ድለ

ቅልውላው ዚምባብወ ቅልውላው ዚምባብወ 

ኣብ ዚምባብወ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንዓጸቦ ይቃልዑ

ኣብ ዚምባብወ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝበጽሑ ሕዝቢ ሁጹጽ መግቢ ከምዘድልዮም ውድብ ሕቡራር ሃገራት ገሊጹ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዚምባብወ ንብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሓደጋ ዓጸቦ ዘቃልዐ ብርቱዕ ደርቂ ተከሲቱ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ፕረሲደንት ናይ’ታ ሃገር ዝኾኑ አመርሶን ምናንጋጉዋ ነቲ ክስተት ናይ ድርቂ ሃገራዊ ዕንወት ክብሉ ከምዝሰመይዎ ተፈሊጡ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ዝተሰነየ ኮይኑ ኣብ’ቲ ሃገር ከቢድ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ብምስዓብ፣ ማለት እቶም መሰረታውያን ነግራት ዝበሃሉ ከም በዓል ሩዝን ሽኮርን ከይተረፈ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፣ ዋጋታቶም ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ።

ኣብ ሽግር ንዝርከቡ ሓገዝ

ነዞም ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ዝርከቡ ሕዝቢ ዚምባብወ ንምሕጋዝ መንግስቲ’ታ ሃገር ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምሽራኽ $.331 ሚልዮን ሓገዝ ከምዝሓተቱ ተፈሊጥጡ። $.173 ሚልዮን ናይ ጠቕላላ ዝተሓተተ ብዝሒ ገንዘብ ብዓለም ለኸ ትካል ውሕስነት መግቢ ክሕተት እንከሎ፣ እቲ ገንዘብ ንመግብን፣ ማይን፣ ጽሬትን ከምኡ’ውን ንጽጉማት ብጥረ ገንዘብ ኣብ ምሃብ ክውዕል ከምዝኾነ ኣብ ሃራረ ዋና ከተማ ናይ ሃገረ ዚምባብወ ዝርከብ ሓላፊ ዜና ናይ ዓለም-ለኸ ትካል ውሕስነት መግቢ ኣሽለይ ባክስትሮም ሓቢሩ።

ኣሽላይ ባክስትሮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ጊዜ ዝተረኽበ ምህርቲ ናይ`ዚ ዓመት’ዚ ከምዝሕብሮ ፣ እቲ ደርቂ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ማለት ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ብኣልማማ ብምክሳቱ፣ ዘራእቲ’ቲ ሃገር ብዘይፈረ ቀምሲሉ ከምዝተረፈን ንብዙሓት ሕዝቢ ኣደዳ ጥምየት ክኾኑ ከምዘቃልዐን ገሊጸን። እዚ ሓደገይና ክስተት ዘሰከፎም መንግስቲ’ታ ሃገር ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካሎኦት ተሓጋገዝቲ ኣካላትን ብምሽራኽ ንህሉው ቁጠባዊ ኩነታት’ታ ሃገር ብምግምጋም፣ ንናይ ቀጻሊ ቀረብ ምግቢ ናይ`ቲ ሕዝቢ ዘውሕስ ምድላዋት ክገብሩ ብምስምማዕ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ማለት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ከተማታት`ታ ሃገር ንኣስታት 515,000 ናይ ምግብን ማይን ረዲአት ይግበረሎም ከምዘሎ ብምሕባር፣ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ቁጽሪ’ቲ ኣሃዝ ናብ 1.7 ሚልዮን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ናይ 2020 ከኣ ከም ጥርዚ ናይ’ቲ ወቕቲ መጠን ብዝሒ ናይ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሕዝቢ ናብ 2 ሚልዮን ክብ ከብል ይኽእል’ ኢሉ።

ምብኣስ ናይ’ቲ ኩነታት

ኣብ’ቲ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ደርቂ እንዳገደደ ምስ ዝኸይድ፣ ብዝሒ ንጥምየትን ዓጸቦን ዝቃልዑ ሕዝቢ’ውን ብኡ መጠን እንዳበዝሕ ሰለዝኸይድ፣ ኩነታት እታ ሃገር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ብምኻድ፣ ኩነታት መጻኢ እታ ሃገርን ኣብኡ ዝርከብ ሕዝብን ክትገምግመሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ክበጽጻ ከምዝከኣል ሓላፊት ዜናን ሓበሬታን ናይ ዓለም-ለኸ ትካል ውሕስነት መግቢ ኣብ’ቲ ሃገር ወይዘሮ ባክስትሮም ኣፍሊጠን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ሕዝቢ ዚምባብወ ዝውዕል ናይ $.294 ሚልዮን ሓገዝ’ኳ እንተሓተተ፣ ሳዕቤን ናይ’ቲ ከቢድ ድርቂ እንዳ በኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕጂ፣ ሃገረ ዚምባብወ ሞሶብ ኣፍሪቃ ትበሃል ከምዘይነበረት፣ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ኣብ ከም’ዚ ዘሰክፍ ናይ ዓጸቦን ጥምየትን ምእታዋ ከምዘሕዘኖም እውን ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2019, 17:44