ድለ

FILES-SRI LANKA-ATTACKS FILES-SRI LANKA-ATTACKS 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኸ ዕለት ኣንጻር ግህሰት ሃይማኖት ኣውጁ!

ዓለም ለኸ መዓልቲ ግዳያት ግህሰት ሃይማኖትን እምነትን ንዝኾኑ ንምዝካር፡ ብዕለት 22 ነሓሰ 2019ዓምፈ ተባዒሉ ከምዝወዓለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ዕለት 22 ነሓሰ 2019ዓምፈ፡ ንመጀመርያ ግዜ፡ ብሰንኪ ሃይማኖቶምን እምነቶምን ግዳያት ግህሰት ንዝኾኑ ንምዝካር፡ ብደረጃ ዓለምለኸ ኣብ ዓዓመት ንከበዓልን ከምዝጸውዐን፡ ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ምግሃስን ምስዳድን ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ተኸተልቲ ጉጅለታት ደው ክብል ጸዊዑ።

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ኣንቶንዮ ጉተረስ ነቲ መዕልቲ ኣመልኪቶም፡ ንግዳያት ሃይማኖትን እምነትን ዝኾኑ ኣካላት ዘሎና ደገፍ፡ ጽኑዕን ኣብ ዝኾነ ግዜ ዘይንቕነቕን ከምዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ከገልጽ ይፈቱ ድሕሪ`ሎም፡ ንዕኡ ንምክልኻል’ውን ብዘሎና ዓቕሚ ክንቃለስን፡ ንገበነይናታት ብገበኖም ክሕተትሉ ዝኽእሉ ሃዋህው ክንፈጥርን ክንጽዕር ኢና ኢሎም።

ነቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ጒጅለታት ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን እምነታትን ናይ ዓለምና፡ ዝርአ ዘሎ ምግሃስ መሰል እምነት ዘሰከፎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ መግትኢ እንተኾነ ብዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ዕለት 28 ግምቦት 2019ዓምፈ፡ ንግዳያት ሃግማኖትን እምነትን ንምዝካር፡ ብዓለም ለኸ ደረጃ፡ ዓመታዊ ኣብ ዕለት 22 ነሓሰ ንኽበዓል ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘጽደቖ ይዝከር።

ኣቶ ጉተረስ ንጥቕሚ ናይ’ቲ ምብዓል ኣመልኪቶም፡ ‘ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ነቲ በዓል እንከነብዕል፡ ነቶም ብሰንኪ ሃይማኖቶም እምነቶምን ግዳያት ዝኹኑ ኣካላት ብምዝካር፡ ንግዳያት ምሉእ ደገፍና እንገልጸሉን እነረጋግጸሉን እንክኸውን ንግብረ-ዓመጽ ከኣ እንኹንነሉን መዕልቲ እዩ’ ብምባል ኣገዳስነት ናይ`ቲ መዓልቲ ኣብሪሆም።

ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ

ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉተረስ፡ ንገለ ዝተፈጸሙ ናይ ሕሉፍ ግህሰታት ከም ህልቂት ኣይሁዳውያን ኣብ ምኩራባትን ምዕናው መቓብራቶምን፡ ቅትለት እስላማውያን ኣብ መሳጊድን ምርኻስ ቤት እምነታቶምን፡ ቅትለት ክርስትያን ኣብ ግዜ ጽሎትን ምዕናው ኣባያተ ክርስትያንን፡ ዝኣመሰሉ ግህሰታት ኣብ ኒውስዝላንድን፡ ሰሪላንካን ከምኡ’ውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምዝተፈጸመ ናይ ቀረባ ዝኽሪ ኮይኑ፡ ንኣባይቲ ኣምልኾ ብፍሉይ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕትታት ከምዝነበረ ሓቢሮም።

እዚ እኩይ ዝኾነ ዕላማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም፡ ካብ ሲርያ ክሳብ ሪፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዳርጋ ብምሉኦም ሕብረተሰባት እዚ ከባቢ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ብርቱዕን ቀጻልን ግጭት ከምዝርከቡ ብምሕባር፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንዝካየድ ዘሎ ናይ ኣንጻር ሰማውን፡ ኣንጻር እስላማውን፡ ከምኡ’ውን ምስዳድ ጒጅለታት ክርስትያንን ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታትን ደው ከብልዎ ክጽዕሩን ድሕሪ ጸዊዖም፡ ብዘይካኡ`ውን ካብኡ ዘይፍለዩ ካልኦት ከም ዓሌታውንት፡ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዜጋ፡ ሌላን ጉሌላን ከምኡ’ውን ንግህሰት ምድፍፋእ ዝኣመሰሉ እኩያት ተግብራት እውን ብኣግኡ ተለልዮም፡ ንፈጸምቶም ብሓልፍነት ከሕተቱሎም ምግባር ከምዘልድሊ ኣገንዚቦም።

ንጽልኢ ብሰላም ምትካእ

ኣቶ ጉተረስ ኣስዒቦም፡ ነዚ ኣዝዩ ሓደገይና ዝኾነ ተርእዮታት ግህሰት ንምህዳእ፡ ብፍላይ እተን ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለምና፡ ናይ ምጽውዋርን ምክብባርን መንፈስ ብምምዕባል፡ ከም ደቂ ሰባት መጠን ኣብ`ዚ ዓለም ብሓብርን ብሰላምን ንምምባር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ድሕሪ ተላብዮም፡ ነቶም ኣብ ዝተፋላለዩ ግዜን ቦታን ዝፍጠሩ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቑን ዘይቅኑዓትን ሃይማኖታውያን ጎስጓሳት ክንቃወምን ኮነ፡ ነቶም ፍርሕን ጽልእን ምፍልላይን ዝዘርኡ ኣካላት ኣትሪርካ ምቍዋሞም ከምዘልድሊ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ መግትኢ ናይዚ ግህሰት ይብሉ ኣቶ ጉተረስ ‘እቲ ዝበለጸ ፈውስን መግትእን ናይ ብሃይማኖትን እምነትን ዝተሳበበ ግህሰት እምበኣር፡ ነቲ ናይ ጽልኢ ሓሳባት፡ ብሓባራዊ ድምጺ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንብዙሕነትና ከም ጸጋ ተቐቢልና፡ ንሰብኣዊ መሰል ደው ምስ እንብል እዩ’ ድሕሪ`ሎም፡ ኩሉ ኣባል ስድራቤት ወድሰብ፡ ንፍልልያቶም ኣክቢሮም፡ ብሕድሕዳዊ ምርድዳእን፡ ኣመት ሕድሕድ ብምግባርን፡ ሓቢሮም ብሰላም ክነብሩን ብምጽዋዕ ዘረብኦም ዛዚሞም።  

ብድምጺ ንምክትታል
24 August 2019, 14:14