ድለ

ምብጻሕ ናይ ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ኣብ ሮማ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ናይ ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ኣብ ሮማ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ 

ምብጻሕ ናይ ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ኣብ ሮማ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ

ርእሰ ብሔር ንዩሲ ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ሰላም ንክረጋገጽን ሃገራዊ ዕርቂ ክወርድን ብዘካየድዎ ሽምግልና ዕለት 4 ጥቅምቲ 1992 ዓ.ም. ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ተቓወምቲ ዕጡቓት ሓይሊ ዘካይድዎ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ውግእን ደው ንኽብል

ናይ ሃገረ ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ፊሊፐ ንዩሲ ኣብታ ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ሰላም ክውን ክኸውንን ንህሙማን ኤይድስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቕርብን ተኸሲቱ ብዝነበረ ብርቱዕ ኢዳይ ዝብል መጸውዕ ሽም ዝፍለጥ ህቦብላ ብዘስዓቦ ንዋታውን ሰብኣውን ማህሰይቲ ብዝተፈላለየ መዳይ ድጋፍን ምትሕብባርን ንዘቕረበ ዋና መቐመጢኡ ሮማ ናብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዘመስገኑን፡ ሃገሮም ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሃረርታ ትጽበይ ከምዘላ እውን በዚ ኣጋጣሚዚ ይሕብሩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 8 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሮማ ዝኣተዉ ርእሰ ብሔር ንዩሲ ይብሉ፡ ሕዝቢ ሞዛምቢክ ንቕዱስ ኣቦን ብዓቢይ ሃንቀውታ ይጽበልይ ከምዘሎን፡ ቅዱስነቶ እቲ ናይ ሰላምን ናይ ወንጌል ልኡኽን ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮም ኣብ ሞዛምቢክ ንዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ንሶምን ሕዝቦምን ሃገሮምን ንኸእንግዱ ዝስምዖም ዓቢይ ሓጐስ ገሊጾም፡ ቅድም ክብል እውን ከምእተገልጸ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ማውሪታንያን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ካካይዱ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ዝካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 4 መስከረም 2019 ዓ.ም. ማፑቲ ብምእታው ዝጅምርዎ እዩ።

ስምምዕ ሰላም 1992 ዓ.ም.

ርእሰ ብሔር ንዩሲ ንካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፡ ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ሰላም ንክረጋገጽን ሃገራዊ ዕርቂ ክወርድን ብዘካየድዎ ሽምግልና ዕለት 4 ጥቅምቲ 1992 ዓ.ም. ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ተቓወምቲ ዕጡቓት ሓይሊ ዘካይድዎ ዝነበረ ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ውግእን ደው ንኽብል በቶም ናይቲ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ መራሕቲ ክፍረም ንዘብቅዖ እቲ ኣብ 1990 ዓ.ም. ዘበገሶ ናይ ሰላም ስምምዕ እናሓሰቡ ነቲ ምንቅስቓስ ቤተ ሰላምን ቤተ ሞዛምቢክን እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ኣስታት ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገን ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ዦኣኪም ኪሳኖን ናይ ረናሞ ዕጡቓት ሓይሊ መራሒ ኣልፎንሶ ድህላካማ ናብ ሰላም ስምምዕ ክበጽሑ ዝገበረ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዘኪሮም ምስጋናኦም የቕርቡ።

ሕልሚ እተሰምየ መደብ

ርእሰ ብሔር ንዩሲ ኣብዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ መስራቲ ምስ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞን ምስ ካልኦት ናይቲ ምንቅስቓስ ላዕለዎት ኣካላት ተራኺቦም፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተረኽቡ ናይ ውሽጥን ወጻእን ጋዜጠይናታት፡ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ሞዛምቢክ ንዘሳለጦን ንዘካይዶን ዘሎ ብጠቕላላ እቲ ቅዱስ ኤድጂዲዮ ማሕበር ንሞዛምቢ እንታይ ዝውክል ምዃኑ ዝነግር፡ ኣብታ ሃገር ማሕበራውን ፖለቲካውን ዕርቂ ንኽረጋገጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ማሕበር ንሞዛምቢካውያን ህሙማን ኤይድስ ሕልሚ ብእተሰምየ መራሓ ግብሪ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ካልኦት ናይ ምዕባለን ሕንጸትን ዘቕርቦ ድጋፍ ዘዘንትው ሰነዳዊ ናይ ምስማዐ ርእየት ፊልም ክቐርጹ ዓዲሞም።

ብምጻሕ ናይ ሞዛምቢክ ርእሰ ብሔር ኣብ ሮማ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ
09 July 2019, 18:31