ድለ

ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ፈላላይ ዶባት ንምብዳህ ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ፈላላይ ዶባት ንምብዳህ 

ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ፈላላይ ዶባት ንምብዳህ

ብፁዕነቶም ኣብቲ ጉባኤ እቲ ዝሓለፈ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ

ኣብ ማድሪድ ካብ ዕለት 15 መስከረም ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብመሰረት ናይ ኣሲዚ መንፈስ ምንቅስቓስ ቕዱስ ኤጂዲዮ ምስ ናይ ማድሪድ ርእሰ ሰበኻ ብምትሕብባር “ዶብ ኣልቦ ሰላም - ሃይማኖታትን ባህልታን ኣብ ዘተ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃይማኖት መራሕቲ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ቅድስቲ መንበር ወኪሎም ዝተሳተፉ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሓደ ካብቶም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ካብ ዝስመዩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣዩስ ጕይክሶት ድሕሪ እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕነቶም ኣብቲ ጉባኤ እቲ ዝሓለፈ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ሰነድ ንናይ ዓለም ሰላምን ንሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁን፡ ናይቲ ሰነድ ቅዉም ሓሳብ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ንዓለም ሓቆፍ ተቕዋማትን ንናይ ስነ ምርምር ተቕዋማትን ንመናብርተ ጥበብ ዝቐርብ ከምዝዀነን፡ ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ዘሰጋግር እውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሰበኻታትን ናይ ጸሎት ማሕበራትን ቍምስናታትን ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ኰታ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣቃልቦ ክግበረሉን ይግባእ፡ ብሓቂ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ሰነድ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገበር ዘተ ፍሉዩ ኣቃልቦ ክግበረሉ ኣለዎ፡ እቲ ኣብ ማድሪድ ዶብ ኣልቦ ሰላም - ሃይማኖታትን ባህልታትን ንዘተ  ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣብቲ ሰነድ ዝተሰምረሉ ዶብ ኣልቦ ሰላም ዝብል ሓሳብ መሰረት ዝገበረ እዩ። ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ተራኺቦምን ዘትዮምን ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ - ሰብኣዊ ሕውነት ማሕበረሰብ ዓለምን ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ናብ ብሉጽነት ዝመርሕ እዩ። ስለዚህ ናብ ሕውነትን ሰላምን ናብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዘሰንይ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ፈላላይ ዶባት ንምብዳህ
20 September 2019, 10:46