ድለ

ካብ ዓሌት ሮም ዝኾነት ታሪኽ ኣድርያናን ስድራቤታን! ካብ ዓሌት ሮም ዝኾነት ታሪኽ ኣድርያናን ስድራቤታን!  ታሪኽ

ምስግጋር ሓድሽ ሕይወት ኣድርያና ካብ መዓስከር ሮም ናብ እንዳ ፎርኖ!

ታሪኽ ሕይወት ኣድርያና፡ ኣብ መዓስከር ሮማ ተገሊላን ተንጺላን ተረሲዓን ዝነበረት፡ ብሃንደበት ዘይተጸበየቶ ህያብ ነጻነት ናይ ባህ ዝብላን፡ ዝደለየቶ ሕይወት ምምራሕን ከምዝረኸበት ይፍለጥ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣድርያና ሓንቲ ካብ ስደተይናታትን ወጻእተይናታትን ወለዲ ዝተወልደት መንእሰይ ኢያ። ንሳ ታሪኻ ንኽትገልጽ ሕንቕንቕ እናበለትን፡ ኣእዳዋ ኣብ ነናሓድሕዶም እናጨባበጠትን፡ ኣካላታ ብምጥማር ኣዕንታ ኣብሪሃ ብንብዓት ታሪኻ ክትዝርዝር እናተቓለሰት እንከላ፡ ብኹነታታ ብድንጋጸ ዝተረትዐ ልበይ፡ ቁስላ ይጎድኣ ኣሎኹ ብዝብል ስክፍታ፡ ዘረብኣ ኸተቋርጽን፡ ናብ ንቡር ሕይወታ ክትምለስን ምልክት’ኳ እንተገበረ፡ ንሳ ግን ዘርኣየቶ ምልክታት ናይ ሓጎስን ትብዓትን ከምዝኾነ ከተብራሃለይ ኣይተጸገመትን። ንሳ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ኮይና፡ ገዛን ስድራቤትን፡ መሓዙትን ዘለዉዋን፡ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ እንዳ ፎርኖ’ውን ከምትሰርሕን ንስርሓ ከኣ ኣዝያ ከምትፎትዎን ሓበረትኒ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ምስቶም ኣብ ከባቢኣ ዝርከቡ ጎረባብታ ጽቡቕ ርክብ ስለዘለዋ፡ ምስ ማንም ጓናን ጋሻን ኮይና ኣይትፈልጥን። ይንኣስ ይዕበ፡ ዝተሰመዓን ክትዛረበሉ እትደሊ ነገርን፡ ብዘይ ዝኾነ ስክፍታ ምስ መዛኑኣን መሓዙታን ስለትመያየጥን፡ ራኢኣ ሰለተካፍልን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ወላ ሓደ ብዓኒ ጥርጣሬ ዝጥምታ የለን።

መበቆል

 ኣድርያና ኣብ ሮማ ዝተወልደት መንእሰይ ኮይና፡ ካብ`ዚ ሎሚ እትነብዖ ዘላ ናይ ሓጎስ ንብዓት ዝተፈልየ፡ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት፡ መግለጺ ሓዘንን መከራን ዝኾኑ ብዙሓት ንብዓታት ከምዘፍሰሰት ትገልጽ። ንሳ ካብ ክሮሽያዊ ኣቦን ሰርብያዊት እኖን ከምዝተወልደት፡ እቲ ኣብ ኣእዳዋ ዘሎ ውቃጦ ብምዕዛብ መበቆላን ዘሕለፈቶ ሓሳረ መከራን ክትግምት ኣየጸግምን። ንሳ ኣብ 2013 ኣብ ደምቦስኮ ከተማ ሮማ ዝርከብ መናበዪ ሕጻናት ስራሕ ክትለማመድ ኣብ ዝምጸትሉ ግዜ፡ ብዘይካ ኣብ ሰብነታ ዝነበረ ልብስን ጫማን ምንም ካልእ ኣይነበራን። መንበሪ ገዝኣ ኣብ ምብራቕ ሮማ ዝርከብ መዓስከር ኮይኑ፡ ኣብ መበቆል ሃገሮም ዝነበሮም መሬት ሽይጦም ዝዓደግዎ ባጎኒ ወይ ተሰሓቢ ኮንተይነር እዩ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ፖሊስ መጺኦም ነቲ መንበሪ ቤቶም ከምዝሃገርዎ ሓቢራትኒ። ንሳ ብዛዕባ ኣብ’ዛ ከተማ ዘሕለፈቶ ሕይወት እንክትገልጽ ʽሮማ ኣይፈትዋን’የ! ኣብ’ዚ ዓዲ ሕይወት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ! ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናት’ሞ ኸኣ ፈጺሙ ዝግደደ’ዩ! ሽግር ኣብ ልዕሊ ሽግር ተሰሪዑ’ዩ ዝመጻካ!ʼ ዘርዘረትለይ።

