ናይ`ቲ ዝኽርን ቅዱስ ተበግሶን ኣገንዚቦም።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ሮማ ዝተገብረ ናይ መጀመርያ ጉባኤ፡ ራባይ ብሩቺ ሉስቲግ’ውን ናብ’ታ ዓባይ ሽማግለ ከምዝተጸምበሩ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ኮሚተ ነቲ መልእኽቲ ናብ ኒውዮርክ ኣሕሊፎም

እዚ ምእንቲ ሕውነትን ምክእኣልን ዝቖመ ላዕለዋይ ኮሚተ፡ ንመልእኽቶምን ዕላምኦምን ናብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ብዝብል ሓሳብ፡ ብዕለት 20 መስከረም፡ ኣብ መበል 74 ክፋል ናይ መራሕቲ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝተጀመረ ጉባኤ ተረኺቦም፡ ከምዘመሓላለፉ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብቶም ኣባላት ኮሚተ ኣኽባሪ ሕጊ መሓመድ ማሕሙድ ዓብደል ሰላም ዝተባህሉ ነቲ ናብቶም መራሕቲ ሃገራት ዝገበርዎ ጻውዒት ኣመልኪቶም ዓርቢ ዕለት 20 ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ʽዝኾነት ሃገር ምስ’ቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኸተመ ታሪኻዊ ሰነድ እትሰማማዕ ሓቢርና ንምስራሕ ስንድዋት እናʼ ድሕሪ’ሎም፡ ምስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብምዝርራብ፡ እቲ ሰነድ ክቕበልዎን ክሰርሕሉን ከምዝሓተቱን፡ ንተቐባልነቱ ብዝምልከት ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከቕርብዎ ከምዝኾኑ ዝሕብር መልሲ ከምዝረኸቡን ተሓቢሩ።

ኣብ ቀጻሊ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ብድሆታት

ሓደ ካብቶም ንነዊሕ ዝኣንፈተ ዕላማታት ናይ`ቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ማዕርነት መሰልን ግቡእን ዝተሰረተ ፍትሕን ዜግነት ክረክብ ዘኽእሎ ኩነት ሕግን ግንዛቤን ንምፍጣር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነዚ ናይ ነዊሕ ዕላማ ናይ`ዚ ተበግሶ ኣመልኪቶም ኣባል ናይቲ ሽማግለ ዝኾኑ የኔታ ኣባ ዮሓንስ ጋይድ ʽሰብኣዊ ጎነጽ ወይ በደል ኣንጻር እምነትን ዜግነትን እዩʼ ድሕሪ`ሎሚ ምስኡ ብምትሕሓዝ፡ ንውሁድነት ናይ ምጥፋእን ምጽናትን ሓሳብ’ውን ቅኑዕ ከምዘይኮነን ደው ክብል ከምዘለዎን ተላብዮም።

ብተወሳኺ ካልእ ኣባል ናይ’ታ ሽማግለ ዝኾኑ ኣኽባሪ ሕጊ ሞሓመድ ማሕሙድ ዓብደል ሳላም ንውሁድነት ኣመልኪቶም ʽ እታ ቃል ንባዕላ ናይ ምንጻልን ምፍላይን ኣንጻር ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ዝቐንዐ ብምዃኑ ክንጥቀመሉ ኣይግባእንʼ ኢሎም።

በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር፡ እቲ ሰነድ ብቐጥታ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሸገርቲ ክስተታት ዝብድህ፡ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ብሉጽ ሰነድ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
24 September 2019, 11:43