ድለ

2019.02.04 Papa Francesco firma un documento durante l'incontro interreligioso ad Abu Dhabi 2019.02.04 Papa Francesco firma un documento durante l'incontro interreligioso ad Abu Dhabi 

ኣብ ኣቡ ዛቢ ንሰነድ ሕውነት ዘነቃቅሕ ኮሚቴ ቆይሙ

ነቲ ብሰነድ ሕውነት ዝፍለጥ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ዓቢ ኢማም ናይ ኣል ኣዝሃር ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣቡዛቢ ዝከተምዎ ናብ ብዙሓት ንክበጽሕ ንምንቅቃሕን ነቲ ንሱ ዘቅርቦም ኣምራት ናይ ተጻዋርነትን ምድግጋፍን ሕውነት ዓለም ንምድንፋዕ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ሰላም ዓለምን ብሓባር ምንባር ናይ ደቂሰባትን ዝጉስጉስ ኮሜተ ቆይሙ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ግዝኣት ሕቡራት ሃገራት ኣዕራፍ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ካልእ ዝተፈላለየ ዘተን እቲ ቀንዲ ትኩረት ዝተዋህቡሉ ብሰነ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ዝፍለጥ ከመይ ገቢርና ኣብ ዓለምና ሰላም ከምእነንግሥን ዘመደ ኣዳም ብምሉኦም ተሓቛቚፎን ተደጋጊፎምን ክነብሩ ይኽእሉ ንዝብሉ ሕቶታት ዝምልስ ብዙሕ ትሕዝቶ ዘለዎ ብር.ሊ.ጳጳሳትን ናይቲ ኣብ ኣዝሃር ዝተባህለ ዚዓበየ ኢማም ኣሕመድ ኣል ጣይብን ከምዝተፈረመ ይዝከር። ከምኡ እውን ድሕሪ እቲ ምኽታም ዝተፈላለየ ዓውደ መጽናዕትታ ምናዳ ኸኣ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ብሓባር ንክምልከትዎን ሓባራዊ መግለጺ ንክህብሉን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መግለጺታት ተዋሂቡ።

እዛ ኣብ ኣቡዛቢ ተወሊዳ ትበሃል ዘላ ኮሚቴ ‘ነቲ ሓባራዊ መግለጺ እንክቅብለዎ እዚ ከኣ ቀንዲ እጃም ሥራሑ ንዘመደ ኣዳም ምውህሃድን ኣብ ዓለም ሰላም ንክርከብ ምጽዕራን ኰይኑ በዚ ኣቢሉ ከኣ ንመጻኢ ወለዶ ነንሕድሕዶም ዝከባበሩን ጥዑይ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ዕድል ንምፍጣር እዩ ኢሎም። ነዚ ንምግባር ከኣ ናይ ምትሕብባር ጐደናታት ምስዓብ የድሊ ኢሎም።

ናይ ምትሕብባር ጐዳና ምስዓብ!

ኣብቲ መግለጺ ናይ ኣቡ ዳቢ ወራስ ዓራት መስፍን ልዑል ሸይክ መሓመድ ቢን ዛየድ ኣል ናህያን እቲ ቀንዲ ኣጃም ሥራሕ ናይዛ ኮሚቴ እዚኣ ነተን ሕውነት ዘመደ ኣዳም ንሰላም መላእ ዓለምን ተሓቛቚፍካ ንምንባርን ዘቅርበን መበገሲ ሓሳባት ንኩለን ወሲድካ በብሓደ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ማለት ካብ ዝመጽእ ርክብ ጀሚርካ ኣብ ደረጃ ዞባስ ይኹን ብዓለምለኸ ደረጃ መራሕቲ እምነትን ዓለምለኸ ውድባትን ከይተረፈ ዝሳተፈሉን ዝዛተዩሉን ናብ ኩሉ ዘባጽሑሉን እዩ። ከምኡ እውን ናይዚ ኮሚቴ ካልእ ሥራሕ ኩለን ሃገራት ነዚ ኣብዚ ሰነድ እዚ ቀሪቡ ዘሎ መምርሒታት ኣብ ሃሃገረን ክትግብርኦን ነፍሲወከፍ ዜጋአን ብምክብባርን ብሰላም ብሕብረት ክነብሩ ከይተሓለልካ ምጽዓር እዩ። ነዚ እናገበአ ከኣ ነታ ዓባይ ሥድራቤት ኣቦና ኣብርሃም ዝኾነት ሓድነት ዘመደ ኣዳም እተዘኻኽርን በዚ ስም እዚ ኣብ ኣቡ ዛቢ ቅዱስነቶምን ዓቢ ኢማም ኣል ኣዝሃርን ክታሞም ዘንበሩሉ ሙዘይም እውን ንዝኽሪ ናይዚ ዓቢ ፍጻሜ ሒዙ ቤተ ሥድራቤት ኣብርሃም ዝበልናዮ ክከናኸን እዩ ድሕሪ ቢሎም ኣብ መወዳእታ እቲ ኮሚቴ ካልኦት ሓደስቲ ኣባላት ኵስኽ ከምዝኽእል ገሊጾም።

ኣቈምቲ ኮሚቴ

ኣባላት እዚ ኮሚቴ እዚ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ጳጳሳዊ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ቤትምኽሪ ፕረሲደንት ብፁዕ ኣቡነ ሚጕአል ኣንገል ኣዩሶ ጒኾ ብወገን ኣላ ኣዝሃር ዪኒቨርሲት ፕረፈሰን መሓመድ ሁሰይን ማህራሳዊ ዳይረክተር ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ብፁዕ ኣቡነ ዮሃኒስ ላህዚ ጋይድ ግላዊ ጸሓፊ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይቲ ዓቢ ኢማም ኣማኻሪ ክቡር ዳኛ መሓመድ ማሕሙድ ዓብደል ሳላም ከምኡ እውን ናይ ኣቡ ዛቢ ባህልን ቱሪዙምን ክፍሊ ፕረሲደንት መሃመድ ኻሊፋ ኣል ሙባራክን ናይ ሽማግለታት ኣስላም ቤት ምኽሪ ጸሓፊ ዶክተር ሱልጣን ፋይሳል ኣል ሩማይጢ ኣብ መወዳእታ ከኣ ደራሲ ያሰር ሃረብ ኣል ሙሃይሪ እዮም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
20 August 2019, 17:16