ተነጽሎ ወይ ፈላላይነት

ታሪኽ ናይ ኣድርያናን ስድራቤታን፡ ናይ ምርሳዕን ተንጽሎን ዛንታ ኮይኑ፡ ዝቕበሎም ሕብረተሰብ ንምርካብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ እዮም ዝነብሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቀዲሙ ናብ ካልእ ቦታ ዝቕይር ኣቦኣ፡ ስዒቦም ከኣ ዓባያን ኣቦሓጎኣን የርክብዎ፡ ብድሕሪኡ ዓባይ ሓፍታ ትስዕቦም፡ ኣድኣ ንዝተረፉ 6 ደቃ ከም ማንም ዓሌት ሮም፡ ኣብ ዘይእቶ እናኣተወት፡ ብስርቅን ለመናን መግቢ ዕለቶም እናማእረረት ትዕንግሎም።

መብዛሕትኡ ግዜ ትብል ንሳ ʽመካይን ብመብራህቲ ናይ ትራፊክ ደው ኣብ ዝብላሉ እዋን ቬትሮ ናይተን ዝሓልፋ መካይን ብምጽራይ ገለ ይተዂብልና፡ ኣብ ጎደናታት ንድቀስ፡ ዕድለይናታት ምስ እንኸውን ከኣ ኣብ መደበራት ፖሊስን፡ ኣብ ናይ ኣብያተ ጥዕና ዘሎ ናይ ሓደጋ ክፍሊን እናደቀስና፡ ብውሕዱ ካብ ጓል 8 ዓመት ከሳብ ጓል 15 ዓመት ዝበጽሕ ሕይወተይ ብኸምዚ እንከሕለፎ፡ ሕዝቢ ንዓይን ንኸምዚ ኸማይ ናይ ሮም ሕብረተሰብን፡ ከም ካብ ካልኦት ሰባት ዝተፈለና፡ ጎዳእቲ ሰብን ሰረቕትን ጌሮም ይርእዩናʼ ብምባል ዛንትኣ ብምረት ገለጸትለይ።

ነጥበ መቐይሮ

ካብ ናይ ታሪኽና ሓደ መዓልቲ ቀጸለት ʽኣደይ ኣዝያ ሓሚማን ተስፋ ቖሪጻን ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ናብ ወንጌላውያን ኣመንቲ ከደት’ሞ፡ ምስ ክርስቶስ ተራኸበት፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣመንቲ፡ ኩሉ ነቲ እትነብሮ ናብራ ገዲፋ ምስ ዓለም ክትወሃሃድን ሓድሽ ሕይወት ክትጅምርን ዘኽእላ ተሪር ውሳኔ ክትውስን ተማሕጸንዋ’ሞ፡ ብኹልንትንኣ ነቲ ሓድሽ ሕይወት ሃንጎፋ ኢላ ተቐበልቶ።

ኣስዒባ’ውን ነቲ ምርጫ’ቲ ናባና ኣቕረበቶ’ሞ፡ ንሕና’ውን ሰዓብናያ፡ ኮይኑ ግን በቶም ዓሌትናን ወገናን ኢልና እንሓስቦም ሕዝቢ ከም ከሓድትን፡ ፍንፉናትን፡ ገበርቲ ክፉእን  ብምቑጻር፡ ብኽፉእ ዓይኒ ክጥምቱና ጀመሩ።

በቲ ሓደ ወገን ከኣ ገለ ኣቐዲሞም ካብ ዓሌት ሮም ምዃና ዝፈልጡና፡ ስም ክርስቶስ ክንጽውዕ ምስ ሰምዑና ኣዝዩ ገሪምዎም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከታልሉ ኢሎም ዝገብርዎ ዘለዉ’ዩ ብምባል ብዓይኒ ጥርጠራ ክርእይና ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ሓቀይና ለውጢ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ፡ ካብ ስርቅን ገበንን ናብ ሕውነትን ቅድስናን መጺኹም ብምባል ናይ ቀረባ ፈተውትናን ተቐበልትናን ኮኑʼ። በዚ ከኣ ከም ተራ ካልእ ሰብ፡ እኳ ደኣ ኣመላኽ ማእከሉ ዝገበረ ሕይወት ክትመርሕ ዝኽእላ ሓድሽ ሕይወት ጀመረት። በቶም ዝተቕበልዋ ማሕበረ ክርስትያን’ውን ሓንቲ ከምኣቶምን ማዕርኦምን ተቖጺራ፡ ብዘይ ዝኾነ ሌላን ጉሌላን፡ ብፍቕርን ሕውነትን ትነብር ከምዘላ ሓበረትኒ። ሓደ መዓልቲ ትብል ንሳ "ሓደ ካብቶም ናይ ሕጂ መሓዙተይ፡ ʽኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩላትና ማዕረ ኢና፡ መኽናያቱ ኩላትና ደቁ ሰለዝኾና ኣብ ነንሕድሕድና’ውን ኣሕዋት ኢናʼ ብምባል ሞራለይ ክብ ኣበሎ" በለትኒ።

ንሳ ስም ኣምላኽ ክትጽውዕ ኣይትርብርብን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ስሙ ብምልዓላ ፍሉይ ሓጎስን ደስታን ስለዝፈጥረላ፡ ብኸምዚ ንኣምላኻ ከም ትጽልን ተመስግንን፡ ንሱ’ውን ፈጺሙ ዘይርስዕን፡ ዘሎካ ፍርሕን ስክፍታን ኣብኡ ብምርጋፍ፡ ተስፋ እትገብረሉ እሙን ዓርኪ ከምዝኾነን ገለጸትለይ።

ገና ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ

እቲ ኣብ ኣድኦም ዝተኸስተ ለውጢ፡ ኣቦኦም ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ከምዝነበረን፡ ምስ ተፈትሐ ንስድርኡ ናብ ናፖሊን ሃገረ ስጳኛን ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ወሰዶም። ኣብ እስጳኛ’ውን ንመጀመርያ ግዜ ደቆም ትምህርቲ ጀመሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ግን ኣብ መንጎ ወለዶም ዘይምስምማዕ ተፈጥረ’ሞ፡ ንጣልያን ተመልሱ። ካብኡ ቀጺሎም’ውን ናብ ፈረንሳ ገዓዙ። እንደገና’ውን ኣብኡ ትምህርቲ ከምዝቐጸሉን፡ መነባብሮ ከቢድዎም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብኣጋጣሚ ኣድርያና ሓደጋ መኪና ምስ ኣጋጠማ፡ ካሕሳ ናይ ሕይወት ውሕስነት ገንዘብ ተጠቒሞም ገዛ ንምስራሕ መሬት ገዝኡ። ኮይኑ ግን ሽግሮም ንሱ ጥራሕ ኣይነበረን፡። ኣካላት ኣድራያና ብሮም ዝብል ውቃጦ መሊኡ ብምንባሩ ደቂ ቤትትምህርታን መማህራናን ዋላ’ኳ ትርጉሙ እንተዘይፍለጥዎ፡ ይስሕቁዋን የባጭውላን ብምንባሮም ቀሲኖም ክነብሩ ኣይከኣሉን። በዚ ዝሰንበደት ዓባይ ሓፍታ ንዝገበርዎ ናይ ሕይወት ለውጢ ተሓሲማ፡ ናይ ቀደማ ናይ ደገ-ደገ ሕይወት ናፈቐት፡ ብሕቡእ’ውን ናብ ሓደ ወዲ ዓሌታ ከትምርዖ ተመሓዘወት።

ናብ’ቲ ናይ’ቲ ከባቢ ኣመሓዳሪ ብምኻድ ድማ ነቲ ናይ ደገደገ ኣነባብርኦም ክጅምሩ ክፍቀደሎም ሓተቱ’ሞ፡ ነታ ስድራ ብምምቕቓል፡ ነድኦም ብዘይ ሕጋዊ ወረቕት ናብ መብቆል ዓዳ ዝኾነት ሃገረ ሰርብያ ክትጥረዝ ተወሰነ። እቶም ስድራ ኣብ ኢዶም ወላ ሓንቲ ትሕዝቶ ስለዘይነበሮም፡ ንዝነበሮም ቁራጽ መሬት ሽይጦም ናብ ጣልያን ክምለሱ ወሰኑ።

ኢድ ኣምላኽ

እቶም ስድራ ንጣልያን ኣብ ዝተመልስሉ ግዜ ኣቦ’ታ ስድራ እንደገና ገዲፍዎም ተሰወረ፡ ከምቅደሞም ኣደ ምስ ደቃ በይና ተረፈት፡ ከሳብ ዓባዮም ነታ ብፖሊስ ዝተሃገረት ናይ ቀደሞም ባጎኒ ወይ ኮንተይነር ትገዝኣ፡ ክሳብ ሽዑ ግን ኣደ ምስ ደቃ ኣብ መካይን እንሓደረትን፡ ንገለ ሓደ ሰሙን ዝኸውን’ውን ኣብ ናይ ኣብያተ ጥዕና ናይ ሓደጋ ክፍሊ ኣሕለፈቶ። ብድሕሪኡ በድኦም፡ ዓባዮም እትብጽሖም ሽማግለ ኣደ ናብ ገዝኣ ክትወስዶም ዓደመቶም፡ ካልእ ኣማራጺ ብዘይምርካቦም ንዕድሜአን ተቐቢሎም ምስአን ከዱ። ኮይኑ ግን ብስርዓት ናይ’ቲ ዓሌቶምን ሕብረተሰቦምን፡ እናሰረቑን እናለመኑን መነባብርኦም ክመርሑ ተነግሮም፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ደቃ’ውን ከይተረፈ በቲ ስርዓቶምን ካብ ዓሌቶምን ክምርዓዋ ከምዘለወን ተሓበራ።

እዚ ጉዳይ’ዚ ነቶም ስድራ ኣይተዋሕጠርሎም፡ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ኮይኑ ተሰምዖም’ሞ፡ ኣደ ኣድርያና ንደቃ ሒዛ ካብ’ቲ ቦታ ክትርሕቕ ወሰነት።

ብኣጋጣም፡ ንኣድርያናን ስድራቤታን ኢድ ኣምላኽ ኮይኑ ካብ መጻብቦ ዘውጽኦም ርክብ ምስ ደምበስኮ ናይ ሕጻናት ማእከል ተጀመረ። ምስ ገለ ኣካላት ናይ’ቲ ማእከል ብምዝርራብ ነታ ስድራ ዝኸውን ግዝያዊ መጽለሊ ቤት ተረኽበ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ዝሰርሑ ሰራሕተይናታት፡ ዘዘለዎም ብምብርካት ነታ መጽለሊቶም ባጎኒን፡ ንመነባብርኦም ዝኸውን ገንዘብን ተዋህለለ። እዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንኣድርያና ዓቢ ናይ ለውጢ ነጥበ መቐይሮ ብምዃን ፍሉይ ጸጋን ሓልዮትን ናይ ኣምላኽ ከም እተስተማቕር ገበራ።

ምድላይ ስራሕ

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣድርያና ጓል 17 ዓመት በጺሓ ነበረት’ሞ፡ ኣብ 2014ዓምፈ ናይ ማእከላይ ድረጃ ትምህርታ ብዲብሎማ ድሕሪ ተመሪቓ፡ ብሓገዝ ደምበስኮ ናይ ሕጻናት መዕበያ ማእከል፡ ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ተቖጺራ፡ ናይ ስራሕ ልምዲ ንምጥራይ ናይ መጀምረያ ስርሓ ጀመረት። ንሳ ትብህጎን ደስ ዝብላን ስራሕ፡ ምድላው መግቢ’ኳ እንተነበረ ነቲ ዝረኸበቶ ስራሕ’ውን ኣይጸልአቶን።

ነቲ ዝረኸበቶ ዕድል ተጠቒማ፡ ከመይ ጌርካ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት መግቢ ከተካይድ ከምትኽእል ብሓደ ወገን፡ ከመይ ኢልካ’ኸ ብሕጊ ተቐይድካ ብሓለኣፍነት ምስ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ ትዋሳእን ትወሃሃድን ተማሃረት። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ትብል ንሳ ʽኣብ ስርሐይ ዝሕልቲ ምዃነይ የጉህየኒ፡ ከምኡ’ውን ገለ ጌጋ ከይርከበኒን ዝኾነ ኣቕሓ ከይሰብርን ብምፍራሕ፡ ብጥንቃቐ ይዓዪ ነይረʼ ብምባል ገለጸትለይ። ኮይኑ ግን ትብል ንሳ ʽምስ’ዚ ኩሉ ነገራት እቲ ስራሓ ኣዝዩ ይፍተወኒ ኔሩ፡ ብፍላይ ንግሆ ንመተሲኢተይ ዝመላእኩዋ ስዓት ክትድውል ክሰምዓ ኸለኹ፡ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣኺሉ ብምባል፡ ብውሽጠይ ፍሉይ ባህታ ይሰፍነኒ፡ ብፍላይ ናብ ምውዳእ ወርሒ ኣብ ዝጸጋግዓሉ ናይ ደሞዝ ግዜ፡ ብምሒር ታሕጓስ ሕልሚ ኮይኑ ይስመዓኒ ኔሩʼ ብምባል ኣዘንተወትለይ።

ድሕሪ ዝገበረቶ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ገዛእ ርእሳ ንምኽኣልን ስድራኣ ንምሕጋዝን ብዝተማህረቶ ሞያ ስራሕ ክትደሊ ላዕልን ታሕትን ክትብል ጀመረት። እቲ ንእሽቶ ሓዋ፡ መንነት ወረቐት ስለዘይነበሮ፡ ንሕምምቲ እኖኣ ኣብ ገዛ ይሕሉ፡ ኣቦኣ ከኣ ድሕሪ ገለ እዋን ቅልቅል ኢሉ ይጠፍእ፡ ስራሕ ገና ብዘይምርካባ ተሓዋዊስዋ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ እቲ ብድሆ ቀሊል ኮይኑ ኣይጸንሓን፡ ብውሽጣ ኣዝዩ ተሰሚዕዋ ብዙሕ በኸየት። ሽሕ’ኳ እንተተሰማዓኒ ትብል ንሳ ʽብውሽጠይ ግን፡ በይነይ ከምዘይኮንኩን፡ ኣምላኽ ምሳይ ከምዘሎን ግን ጥርጥር ኣይነበረንንʼ በለትኒ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ገና ጣልያናውያን ፡ ከም ኩሎም ዓሌት ሮም እዮም ዝቕጽሩኒ ነሮም፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ከይተረፈ ክኣቱ ኣየፍቅዱለይን ኔሮም ትብል።

ሓቀይና ቤት

እዚ ኩሉ መከራ ሓሊፉ፡ ኣብ ወርሒ ግምቦት 2019፡ እታ ስድራ ኣብ ከባቢ ሮማ እትርከብ ዓዲ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሓደ ርሻን ቤት ተዋሂብዋ፡ እቲ ዘይከውንን ዘይሕለምን ዝመስል ዝነበረ ኩውን ኮይኑ፡ ሎሚ ኣድርያና ኣብ ሓቀይና ዓራትን፡ ክሽነን፡ ቤት ሽንትን መሕጸብን ዘለዎ ገዛ ብምቕማጥ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድን፡ ሕክምናን፡ ካልኦት ሕዝባውያን ኣገልግሎትን ክትጥቀም ኣኽኢሉዋ ይርከብ።

ኣድርያና ዝተፈላለዩ ከም ናይ ገዛ ስራሕን ምእላይ ሕጻናትን ዝኣመሰሉ ናይ ስራሕ ልምድታት ከምዘለዋን፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ውን ብሓገዝ ናይ ፈላጥን ሓጋዝን ስድራኣ ዝኾኑ ካህን ኣብ እንዳ ፎርኖ ተቖጺራ ትሰርሕ ኣላ። ንሳ ብዛዕባ ስርሓ እንክትዛረብ ʽነዚ ስራሕ ኣዝየ’የ ዝፈትዎ፡ ምስቶም ናብዚ፡ ሕብስትን ባንን ክግዝኡ ዝመጹ’ውን ይዘራረብ’የ ማለት ኣነ ታሪኸይ ይነግሮም ንሶም’ውን ከምኡʼ ትብል።

ብውሽጠይ (ገዛ ኮነ ማይ የብልናን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐስና እና ንነብር፡ ገዛና’ውን ኣብ ባጎኒ እዩ’ ዶ ትብልዮም እናበልኩ) እንታይ ትብልዮም ብምባል ሓተትኩዋ።

ንሳ ብዘይስክፍታ ʽእቲ ካብ ኩሉ ዝለዓለ ኣምላኽ ስለዘፍቀረኒን፡ ስለዝረድኣን ዘድሓነንን ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምኻድ ተሓጊሰ ይነብር ኣሎኹʼ ብምባል መለሰትለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 September 2019, 17:51